settings icon
share icon
ሕቶ

ሰበይቲ ንሰብኣያ ክትግዛእ ኣለዋ ድዩ?

መልሲ


ምስ መርዓ ብምዝማድ ምግዛእ ኣገደሳ ነገር እዩ። እነሆ ግሉጽ ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትእዛዝ፡ “ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞ፡ ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦም” (ኤፌሶን 5።22-24)።

ዋላ’ውን ቅድሚ ሓጥያት ናብ ዓለም ምእታው፡ ገና መምርሒ ናይ ሰብኣይ መሪሕነት ኔሩ እዩ (1 ጢሜጢዎስ 2፡13)። ኣዳም እዩ ፈለማ ተፈጢሩ፡ ካብኡ ድማ ሄዋን ናይ ኣዳም ሓጋዚት ንክትከውን ተፈጢራ (ዘፍጥረት 2፡18-20)። ኣምላኽ ዝተፈላላየ ዓይነት ስልጣን ኣብ ዓለም ተኺሉ እዩ፡ መንግስታት ኣብ ሕብረተሰብ ፍትሒ ክፍጽሙን ክከላኸሉን፡ ፓስተራት ድማ ንኣባጊዕ ኣምላኽ ክመርሑን ክቕልቡን፡ ሰብኡት ነንስቶም ከፍቅሩን ክከናኸኑን ከምኡ ድማ ኣቦታት ንደቆም ክገንሑ። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ጉዳይ፡ ምግዝእ የድሊ እዩ፡ ዜጋ ንመንግስቲ፡ መጓሰ ንጓሳ፡ ሰበይቲ ንሰብኣይ፡ ቆልዓ ነብኡ።

ናይ ግሪኽ ቃል ን ምግዛእ ዝብል “ሁፖታሶ” እዩ እዚ ድማ ዝቕጽል ዓይነት ግሲ/ተግባር እዩ። እዚ ማለት ከኣ ንኣምላኽ፡ ንመንግስቲ፡ ፓስተር ወይ ሰብኣይ ምእዛዝ ናይ ሓደ ግዜ ተግባር ጥራይ ኣይኮነን። እዚ ደው ዘይብል ኣመለኻኽታ ኮይኑ ልሙድ ኣካል ናይ ባህርያት ድማ ይኸውን።

ብመጀመርታ፡ ንሕና ን ኣምላኽ ክንግዛእ ሓላፍነት ኣሎና፡ እዚ እዩ ድማ እቲ እንኮ ንሕና ንኣምላኽ ንክግዝኦ ንኽእል መገዲ (ያእቆብ 1፡21፡ 4፡7)። ነፍሲ-ወከፍ ክርስትያን ድማ ብትሕትናን ድሉው ዝኾነ ምጝዛእ ንካልኦት ክነብር ኣለዎ (ኤፈሶን 5፡21)። ኣብ ውሽጢ ኣሃዱ ስድራ ምስ ምግዛእ ብምዝማድ 1 ቆሮንጦስ 11፡2-3፡ ሰብኣይ ንክርስቶስ ክግዛእ ኣለዎ (ከምቲ ክርስቶስ ንኣቦ ዝገበሮ) ከምኡ ድማ ሰበይቲ ንሰባኣያ ክትግዛእ ኣለዋ።

ሎሚ ኣብ ዓለምና ብዛዕማ እጃም ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ መርዓ ብዙሕ ጌጋ መረዳእታ ኣሎ። ዋላ’ውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እጃማት ጉቡእ መረዳእታ ከሎ፡ ብዙሓት ነዚኦም ክነጽግዎም ይመርጹ፡ እዚ ድማ ን ‘ሓርነት’ ደቀንስትዮ ብምምራጽ እዩ፡ እቲ ውጺኢት ድማ ኣሃዱ ስድራቤት ዓንያ ኣላ። ዓለም ናይ ኣምላኽ መደብ ክትነጽጎ ዘገርም ኣይኮነን፡ ኮይኑ ግን ናይ ኣምላኽ ሰባት ነዚ መደብ ኣምላኽ ብሓጎስ ክጽምብልዎ ይግባእ።

ምግዛእ ሕማቕ ቃል ኣይኮነን። ምግዛእ ነጸብራቕ ናይ ነብሰ ምትሓት ወይ ትሑት ዓቕሚ ማለት ኣይኮነን። ክርስቶስ ናይ ገዛእ ርእሱ ቅንጣብ ክብሪ ከይሃበ ቀጻሊ ገዝእ ርእሱ ንፍቓድ ኣምላኽ ኣግዚኡ (ሉቃስ 22፡42፡ ዮሃንስ 5፡30)።

ብዛዕባ ናይ ሰበይቲ ምግዛእ ንሰብኣይ ናይ ዓለም ግጉይ ሓበሬታ ንምግጣም፡ ነዚ ዝስዕብ ተጠንቂቕና ከነስተብህለሉ ኣሎና ኤፌሶን 5፡22-24፡ 1) ሰበይቲ ንሓደ ሰብኣይ ክትግዛእ ኣሎዋ (ንሰብኣያ) እምበር ንኩሉ ሰብኣይ ኣይኮነትን። ምግዛእ ዝብል ሕጊ ናብ ናይ ሰበይቲ ቦታ ኣብ ሕብረተሰብ ብዓቢኡ ኣይዝርጋሕን። 2) ሰበይቲ ከም’ቲ ግላዊ ዝኾነ ምእዛዝ ንየሱስ ክርስቶስ ትገብር ከምኡ ድማ ብፍቓዳ ን ሰብኣያ ክትግዛእ ኣሎዋ። ንሳ ንሰብኣያ ትእዘዞ ምኽንያቱ ንየሱስ ስለተፍቕሮ እያ። 3) ናይ ሰበይቲ ኣብነት ናይ ምግዛእ ከኣ ከም ናይ ማሕበር ንክርስቶስ እዩ። 4) ብዛዕባ ናይ ሰበይቲ ክእለታት፡ ተውህቦታት ወይ ብቕዓት ወልሓንቲ ዝተባህለ ነገር የሎን፡ ንሰብኣያ ትእዘዝ እያ ማለት ድማ ንሳ ብዝኾነ መገዲ ትሕት ዝበለት ወይ ውሑድ ዓቕሚ ዘለዋ ኣይኮነትን። ብተወሳኺ ንምግዛእ ዝብል ትእዛዝ መፍለዪታት የብሉን ብዘይካ “ብኹሉ” ዝብል። ስለዚ ድማ ቅድሚ ሰበይቲ ንዑኡ ማለት ንሰብኣያ ምግዝኣ ናንሱ ይ ተውህቦ መርመራ ወይ ናይ ብልሒ መርመራ ክሓልፍ ኣየድልዮን። ብዓይኒ ክውንንውት ንሳ ኣብ ብዙሕ መገድታት ካብኡ ንላዕሊ ብቕዕቲ ክትከውን ትኽእል እያ፡ ኮይኑ ግን ንሳ ንሰብኣያ ብምግዛኣ ናይ ጎይታ ትእዛዝ ምስዓብ ትመርጽ። ከምዚ ብምግባር ንኣምላኽ እትፈርህ ሰበይቲ “ ቃላት ከየውጸአት” ብቅዱስ ባህርያት ጥራይ ንዘይኣማኒ ሰብኣያ ናብ ጎይታ ከተምጸኦ ትኽእል እያ ( ጴጥሮስ 3፡1)።

ምግዛእ ድማ ባህርያዊ ምላሽ ናይ ፍቕራዊ መሪሕነት ክኸውን ይግባእ። ከም’ቲ ክርስቶስ ን ቤተ ክርስትያን ዘፍቀራ ሰብኣይ ንሰበይቱ ከፍቅር ከሎ (ኤፌሶን 5፡25-33)፡ ካብኡ ድማ ምግዛእ ባህርያዊ ምላሽ ካብ ሰበይቲ ናብ ሰብኣያ እዩ ዝኸውን። ኮይኑ ግን፡ ፍቕሪ ናይ ሰብኣይ ይሃሉ ኣይሃሉ ብዘየገድስ፡ ሰበይቲ ክትግዛእ እያ ተኣዚዛ “ከም ንጎይታ” (ጥቕሲ 22)። እዚ ማለት ከኣ ናታ ምእዛዝ ንኣምላኽ--ናታ ንመደቡ ምቕባል--ምእዛዝ ንሰብኣያ ከምጽእ እዩ። እቲ “ከም ንጎይታ ዝብል” ምውድዳር ድማ ብተወሳኺ ንሳ ትሕተተሉ ዝለዓለ ስልጣን ከምዘሎ የዘኻኽር። ስለ’ዚ ድማ ንሳ ብስም ንሰብኣያ ምእዛዝ ንሲቪላዊ ሕጊ ወይ ን ንናይ ኣምላኽ ሕጊ ምእዛዝ ክትኣቢ ግዴታ የብላን። ንሳ ኣብ ቅኑዓትን ሕጋውያንን ንኣምላኽ ዘኽብሩን ነገራት ትግዛእ። ልክዕ እዩ ንምጉዕጻጽ ኣይትግዛእን እያ--እዚ ድማ ቅኑዕ፡ ሕጋዊ ወይ ንኣምላኽ ዘኽብር ኣይኮነን። ንምጉዕጻጽ ንምምኽናይ ንመምርሒ ምግዛእ ክትጥቀም ምፍታን ንመጽሓፍ ቅዱስ ምጥዋይን ንክፍኣት ምዕባይን እዩ።

ኣብ ኤፌሶን 5 ዘሎ ናይ ሰበይቲ ምእዛዝ ንሰብኣይ ድማ ንሰብኣይ ስሱዕን ገባትን ንክኸውን ንምፍቃድ ኣይኮነን። ትእዛዙ ከኣ ንምፍቃር እዩ (ፍቕዲ 25) ከምኡ ድማ ነዚ ትእዛዝ ክፍጽም ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓታቲ እዩ። ሰብኣይ ንስልጣኑ ብጥበብ፡ ብጸጋን ነቲ ንሱ ዝሕተተሉ ብፍርሃቱ ንኣምላኽን ክጥቀመሉ ኣለዎ።

ከምቲ ክርስቶስ ንቤተክርስትያን ዘፍቀራ፡ ሰበይቲ ውን ሰብኣይ ምስ ኣፍቀራ ምእዛዝ ሽግር የብሉን። ኤፌሶን 5፡24 ከም’ዚ ይብል “ከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞ፡ ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦም።” ኣብ መርዓ፡ ምእዛዝ ማለት ናይ ክብርን ምእዛዝን ቦታ ንሰብኣይ ምሃብ ማለት እዩ (ኤፌሶን 5፡33 ረአ) ከምኡ ድማ ንዝጎደሎ ድማ ምምላእን እዩ።ስድራቤት ከመይ ክትከውን ኣሎዋ ናይ ኣምላኽ ጥበብ ዝመለኦ መደብ እዩ።

ወሃብ ርእይቶ ማቲው ሀንሪ ከም’ዚ ኢሉ ጺሒፉ ኣሎ፡ “ሰበይቲ ካብ ጎኒ ኣዳም እያ ተሰሪሓ። ንሳ ንክትገዝኦ ምእንቲ ካብ ርእሱ ኣይተሰርሐትን፡ ወይ ድማ ንክትርገጽ ድማ ካብ እግሩ ኣይተሰረሐትን፡ እንታይ ድኣ ምስ’ኡ ማዕረ ንክትከውን ካብ ጎኒ፡ ክትሕብሐብ ካብ ትሕቲ ኢዱ ከምኡ ድማ ንክትፍቀር ጥቓ ልቡ እያ ተሰሪሓ።” ኣብ ኤፌሶን 5፡ 19-33 ዘሎ ቀጥታዊ ዓውደ ጽሑፍ ትእዛዝ ን ሰብኣይን ሰበይትን ድማ ምምላእ መንፈስ የጠቓልል። መንፈስ ዝመለኦም ኣመንቲ ኣምለክቲ (5፡19)፡ ኣመስገንቲ (5፡20)፡ ተገዛዛእቲ (5፡21) ክኾኑ ኣለዎም። ካብ’ኡ ድማ ጳውሎስ ንመስመር ሓሳብ ናይ መንፈስ ዝመለኦ ምንባር ይስዕብን ከምኡድማ ኣብ ጥቕሲ 22-24 ናብ ኣንስቲ ይጥቀመሉ። ሰበይቲ ንሰብኣያ ክትግዛእ ኣለዋ፡ እዚ ድማ ኣንስቲ ደረጀአን ትሑታት ስለዝኾና ዘይኮነ (መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ፍጹም ኣይምህርን)፡ እንታይ ደኣ እዚ እዩ ኣምላኽ ንናይ መርዓ ዝምድና ንክሰርሕ ዝሓንጸጸሉ ምኽንያት።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ሰበይቲ ንሰብኣያ ክትግዛእ ኣለዋ ድዩ?
© Copyright Got Questions Ministries