settings icon
share icon
ሕቶ

ንምንታይ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብቦ / ከነጽንዖ ዝግብኣና?

መልሲ


ንመጽሓፍ ቅዱስ ከነንብቦን ከነጽንዖን ዝግባኣና ፡ ንኣና ዝተዋህበ ቃል ኣምላኽ ስለዝዀነ እዩ ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዘለዎ "ኣምላኽ ዘስተንፈሰሉ" እዩ (2 ጢሞቴዎስ 3፡ 16)። ብካልእ ኣዘራርባ ፡ ብቐንዱ ቃል ኣምላኽ ንኣና እዩ ፡፡ ኣምላኽ ኣብቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝመለሰልና ፡ ፊሎሶፋት ዝሓተትዎ ብዙሕ ሕቶታት ኣሎ ፡፡ እንታይ እዩ ናይ ህይወት ዕላማ?ካበይ እየ መጺኤ ? ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎ ዶ? ናብ ገነት ከመይ ጌረ ይኣቱ ? ንምንታይ እያ እዛ ዓለም ክፍኣት በዚሕዋ ? ሰናይ ክገብር ንምንታይ ይጋደል ? ተወሳኺ ናይዘን "ዓበይቲ" ሕቶታት ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ጥበብ ዘለዎ ምዕዶ ይህብ ፡ ከም እኒ ፡ መጻምድቲ ክረክብ እንታይ ክገብር ኣሎኒ ? ከመይ ጌረ እየ ዕዉት ሓዳር ክገብር ዝኽእል ? ከመይ ጌረ እየ እሙን ዓርኪ ክኸውን ዝኽእል ? ከመይ ጌረ እየ ሕያዋይ ኣቦ ክኸውን እኽእል ? እንታይ እዩ ዓወት ? ከመይ ጌረ እጭብጦ ? ከመይ ጌረ እልወጥ ? ኣብ ህይወት ዘገድስ እንታይ እዩ ? ጽባሕ ዘየናስሓኒ ነገር እንታይ ክገብር ይኽእል ? ከመይ ጌረ ነቲ ዘይፍትሓዊ ኲነታትን ንክፉእ ፍጻመታት ህይወትን እናተጻወርኩ ብዓወት ክወጾ ዝኽእል ?

ንመጽሓፍ ቅዱስ ከነንብቦን ከነጽንዖን ይግብኣና እዩ ፡ ከመይሲ ምሉእ ንምሉእ ዘተኣማምንን ጌጋ ዘይርከቦን ስለዝዀነ ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኲሎም እቶም "ቅዱሳት" ዝብሃሉ መጻሕፍቲ ፍልይ ዝበለ እዩ ፡ ስቕ ኢሉ ሞራላዊ ትምህርቲ ምሂሩ "እመኑኒ ደኣ" ኣይብልን እዩ ፡፡ እኳ ደኣ ክንምርምሮ ንኽእል ኢና ፡ ነቲ ዝሃቦ ኣማኢት ትንቢታት ብምርግጋጽ ፡ ነቲ ዝሰነዶ ታሪኻዊ ጸብጻባት ብምርግጋጽ ፡ ምስቲ ዝዛመዶ ሳይንሳዊ ጭብጥታት ብምርግጋጽ፡፡ እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ጌጋታት ከምዘለዎ ዝብሉ ፡ ኣእዛኖም ንሓቂ ደፊኖሞ እዮም ፡፡ ኣየናይ ምባል ይቐልል ክብል ሓደ ግዜ የሱስ ተዛሪቡ ኔሩ ፡ "ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ " ምባል'ዶ "ተንስእ ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ"፡፡ ሽዑ ሓጢኣት ክሓድግ ክእለት ከምዘለዎ ኣርኣየ (ብዓይንና ክንሪኦ ዘይንኽእል) ፡ ነቲ ልሙስ ብምፍዋሱ (እቶም ከቢቦምዎ ዝነበሩ ብዓይኖም ክምስክሩሉ ዝኽእሉ) ። ብተመሳሳሊ ፡ ቃል ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ መረጋገጺ ተዋሂቡና እዩ ፡ እቲ ብዓይንና ኣመሳኺርና ክንፍትኖ ዘይንኽእል መንፈሳዊ ዓለም ፡ በቲ ክንምርምሮ ንኽእል ታሪኻውን ሳይንሳውን ትንቢታውን ልክዕነት ጌርና ሓቅነቱ ከነረጋግጽ ንኽእል ፡፡

ንመጽሓፍ ቅዱስ ከነንብቦን ከነጽንዖን ይግብኣና

እዩ ፡ ከመይሲ ኣምላኽ ኣይተለወጠን ፡ ፍጥረት ሰብ እውን ኣይተለወጠን ፡ ከምቲ ዝተጻሕፈሉ ዘመን ጌሩ ሕጂውን ምስ ግዜና ይኸይድ እዩ ፡፡ ቴክኖሎጂ እናተለወጠ ፡ ባህሪ ወድሰብን እቲ ድሌቱን ኣይተለወጠን ፡፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ታሪኻዊ ገጻት ኣንቢብና ንረኽቦ ፡ ማሕበረሰብ ሓደ ብሓደ ምስዝረአ ፡ "ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ሓድሽ ነገር የልቦን" (መክብብ 1፡9) ፡፡ ኲሉ ወድሰብ

ፍቕርን ዕግበትን ኣብ ዘይቦትኡ ክረክብ ሃለው እናበለ ፡ ኣምላኽ እቲ ሕያዋይን ጸጋውን ፈጣሪና፡ ዘለኣለማዊ ሓጎስ ዘምጽኣልና ነገር ይነግረና ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ፡ እቲ ዝተገልጸ ቃሉ ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ፡ የሱስ ተዛሪብሉ እዩ ፡ " ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ፡ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን" (ማቴዎስ 4፡4) ፡፡ ብካልእ ኣዘራርባ ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝሓስበልና ጌርና ምሉእነት ዘለዎ ህይወት ክንነብር እንተደሊና ፡ ነቲ ዝተጻሕፈ ቃል ኣምላኽ ጽን ኢልና ክንሰምዕ ይግብኣና ፡፡

ንመጽሓፍ ቅዱስ ከነንብቦን ከነጽንዖን ይግብኣና እዩ ፡ ከመይሲ ኣዝዩ ብዙሕ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ስለዘሎ ፡፡ ሓቂ ካብ ስሕተት ንፈልየሉ መዐቀኒ ዘንጊ ፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይህበና ፡፡ ኣምላኽ እንታይ ይመስል ይነግረና እዩ ፡፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ግጉይ ኣተሓሳስባ ምሓዝ ፡ ንጣኦት ወይ ንናይ ሓሶት ኣምላኽ ከም ምምላኽ እዩ ፡፡ ዘይኰኖ ነገር ኢና ነምልኽ ዘሎና ፡፡ ሓደ ሰብ ከመይ ጌሩ ብርግጽ ናብ ገነት ይኣቱ ፡ ሰናይ ብምዃን ኣይኮነን ፡ ብምጥማቕ እውን ኣይኰነን፡ወይ ብዝዀነ ንሕና ንገብሮ ነገር ኣይኰነን (ዮሃንስ 14፡6 ፥ ኤፌሶን 2፡1-10 ፥ ኢሳይያስ 53፡6 ፥ ሮሜ 3፡10-18፥ 5፡8፥ 6፡23፥ 10፡ 9-13) ፡፡ ብተወሳኺ ፡ ቃል ኣምላኽ ዘርእየና ዘሎ፡ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ከምዘፍቅረና እዩ

(ሮሜ 5፡6-8 ፥ ዮሃንስ 3፡16) ፡፡ እዚ ምስፈለጥና ፡ ንሕናውን ከነፍቅሮ ናብኡ ንስሓብ (1 ዮሃንስ 4፡16) ፡፡

መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ከነገልግሎ የዳልወና እዩ (2 ጢሞቴዎስ 3፡17 ፥ ኤፌሶን 6፡17 ፥ እብራውያን 4፡12) ፡፡ ካብ ሓጢኣትናን ካብ ዝገደደ ሳዕቤኑን ከመይ ከምዝደሓን ንክንፈልጦ የኽእለና (2 ጢሞቴዎስ 3፡15) ፡፡ ምስትንታን ቃል ኣምላኽን ነቲ ትምህርታቱ ምእዛዝን ኣብ ህይወት ዓወት የምጽእ (እያሱ 1፡8 ፥ ያእቆብ 1፡25) ፡፡ ቃል ኣምላኽ ነቲ ኣብ ህይወትና ዘሎ ሓጢኣት ክንርእን ካብኡ ክንገላገልን የኽእለና

(መዝሙር 119፡9, 11) ፡፡ ኣብ ህይወትና መሪሕነት እናሃበ ፡ ካብ መማህራንና ንላዕሊ የጥብበና (መዝሙር 32፡8 ፥ 119፡99 ፥ ምሳሌ 1፡6) ፡፡ ዓመታት ህይወትና ኣብ ዘየርብሕን ሓላፊ ኣብ ዝዀነን ከይነህልኾ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕልወና (ማቴዎስ 7፡24-27) ፡፡

ንመጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ምጽናዕን ክንዮ እቲ "ምቕብዝባዝ" ናይ ሓጢኣትን ፡ "ክፉእ ፈተና" ናይ ትምኒትን ክንርኢ ይገብረና ፡ ካልኦት መለበሚ ኰይኖምልና ከለዉ፡ ባዕልና መለበሚ ከይንኸውን ይገብረና ፡፡ ተሞክሮ ዓብዪ መምህር እዩ ፡ ብሓጢኣት ምምሃር ዝመጸ ግና ሕሱም መምህር እዩ ፡፡ ካብ ናይ ካልኦት ጌጋ ክትመሃር ይሓይሽ ፡፡ ክትመሃረሎም ትኽእል ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ገጸባህርያት ኣለዉ ፡ ገሊኣቶም ኣብ ዝተፈላለየ ግዜታት ህይወቶም ከም እወታውን ከም ኣሉታውን ኣብነታት ኰይኖምልና እዮም ። ንኣብነት ዳዊት ንጎልያድ ምስ ሰዓሮ፡ ኣምላኽ ካብ ኩሉ ክንገጥሞ ዝሓተና ከም ዝዓቢ ይምህረና (1 ሳሙኤል 17)፡ ኮይኑ ግን ምስ ባትሴባ ዝሙት ክፍጽም በቲ ፈተና ምስ ተሳዕረ፡ ግዝያዊ ናይ ሓጥያት ተድላ ክሳብ ክንደይ ነዊሕ ዝኸይድን ኣስካሕካሕን ሳዕቤናት ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጸልና (2 ሳሙኤል 11)።

መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ጥራይ ኣይኰነን ዕላሙኡ። ተነቢቡ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል መጽሓፍ እዩ ፡፡ እንተዘይኰይኑ ፡ መግቢ ናብ ኣፍካ ኣእቲኻ ከይሓየኽካ ጡፍ ከም ምባል እዩ ዝሕሰብ ፡፡ ዋላ ሓንቲ ናይ መግቢ መኣዛ ኣይርከቦን እዩ ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ እዩ ፡፡ ከም ሕጊ ተፈጥሮ ኣሳሪ እዩ ፡ ዕሽሽ እውን እንተበልናዮ፡ ዕሽነትና እዩ ዘጋልጽ ፡ ንሕጊ ግራቪቲ ከም ምርሳዕ እዩ ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ ንህይወትና ኣገዳሲ ምዃኑ ፡ ከምቲ ዝድለ ኣሕሚምካ ክትዛረበሉ ኣይክኣልን ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዕደና ወርቂ እዩ ፡፡ ብቅሩብ ጻዕሪ "ጽሕትር ጽሕትር " እንተቢልና ፡ ሕፍኒ ሓመድ ወርቂ ጥራይ ኢና ክንረክብ ፡፡ ኣብ ምኹዓቱ ዝያዳ ጻዕሪ እንተጌርና ፡ ንጻዕርና ዝያዳ ፍረ-ጻማ ክንረኽበሉ ኢና ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ንምንታይ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብቦ / ከነጽንዖ ዝግብኣና?
© Copyright Got Questions Ministries