settings icon
share icon
ሕቶ

ስለምንታይ ጸሎት? ኣምላኽ ናይ መጻኢ ዝፈልጥን ከምኡ ድማ ንኩሉ ነገር ዝቆጻጸርን እንተኾይኑን ናይ ምጽላይ ትርጉም እንታይ እዩ? ናይ ኣምላኽ ሓሳብ ክንቅይር ዘይንኽእል እንተኾይንና፡ ስለምንታይ ክንጽሊ ይግብኣና?

መልሲ


ንክርስትያን፡ ጸሎት ማለት ከም ምስትንፋስ እዩ ክኸውን ዝግብኦ፡ ካብ ዘይምግባር ድማ ምግባር ይቐልል። ንዝተፈላለየ ምኽንያታት ንጽሊ። ንሓደ ነገር፡ ጸሎት ሓደ ኣግባብ ንእግዚኣብሄር ምግልጋልን (ሉቃስ 2፡36-38) ንዑኡ ምእዛዝን እዩ። ንሕና ንጽሊ፡ ኣምላኽ ክንጽሊ ስለዝኣዘዘና እዩ (ፊሊጲ 4፡6-7)። ናይ ጸሎት ኣብነት ንዓና ድማ ክርስቶስን እታ ቀዳመይቲ ቤተ-ክርስትያንን እዮም (ማርቆስ 1፡35፡ ግብሪሃዋርያት 1፡14፡ 2፡42፡ 3፡1 4፡23-31፡ 6፡4፡ 13፡1-3)። የሱስ ምጽላይ ግቡእ እዩ ኢሉ እንተዳኣሚሂሩ ኔሩ፡ ንሕና ድማ ክንጽሊ ይግብኣና።

ካልእ ምኽንያት ናይ ምጽላይ ድማ እግዚኣብሄር ንጸሎት ኣብ ብዙሕ ኩነታት መርከቢ መገዲ ናይ መልስታቱ እዩ መዲብዎ። ንሕና ንዓበይቲ ውሳኔታት ንምድላው ንጽሊ (ሉቃስ 6፡12-13)፡ ናይ ኣጋንንቲ ምሕንኳላት ንምስዓር (ማቴዎስ 17፡ 14-21)፡ ዓየይቲ ናይ መንፈሳዊ እኽሊ (ሉቃስ 10፡2)፡ ፈተና ንምስዓር ሓይሊ ንምርካብ (ማቴዎስ 26፡41)፡ ከምኡከኣ ብመንፈሳዊ ንካልኦት ንምሕያል መገዲ ንምርካብ (ኤፌሶን 6፡18-19)።

ንሕና ናብ ኣምላኽ ምስ ውሱን ሕቶታት ንመጽእ ከምኡ ድማ ዋላ’ውን ዝሓተትናዮ ብንጹር ኣይንርከብ ጾሎታትና ንከንቱ ከምዘይኮነ ድማ ናይ ኣምላኽ ተስፋ ኣሎና (ማቴዎስ 8፡26-27)። ንሕና ከም ፍቓዱ ዝኾኑ ነገራት ምስ ንሓትት፡ ንሱ ዝሓተትናዮ ክህበና ተስፋ ሁቡና እዩ (1 ዮሃንስ 5፡14-15)። ሓደ ሓደ ግዜ ከም ጥበቡን ከምኡ’ውን ንረብሓናን ንሱ መልስታቱ ይዱንጊ እዩ። ኣብ’ዞም ኩነታት፡ ንሕና ኣብ ጾሎት ትጉሃትን ጽኑዓትን ክንከውን ኣሎና (ማቴዎስ 7፡7፡ ሉቃስ 18፡1-8)። ጸሎት ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ መግበሪ መገዲ ደኣ እምበር ከም ንኣምላኽ ፍቓድና ኣብ ምድሪ መግበሪ መገዲ ክረአ የብሉን፡ ናይ ኣምላኽ ጥበብ ኣዝዩ ካብ ናህና ይዓቢ።

ኣብ ብንጹር ናይ ኣምላኽ ፍቓድ ዘይንፈልጠሉ ኩነታት፡ ጸሎት ናይ ፍቓዱ መለለዪ መገዲ እዩ። እታ ጓላ ብ ጋኔን ዝተተሕዘት ሶርያዊት ሰበይቲ ናብ ክርስቶስ እንተዘይትጽሊ ኔራ፡ ጓላ ድማ ኣይምሓወየትን ኔራ (ማርቆስ 7፡26-30)። ካብ ያሪኮ ወጻኢ እቲ ዕዉር ሰብኣይ ንክርስቶስ እንተዘይጽውዕ ኔሩ፡ ዕዉር ኮይኑ ምተረፈ ኔሩ (ሉቃስ 18፡35-43)። ኣምላኽ ከኣ ንሕና ብዙሕ ግዜ ስለዘይለመንና የብልኩምን ኢሉና ኣሎ (ያዕቆብ4፡2)። ብሓደ መረዳእታ፡ ጾሎት ከም ምክፋል ወንጌል ምስ ሰባት እዩ። ንሕና ክሳብ ነቲ መልእኽቲ ናይ ወንጌል ነካፍል መን ከምዝምልስ ኣይንፈልጥን ኢና። ከምኡድማ ንሕና እንተዘይጸሊና ንመልሲ ናይ ዝተመለሰ ጾሎት ኣይክንርእን ኢና።

ጾሎት ዘይምጽላይ ማለት እምነት ከምዘይብልካን ከምኡ ድማ ኣብ ቃል ኣምላኽ እምነት ዘይምህላውን እዩ ዘርኢ። ንሕና ንጽሊ እምነትና ኣብ ኣምላኽ ንምርኣይ እዩ፡ እዚ ከኣ ኣምላኽ ኣብ ቃሉ ተስፋ ዝሃቦ ከምኡ ከምዝገብርን ከምኡ ድማ ንሂወትና ካብ’ቲ እንልምኖ ወይ ተስፋ ንገብሮ ንላዕሊ ኣዕዚዙ ከምዝባርኽ እዩ (ኤፌሶን 3፡20)። ጸሎት ቀዳማይ መገዲ ናይ መርኣዪ ስራሕ ኣምላኽ ኣብ ሂወት ካልኦት እዩ። ምኽንያቱ ንሱ እዩ ናህና ናይ “ምእታው” መገዲ ናብ ሓይሊ ኣምላኽ፡ ንሱ እዩ ናህና ንዲያብሎስን ሰራዊቱን ንስዕረሉ መገዲ፡ እዚ ከኣ ብገዛእ ርእስና ክንስዕሮ ሓይሊ የብልናን። ስለዚ ከኣ፡ ኣምላኽ ቀጻሊ ኣብ ቅድሚ ዝፋኑ እንተዝርእየና፡ ምኽንያቱ በቲ ንሓልፎ ኩሉ ክርእየና ዝኽእል ኣብ ሰማያት ዓቢ ሊቀ ካህናት ኣሎና (እብራውያን 4፡15-16)። ንሕና ጽኑዕ ጸሎት ጻድቕ ብዙሕ ከምተስልጥ ተስፋ ናይ ኣምላኽ ኣሎና(ያዕቆብ 5፡16-18)። ቀጻሊ ኣዚና ብኡኡ ኣሚንና ብጸሎት ንምምጻእ ኣምላኽ ንስሙ ኣብ ሂወትና የዕብዮ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ስለምንታይ ጸሎት? ኣምላኽ ናይ መጻኢ ዝፈልጥን ከምኡ ድማ ንኩሉ ነገር ዝቆጻጸርን እንተኾይኑን ናይ ምጽላይ ትርጉም እንታይ እዩ? ናይ ኣምላኽ ሓሳብ ክንቅይር ዘይንኽእል እንተኾይንና፡ ስለምንታይ ክንጽሊ ይግብኣና?
© Copyright Got Questions Ministries