settings icon
share icon
ሕቶ

እንታይ እዩ እቲ ግቡእ መጠን ናይ ፍቕራዊ ሂወት ቅድሚ መርዓ?

መልሲ


ኤፌሶን 5፡3 “ከምቲ ንቕዱሳን ዚግባኦም ምስጋና ደኣ እምበር፡ ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ...ከቶ ኣይሰማዕኩም” ይብለና። ዝኾነ ዋላ’ውን ጾታዊ ብዕልግና “ዝእምት” ነገር ንክርስትያን ግቡእ ኣይኮነን። መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ንዝኾነ ነገር “ኣመታት” ዘብሎ ወይ ኣየኖት ኣካላዊ ንጥፈታት እዮም ቅድሚ መርዓ ንየዕሩኽ ክገብርዎም ዝፍቀዶም ዝርዝር ኣይህበናን እዩ። እንተኾነ ግን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ጉዳይ ብፍሉይ ኣይጠቐሶን ማለት ኣምላኽ ንቅድሚ መርዓ “ኣብ ዘይግዚኡ ዝግበር ጾታዊ” ንጥፈታት ይፈቕዶ ማለት ኣይኮነን። ብቐንዱ፡ ኣቐዲምካ ዝግበር ምትንኻፋት ንሓደ ሰብ ን ጾታዊ ርክብ ንምድላው እዩ ተመዲቡ። ስለዚ ርዱእ ነገር ድማ ኣቐዲምካ ዝግበር ምትንኻፋት ን ዝተመርዓዉ መጻምዲ ጥራይ ይሕጸር። ዝኾነ ከም ኣቐዲምካ ዝግበር ምትንኻፋት ዝሕሰብ ነገር ድማ ክሳብ መርዓ ክውገድ ኣለዎ።

ዝኾነ ይኹን ሓደ ንጥፈት ን ዘይተመርዓው መጻምዲ ቅኑዕ ድዩ ኣይኮነን ዘጠራጥር እንተኾይኑ ክውገድ ኣለዎ (ሮሜ 14፡23)። ዝኾነ ከምኡ ከኣ ኩሎም ጾታዊን ከምኡ’ውን ቅድመ ጾታዊ ንጥፈታት ንዝተመርዓዉ መጻምዲ ክሕጸሩ ኣለዎም። ዘይተመርዓው የዕሩኽ ን ጾታዊ ርክብ ዝፍትኖም ዘበለ፡ ንዖኦም ዘይሞራላዊ ነገር ዘምስለሎም ዘበለ ወይ ድማ ኣቐዲምካ ዝግበር ጾታዊ ንጥፈታት ከወግዱ ኣለዎም። ብዙሓት ፓስተራትን ክርስትያናት ኣማኸርትን ንየዕሩኽ ኪኖ ምሓዝ ኣእዳው፡ ፎኪስ ምሑቛፍ መንኮብ (ሃጊንግ) ከምኡ’ውን ፎኪስ ምስዕዓም ከይከዱ ኣጥቢቖም ይመኽሩ። ዝያዳ ዝተመርዓዉ መጻምዲ ኣብ በይኖም ምስ ዝገብርዎ ድማ ዝያዳ እቲ ጾታዊ ዝምድና ኣብ’ቲ መርዓ ፍሉይን ብርቂን ይኸውን።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

እንታይ እዩ እቲ ግቡእ መጠን ናይ ፍቕራዊ ሂወት ቅድሚ መርዓ?
© Copyright Got Questions Ministries