settings icon
share icon
ሕቶ

ደቂ-ኣንስትዮ ጓሶት ወይ ሰበኽጺ፤ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብ ኣገልግሎት ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ እንታይ ይብል?

መልሲ


ኣብዚ ሕጂ እዋን ከም ጉዳይ ደቂ-ኣንስትዮ ጓሶት ወይ ሰበኽቲ ገይሩ ብርቱዕ ክትዕ ዝፈጥር ኣርእስቲ የልቦን፡፡ ከም ውጽኢቱ ኸኣ እዚ ነገር ከም ክርክር ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ዘይምርኣዩ ኣገዳሲ እዩ፡፡ ደቂ-ኣንስትዮ ከም ጓሶት ከገልግላ ከም ዘይተፈቕደን መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኣገልግሎት ዝኣትዋ ደቂ-ኣንስትዮ ገለ ምኽልካል ከም ዝገበረን ዝኣምና ደቂ-ኣንስትዮ ኣለዋ፡፡ ብኣንጻሩ ኸኣ ነዚ ዝቃወሙ ደቂ-ተባዕትዮ ኣለዉ፡፡ እዚ ጉዳይ ጸቕጥን ልዕልና ደቂ-ተባዕትዮን ኣይኮነን፡፡ እዚ ነገር፡ ጉዳይ ርድኢት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ፡፡

ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ ሰበይቲ ብኹሉ እናተኣዘዘት ደኣ ብህድኣት ትመሃር፡፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበር ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ክህልዋ ኣይፈቅድን እየ (1ጢሞቴዎስ 2፡11-12)፡፡ ኣምላኽ ኣብ ማሕበሩ ንሰብኡትን ኣንስትን ዝተፈላለየ ዕዮ ሰሪዕሎም ኣሎ፡፡ እዚ ውጽኢት ናይ ኣፈጣጥራ ሰብን ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወሉ መንገድን እዩ (1ጢሞቴዎስ 2፡13-14)፡፡ ኣምላኽ ብሃዋርያ ጳውሎስ ኣቢሉ ንደቂ-ኣንስትዮ ካብ ኣገልግሎት ምስባኽ ወይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ሰብኣይ መንፈሳዊ ልዕልና ንኸይህልዋ ከልኪሉ እዩ፡፡ ኣንስቲ ንሰብኡት ከይጓስያ ክብል እንከሎ ድማ ኣብ ሰብኡት ክሰብካ ኮነ ክምህራን መንፈሳዊ ስልጣን ከይሕዛን ዘጠቓልል እዩ፡፡

እዚ ርድኢት ብዙሕ ተቓውሞ ይልዓሎ እዩ፡፡ እቲ ልሙድ ተቓውሞ ድማ ኣብቲ ጳውሎስ ነዚ መልእኽቲ ዝሃበሉ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ኣንስቲ ዘይተማህራን ዘይሰልጠናን ብምንባረን ኣማኻንዩ ዝቐርብ እዩ፡፡ ግናኸ 1ጢሞቴዎስ 2፡11-14 ንትምህርትን ምስልጣንን ዝጠቅስ የብሉን፡፡ ትምህርቲ ሓደ ቅጥዒ ኣገልግሎት ምስ ዝኸውን መብዛሕትኦም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብቑዓት ኣይምኾኑን፡፡ ካልኣይ ልሙድ ተቓውሞ ድማ ጳውሎስ ንኣንስቲ ኤፌሶን ጥራይ ከም ዝኸልከለ ኣምሲልካ ዝቐርብ እዩ (1ይ መልእኽቲ ጢሞቴዎስ ናብ ጢሞቴዎስ ጓሳ ማሕበር ኤፌሶን ዝተጻሕፈ እዩ)፡፡ ከተማ ኤፌሶን ማእከል ኣምልኾ ጣኦት ኣርጤምስ ነበረት፡ ኣብዚ ኣምልኾ ጣኦት ከኣ ኣንስቲ ዓቢ ቦታን ስልጣንን ነይርወን እዩ፡፡ ስለዚ ጳውሎስ ነዚ ብኣንስቲ ዝምራሕ ባህሊ ኤፌሶን ንምቅዋምን ነታ ማሕበር ክርስትያን ካብኡ ንምፍላያን ዝበሎ እዩ ይብሉ እቶም ዝቃወሙ፡፡ ግናኸ 1ጢሞቴዎስ ንኣርጤሚስ ኣይጠቅስን እዩ፡ ጳውሎስ ከኣ ኣብ 1ጢሞቴዎስ 2፡11-12 እቲ ስርዓት ኣምልኾ ኣርጤስም ንምኽልካል ኣንስቲ ካብ ኣገለግሎት ከም ምኽንያት ኣየቕረቦን፡፡

ሳልሳይ ተቓውሞ ድማ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሓዳር ዘለዉ ሰብኡትን ኣንስትን እምበር ንኹሎም ደቂ0ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ኣመልኪቱ ኣይኮነን ዝብል እዩ፡፡ እቲ ኣብ 1ጢሞቴዎስ 2 ንሰብኣይን ሰበይትን ዝገለጽ ናይ ግሪኽ ቃላት ንሰብኣይን ሰበይትን ሰብ ሓዳር ክገልጽ ይኽእል እዩ፡፡ ይኹን እምበር እቲ መሰረታዊ ትርጉም ናይቲ ቓላት ካብኡ ዝሰፍሐ እዩ፡፡ ብተወሳኺ፡ ተመሳሳሊ ቓላት ግሪኽ ኣብ ጥቕስታት 8-10 ኣሎ፡፡ ሰብ ሓዳር ሰብኡት ጥራይዶ እዮም ብዘይ ኩራን ክትዕን ኣእዳዎም ንጸሎት ከልዕሉ ዘለዎም (ጥቕሲ 8)፤ ሰብ ሓዳር ኣንስቲ ጥራይ ድየን ብግቡእ ዝኽደና፡ ሰናይ ግብሪ ዝገብራን ንኣምላኽ ዘምልኻን (ጥቕስታት 9-10)፤ ኣይፋልን፡፡ ፍቕድታት 8-10 ብንጹር ብዛዕባ ሰብ ሓዳር ጥራይ ዘይኮነ ብዛዕባ ኩሎም ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ኣንስትዮን እዩ ዝዛረብ ዘሎ፡፡ ጥቕስታት 11-14 ድማ ንሰብ ሓዳር ጥራይ ዝኾነሉ ምኽንያት የልቦን፡፡

ካልእ ተቓውሞ ድማ ምስተን ኣብ ብሉይ ኪዳን ስልጣን ወይ መሪሕነት ዝሓዛ ኣንስቲ ከም በዓል ሚርያም፡ ዴቦራ ከምኡ ኸኣ ሁልዳ ዝተኣሳሰር እዩ፡፡ እዘን ኣንስቲ ብኣምላኽ ንፍሉይ ኣገልግሎት ከም ዝተሓርያን ኣርኣያ እምነት፡ ትብዓትን መሪሕነትን ምዃነንን ርጉጽ እዩ፡፡ ግናኸ ስልጣን ኣንስቲ ብሉይ ኪዳን ኣብ ጉዳይ ደቂ-ኣንስትዮ ጓሶት ኣብ ማሕበር ሓድሽ ኪዳን ኣገዳሲ ኣይኮነን፡፡ መልእኽትታት ሓድሽ ኪዳን ንህዝቢ ኣምላኽ ማለት ንማሕበር፡ ነታ ስጋ ክርስቶስ፡ ሓድሽ መንገዲ ኣቕሪቡ ኣሎ፡፡ እዚ መንገዲ ድማ ንእስራኤል ኮነ ካልእ ማሕበር ብሉይ ኪዳን ዘይኮነ ኣብ ማሕበር ሓድሽ ኪዳን ጥራይ ዝዓዪ ቅርጺ ስልጣን እዩ፡፡

ተመሳሳሊ ምጉት ድማ ብኣብነታት ጵሪስኪላን ፌበንን ይቐርብ እዩ፡፡ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 18፡ ጵሪስኪላን ኣኵላን ከም እሙናት ኣገልገልቲ ክርስቶስ ተጠቒሶም ኣለዉ፡፡ ስም ጵሪስኪላ ንቕድም ተጻሒፉ ንረኽቦ፡ እዚ ድማ ካብ ሰብኣያ ዝልዕል ኣገልግሎት ከም ዝነበራ ዘመልክት እዩ፡፡ ጵሪስኪላን በዓል ቤታን እቶም ንኣጵሎስ ወንጌል ዝሰበኽሉዶ ይኾኑ፤ እወ፡ ንኣጵሎስ ናብ ቤቶም ወሲዶም መንገዲ ኣላኽ ኣጸቢቖም ኣረድእዎ (ግብሪ ሃዋርያት 18፡26)፡፡ ጵሪስኪላ ከም ጓሳ ማሕበር ወይ መምህር ወይ መንፈሳዊ መራሒት ቅዱሳን ኮይና ከም ዘገልገለት መጽሓፍ ቅዱስ ብግልጺ ይነግርዶ፤ ኣይፋልን፡፡ ጵርስኪላ ምስቲ ኣብ 1ጢሞቴዎስ 2፡11-14 ተነጊሩ ዘሎ ጥሒሳ ኣየገልገለትን፡፡

ኣብ ሮሜ 16፡1 ከኣ ፌበን ድያቆን ወይ ኣገልጋሊት ማሕበር ተባሂላን ካብ ጳውሎስ ጽቡቕ ናእዳ ረኺባን ኣለ፡፡ ግናኸ ከምቲ ናይ ጵሪስኪላ፡ ፌበን ኣብ ማሕበር ከም ጓሳ ኮነ መምህር ከም ዘገልገለት ዝረድእ ጽሑፍ የልቦን፡፡ እቲ ክምህር ዝኽእል ዝብል ቅጥዒ ሽማግለታት እምበር ድያቆናት ዘማልእዎ ቅጥዒ ኣይኮነን (1ጢሞቴዎስ 3፡1-13፤ ቲቶስ 1፡6-9)፡፡

እቲ ኣብ 1ጢሞቴዎስ 2፡11-14 ተዋሂቡ ዘሎ ቅርጺ ኸኣ ኣንስቲ ክጓስያ ዘይክእላሉ ንጹር ምኽንያት ይህበና፡፡ እቲ ጳውሎስ ኣብ ጥቕስታት 11-12 ዝበሎ ኣብ ጥቕሲ 13 ምኽንያት ኣቕሪቡሉ ኣሎ፡፡ ኣንስቲ ንሰብኡት ክምህራ ወይ ኣብ ልዕሊኦም ስልጣን ዘይሕዛ ስለምንታይ እዩ፤ ምኽንያቱ፡ ኣዳም ቅድም ተፈጥረ ድሕሪኡ ኸኣ ሄዋን፡፡ ሄዋን እምበር ኣዳም ንቕድም ኣይሰሓተን(ኣይተታለለን) (ጥቕስታት 13-14)፡፡ ኣምላኽ ቅድም ንኣዳም ፈጠሮ ድሕሪኡ ድማ ደጋፊቱ ንኽትከውን ንሄዋን ፈጠራ፡፡ ስርዓት ኣፈጣጥራ ከኣ ኣብ ስድራ(ሓዳር) (ኤፌሶን 5፡22-33) ከምኡ ከኣ ኣብ ማሕበር ዝዓዪ እዩ፡፡

ሄዋን ቅድም ስለ ዝሰሓተት ኣንስቲ ኣብ ማሕበር ከም ጓሶት ኮነ መምህራን ንኸየገልግላ ምኽንያት ከም ዝኾነ ኣብ 1ጢሞቴዎስ 2፡14 ተደጊሙ ኣሎ፡፡ እዚ ግና ኣንስቲ ካብ ሰብኡት ንላዕሊ ብቐሊሉ ዝታለላ ወይ ብቐሊሉ ንዝኾነ ዝኣምና እየን ንምባል ኣይኮነን፡፡ ኩለን ኣንስቲ ከምኡ እንተ ኾይነን ነቶም ብቐሊሉ ክታለሉ ዝኽእሉ ህጻናት ኮነ ንኻልኦት ከምአን ዝኣመሰላ ኣንስቲ ክምህራ ዝተፈቕደለን ስለምንታይ እዩ፤ እቲ ጽሑፍ ግና ኣንስቲ ንሰብኡት ክምህራ ኮነ ኣብ ልዕሊኦም ስልጣን ክሕዛ ዘይክእላ ሄዋን ስለ ዝሰሓተት እዩ ዝብል፡፡ ኣምላኽ ንሰብኡት ኣብ ማሕበር ክምህሩ መረጾም፡፡

ብዙሓት ኣንስቲ ኣብ ልግሲ፡ ምቕሉልነት(ምቕባል ኣጋይሽ)፡ ምሕረት፡ ምምሃር፡ ወንጌል ይሕሻ እየን፡፡ ኣብ ውሽጢ ማሕበር ብዙሕ ብደቂ-ኣንስትዮ ዝሽፈን ኣገልግሎታት ኣሎ፡፡ ደቂ-ኣንስትዮ ካብ ንሰብኡት መንፈሳዊ ትምህርቲ ምስባኽ እምበር ካብ ጸሎትን ኮነ ትንቢት ኣይተኸልከላን (1ቆሮንጦስ 11፡5)፡፡ ኣንስቲ ንውህበት መንፈስ ቅዱስ ከም ዝተኸልከላ ዝነግር ጽሑፍ የልቦን (1ቆሮንጦስ 12)፡፡ ደቂ-ኣንስትዮ ማዕረ ደቂ-ተባዕትዮ እቲ ፍረ መንፈስ ዝግለጸሉ ንኻልኦት ኣብ ምግልጋል (ገላትያ 5፡22-23) ከምኡ ድማ ወንጌል ኣብቶም ጥፉኣት ንምብጻሕን (ማቴዎስ 28፡18-20፤ ግብሪ ሃዋርያት 1፡8፤ 1ጴጥሮስ 3፡15) ተጸዊዐን እየን ፡፡

ኣምላኽ ኣብ ኣገልግሎት መንፈሳዊ ስልጣን ትምህርቲ ማሕበር ንኽዓዩ ንሰብኡት ጥራይ ሰሪዕዎም ኣሎ፡፡ እዚ ግና ሰብኡት ዝበለጹ መምህራን እዮም ወይ ኣንስቲ ካብ ሰብኡት ዝተሓተ ኣእምሮ ኣለወን ማለት ኣይኮነን፡፡ ኣምላኽ እታ ማሕበሩ ንኽትካየደሉ ዝገበሮ መደብ እዩ፡፡ ሰብኡት ኣብ መንፈሳዊ መሪሕነት ብናብራኦምን ቃላቶምን ኣርኣያ ክኾኑ ተመዲቦም ኣለዉ፡፡ ኣንስቲ ድማ ትሕት ዝበለ ስልጣን ይሕዛ፡፡ ኣንስቲ ንኻልኦት ኣንስቲ ክምህራ ይተባብዓ (ቲቶስ 2፡3-5)፡፡ ኣንስቲ ንህጻናት ከይምህራ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይከልከለን፡፡ ኣንስቲ ንሰብኡት ከይምህራ ወይ ኣብ ልዕሊ ሰብኡት መንፈሳዊ ስልጣን ትምህርቲ ከይሕዛ ጥራይ ከልኪልወን፡፡ እዚ ድማ ንኣንስቲ ብመደብ ኣምላኽን ከም ውህበቱን ኣብ ኣገልግሎት ከም ዘትኵራ ዝገብረን እምበር ዘንእሰን ወይ ትሕቲ ሰብኡት ዘቑጽረን ኣይኮነን፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ደቂ-ኣንስትዮ ጓሶት ወይ ሰበኽጺ፤ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብ ኣገልግሎት ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries