settings icon
share icon
ሕቶ

ዘለዓለማዊ ህይወትዶ ኣሎካ?

መልሲ


ናብ ዘለዓለማዊ ህይወት ዝወስድ ሓደ ብሩህ መገዲ ቅዱስ መጽሓፍ የርእየና። ብቐዳምነት ንኣምላኽ ከምዝበደልና ክንኣምን ኣሎና፡ “ከመይ ኩሎም ስለ ዝኃጥኡን ካብ ክብሪ ኣምላኽ ስለ ዝረኃቑን” (ሮማ. 3፡23)። ኩላትና ንኣምላኽ ባህ ዘየብሉ ነገራት ገበርና፡ መቕጻዕቲ ድማ ይግበኣና። ኩሎም ሓጢኣትና ኣብ መወዳእታኡ ኣንጻር ዘለዓለማዊ ኣምላኽ ስለዝኾኑ፡ ዘለዓለማዊ መቕጻዕቲ እዩ ዝዳረጐም። “ከመይ ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ፥ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ናይ ዘለዓለም ህይወት እዩ” (ሮማ. 6፡23)።

ግናኸ፡ እቲ ሓጢኣት ዘይብሉ ኢየሱስ ክርስቶስ (1 ጴጥ. 2፡22) ዘለዓለማዊ ወዲ ኣምላኽ ክንሱ ሰብ ኮነ (ዮሓ. 1፡ 1, 14) በጃ ሓጢኣትና ክቕጽዓልና ድማ ኣብ ክንዳና ሞተ። “ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፥ ኣምላኽ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ በዚ የርኢ ኣሎ” (ሮማ. 5፡8)። ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ሞተ (ዮሓ. 19፡ 31-42)፡ ንዓና ዝግባእ መቕጻዕቲ ድማ ንሱ ተፈደዮ (2 ቆሮ. 5፡21)። ዓወቱ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣትን ሞትን ብምምስካር ድማ ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ካብ ምዉታት ተንስአ (1 ቆሮ. 15፡ 1-4)። “ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ብምትንሣኡ ሕያው ተስፋ ዝሃበና፥ ብብዝኂ ምሕረቱ ብሓድሽ ልደት ውሉድ ዝገበረና ኣምላኽ፥ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይመስገን” (1 ጴጥ. 1፡3)።

ብዛዕባ ክርስቶስ ዘሎና መረዳእታ መን ምዃኑ፡ እንታይ ከም ዝገበረን ንምንታይን [ምእንቲ ድሕነት (ግ.ሓ. 3፡19)] ከምኡ ከምዝገበረን ኣእምሮ-ልቦናና ክንቕይር ይግባእ። ኩሉ እምነትና ኣብ ክርስቶስ እንተደኣ ኣንቢርና፡ ምእንቲ ሓጢኣትና ኣብ መስቀል ከም ዝሞተ እንተደኣ ኣሚንና፡ በደልና ኩሉ ክሕደገልናን እቲ መብጽዓ ዘለዓለማዊ ህይወት ኣብ መንግስተ-ሰማያትውን ክንረክብን ኢና። “በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዘበለ ኩሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኪረክብ እምበር ከይጠፍእሲ፥ ኣምላኽ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዚህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” (ዮሓ. 3፡16)። “ስለዚ ብኣፍካ ‘ኢየሱስ ጐይታ እዩ’ ኢልካ እንተ መስከርካ፥ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምውታት ከም ዜተንሰኦ እንተ ኣመንካ፥ ክትድሕን ኢኻ” (ሮማ. 10፡9)። እቲ ውዱእ ስራሕ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ምእማን ጥራይ እዩ እቲ እንኮ መገዲ ዘለዓለማዊ ህይወት። “ንክርስቶስ ብምእማን ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም፡ እዚ ከኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር ካባኻትኩም ኣይኮነን። ሓደ እኳ ከይምካሕሲ ብግብሪ ኣይኮነን” (ኤፈ. 2፡ 8-9)።

ንክርስቶስ ከም ውልቃዊ መድሓኒኻ ክትቅበሎ እንተድኣ ደሊኻ፡ ሓደ ኣብነት ናይ ጸሎት ካብዚ ስዒቡ እነሀልካ። ኣስተውዕል፡ እዚ ጸሎት ስለዝደገምካ ወይ ካልእ ጸሎት ስለዝገበርካ ጥራይ ኣየድሕነካን እዩ። ኣብ ክርስቶስ እምነትካ እንተደኣ ጌርካ ጥራይ እዩ ካብ ሓጢኣት ከድሕነካ ዝኽእል። እዚ ጸሎት ንኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎካ እምነት እትገልጸሉን ንድሕነትካ ምብጃዉን ንምምስጋን ጥራይ እዩ። “እግዚኣብሄር፡ ኣብ ቅድመኻ ከም ዝሓጣእኩን መቕጻዕቲ ከምዝግበኣንን እፈልጥ። ግናኸ ኣብኡ ብምእማን ሕድገት-ሓጢኣት ክረክብ ኢሉ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ በጃይ ተቐጽዓለይ። ከም ዝድሕን ኣብ ልዕለኻ ምሉእ እምነት ኣሎኒ። ስለቲ ዘደንቕ ጸጋኻን ምሕረትካን [ህያብ ዘለዓለማዊ ህይወት] አመስግነካ! እሜን!”

ኣብዚ ብዘምበብኩሞዶ ኢኹም ብዛዕባ ክርስቶስ ውሳኔ ዝወሰድኩምM ከምኡ እንተኾይኑ፡ ብኽብረትኩም ስዒቡ ኣብ ዘሎ “ሎሚ መዓልቲ ንክርስቶስ ተቐቢለ።” ዝብለ ክሊክ ግበሩ/ጠውቑ
English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ዘለዓለማዊ ህይወትዶ ኣሎካ?
© Copyright Got Questions Ministries