settings icon
share icon
ሕቶ

ልኡላውነት ኣምላኽን ናጻ ፍቓድ ሰብን ብሓበራ መተዓይይቲ ዝኸውን ከመይ ኢሉ እዩ?

መልሲ


ኣብ ሞንጎ እቲ ናይ ኣምላኽ ልኡላውነትን ናጻ ፍቓድ ሰብን ኣብ ሓላፍነትን ዘሎ ዝምድና ብምልኣት ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብቲ ናይ ምድሓን መደቡ ፡ብሓበራ ከመይ ከምዝዓዩ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዝፈልጦ። ወረ ካብ ዝዀነ ዶክትሪን ንላዕሊ ፡ ነዚ ዛዕባ ፡ ንባህሪ ኣምላኽን ምስኡ ዘሎና ዝምድናን ብምልኣት ክንግንዘቦ ዓቕሚ ከምዘይብልና ክንእመነሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ናብ ሓደ ጫፍ ጥራይ ምህጻጽ ፡ ናብ ዝንቡዕ ኣረዳድኣ ምድሓን የምርሕ እዩ ፡፡

መን ከምዝድሕን ኣምላኽ ይፈልጦ ምዃኑ እቲ ጽሑፍ ንጹር እዩ (ሮሜ 8፡29 ፥1ጴጥሮስ1፡2)። ኣምላኽ ቅድሚ ምስራት ዓለም ከምዝሓረየና ኤፌሶን 1፡4 ይነግረና። መጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙ ንኣመንቲ ከም ሕሩያት ይገልጾም እዩ(ሮሜ 8፡33 ፥ 11፡15 ፥ ኤፌሶን 1፡11 ፥ ቆሎሴ 3፡12 ፥ 1 ተሰሎንቄ 1፡4 ፥ 1 ጴጥሮስ 1፡2 ፥ 2፡9 ) ፡ እቶም ሕሩያት ድማ (ማቴዎስ 24፡22,31 ፥ ማርቆስ 13፡20,27 ፥ ሮሜ 11፡7 ፥ 1 ጢሞቴዎስ 5፡21 ፥ 2 ጢሞቴዎስ 2፡10 ፥ ቲቶስ 1፡1 ፥ 1 ጴጥሮስ 1፡1)። ኣመንቲ ካብ ቀደም ምዱባት ምዃኖም (ሮሜ 8፡29-30፥ ኤፌሶን 1፡5-11 ፥ ሕሩያት ምዃኖም (ሮሜ 9፡11 ፥ 11፡28 ፥ 2 ጴጥሮስ 1፡10)፡ እቲ ምድሓን ኣጸቢቑ ንጹር እዩ ዘሎ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብተወሳኺ፡ ንክርስቶስ ከም መድሓኒ ክንቅበሎ ሓላፍነት ኣሎና ይብል፡ ብየሱስ ክርስቶስ ምእማን እዩ ንዓና ቀንዲ ዘድልየና ፡ ክንድሕን ድማ ኢና (ዮሃንስ 3፡16 ፥ ሮሜ 10፡19)። መን ከምዝድሕን ከኣ ኣምላኽ ይፈልጥ እዩ ፡ ኣምላኽ እዩ መን ከምዝድሕን ዝሓርዮ ፡ ንሕናውን ክንድሕን ምእንቲ ንክርስቶስ ክንመርጽ ይግባእ። እዘን ሰለስተ ጭብጥታት ከመይ ጌረን ብሓበራ ከምዝዓይያ ፡ ሓደ ውሱን ኣእምሮ ክርድኦ ዘይክኣል እዩ (ሮሜ 11፡33- 36)። ናትና ሓላፍነት ወንጌል ናብ ምሉእ ዓለም ምብጻሕ እዩ (ማቴዎስ 28፡18 -20፥ ግብሪ ሃዋርያት 1፡8)። ነቲ ቅድመ-ፍልጠት ፡ ሕርየት፡ ቅድመ-ምደባ ናይ ኣምላኽ ንኣምላኽ ንሕደገሉ እሞ ፡ ወንጌል ንምክፋል እዙዛት ንኹን ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ልኡላውነት ኣምላኽን ናጻ ፍቓድ ሰብን ብሓበራ መተዓይይቲ ዝኸውን ከመይ ኢሉ እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries