settings icon
share icon
ሕቶ

ስለምንታይ ርእሰይ ዘይቀትል?

መልሲ


ብቐዳምነት ስለ እቶም ርእሶም ክቐትሉ ዝሓስቡ ኩሎም ንሓልን ንድንግጽን፡፡ ንስኻ ካብዚኣቶም ምስ እትኸውን ድማ ተስፋ ቖሪጽካን ተሓሊልካን ከም ዘሎኻ ዝነግር እዩ፡፡ ኣብ ዓሚቚ ጉድጓድ ወዲቕካን ነገራት ጸልሚቱካን ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ከመይ ይስምዓካን ኣብ ከመይ ከም ዘሎኻን ዝፈልጠልካን ዝርድኣልካን ስኢንካ ኽትከውን ትኽእል፡፡ ህይወት ንምንባራ ኣጽሊኣትካ ኣላዶ?

እስከ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ብሓቂ ኣምላኽ ኮይኑ ክመልኽ ሕደጎ፡፡ ክንደይ ዓብዪ ምዃኑ ከርእየካ እዩ ከመይሲ ንኣምላኽ ዝሰኣኖ ስለ ዘየልቦ (ሉቃስ 1፡37)፡፡ ዝሓለፈ ጉድኣትካ ወይ ቁስልኻ ሕጂ እናቐንዘወካ ንበይንኻ ዘሎኻ ይመስለካዶ ኣሎ፤ ብርግጽ እዚ ርእስኻ ክትጸልእ፡ ክትሓርቕ፡ ከተማርር ወይ ክቱር ፍርሒ ናይ ሕሉፍ ዝምድናታትካ ዘኸትል እዩ፡፡

ስለምንታይ ርእስኻ ክትቀትል የብልካን፤ ዎ ሓወይ፡ ብዙሕ ሓሲሙካን መሪሩካን ኣሎ ግናኸ ካብዚ ጸቢብን ጸልማትት እዋን ናብ ግሩም ብርሃንን ራህዋን መሪሑ ንኸውጽኣካ ክትፈቕደሉ ዝጽበየካ ኣምላኽ ፍቕሪ ኣሎ፡፡ ንሱ ርጉጽ ተስፋኻ እዩ፡፡ ስሙ ድማ የሱስ ይበሃል፡፡

እዚ የሱስ፡ እቲ ዘይሓጥአ ወዲ ኣምላኽ እዩ፡፡ ነቲ ዘለኻዮ መከራን ሕሰምን ድማ ይፈልጦ እዩ፡፡ ነብዪ ኢሳይያስ ስሊኡ ከምዚ ይብል፡ ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን እዩ፡ ..ንሕና ገለ እኳ ኣየቋጸርናዮን (ኢሳይያስ 53፡2-6)፡፡ ክነብር እንከሎ ብዙሕ መከራን ሓዘንን ኣሕሊፉ እዩ፡፡ እቲ ንሱ ዝሓለፎ ግና ናቱ ወይስ ዝግብኦ ዘይኮነስ ናትና ወይ ንዓና ዝግብኣና እዩ፡፡ ንሱ ቖሰለ፡ ተረግጸን ተወግአን፡ እዚ ኹሉ ድማ ብሰሪ ሓጢኣትና እዩ፡፡ ብሳላ መከራኡ ድማ ህይወትና ክናገፍን ምሉእ ክኸውንን ይኽእል እዩ፡፡

ዎ ሓወይ፡ የሱስ ክርስቶስ ነዚ ኹሉ ዝጾረ ሓጢኣትካ ምእንቲ ክሕደገልካ እዩ፡፡ ኩሉ ዝስምዓካ ሕንከትን ጣዕሳን ንዕኡ ከም መድሓኒኻ ምስ እትቐበሎ ክምሕረካ ምዃኑ ኣይትጠራጠር፡፡ ብመዓልቲ ጸበባ ድማ ጸውዓኒ፡ ኣነ ከናግፈካ እየ፡ ንስኻውን ከተኽብረኒ ኢኻ (መዝሙር 50፡15)፡፡ የሱስ ንኽምሕሮ ዝኸብዶ ሓጢኣት የልቦን፡፡ ገለ ካብቶም እሙናት ኣገልገልቱ ኣዝዩ ከቢድ ሓጢኣት ዝገበሩ እዮም፡ ሙሴ ሰብ ቀቲሉ፡ ዳዊት ሰብ ቀቲሉን ዘምዩን፡ ጳውሎስ ከኣ ንሃዋርያት ኣሳጒግዎም እዩ፡፡ ግናኸ ኣብ ጎይታ ምሕረት ረኺቦም ጽቡቕ ህይወት ከሕልፉ በቒዖም እዮም፡፡ ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ ሃልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡፡ እቲ ብሉይ ሓሊፉ፡ እነሆ፡ ኩሉ ሓድሽ ኮይኑ (2ቆሮንጦስ 5፡17)፡፡

ንምንታይ ርእሰይ ዘይቀትል፤ ዎ ሓወይ፡ ኣምላኽ ነዚ ሕጂ ርእስኻ ብምቕታል ክትገላገሎ ደሊኻ ዘሎኻ ብልሹውን ዝተሰብረን ህይወት ክጽግንን ክሕድስን ድሉው እዩ፡፡ ነብዪ ኢሳይያስ 61፡1-3 ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ኣብ ልዕለይ እዩ፡ ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነት፡ ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ፡፡ ዓመት ጸጋ እግዚኣብሄርን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጅ፡ ንኹሎም ሕዙናት ከጸናንዕ፡ …ንሕዙናት ጽዮን ኣብ ክንዲ ሓሙኹሽቲ ዘውዲ ክደፍኣሎም፡ ኣብ ክንዲ ሓዘን ከኣ ዘይቲ ሓጎስ፡ ኣብ ክንዲ መንፈስ ጓሂ ክዳን ምስጋና ክህቦም ለኣኸኒ፡፡

ናብ የሱስ ናዓ እሞ ኣብ ህይወትካ ሓድሽ ዕዮ ንኽዓዪ ክትፈቕደሉ እንከሎኻ ንሓጎስካ ክብርኻን ክመልስ እዩ፡፡ ነቲ ስኢንካዮ ዘሎኻ ሓጎስ ሓዲሱ ዘጽንዕ መንፍስ ክህበካ እዩ፡፡ እቲ ስቡር ልብኻ ኣብ ቅድሚኡ ክቡር እዩ፡ መስዋእቲ ኣምላኽ ስቡር መንፈስ እዩ፡፡ ዎ ኣምላኽ፡ ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ (መዝሙር 51፡12,15-17)፡፡

ንጎይታ ከም መድሓኒኻን ጓሳይኻን ትቐበሎዶ፤ ኣብ ጸጽባሕ ንሓሳብካን ስጉምትኻን ብቓላቱ ማለት ብመጽሓፍ ቅዱስ ከመርሖ እዩ፡፡ ኣነ ክምህረካ፡ ነታ እትኸደላ መንገዲ ድማ ከርእየካ እየ፡፡ ዓይነይ ናባኃ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ፡፡ (መዝሙር 32፡8)፡፡ ቃሉ ጽኑዕ መሰረትካ፡ ምሉእ መኽዘን ድሕነት፡ ጥበብን ፍልጠትን ክኾነካ እዩ፡፡ መፍትሕ ናይዚ መኽዘን ከኣ ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ እዩ (ኢሳይያስ 33፡6)፡፡ ኩሉ ሽግርካ የኽትም ማለት ኣይኮነን ግናኸ ሽግርካ ንኽትሰግር ኣብ ክርስቶስ ርጉጽ ተስፋ ኣሎካ፡፡ ንሱ ካብ ሓውኻ ዝበለጸ ፈታዊኻ እዩ (ምሳሌ 18፡24)፡፡ ኣብዚ እዋን ውሳኔኻ ድማ ጸጋ ኣምላኽ ምሳኻ ይኹን፡፡

ንየሱስ ክርስቶስ ከም መድሓኒኻ ክትውከሎ ምስ እትደሊ ብልብኻ ናብ ኣምላኽ ኣብጽሓዮ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ህይወተይ ይደልየካ ኣለኹ፡፡ ንኹሉ እቲ ዝሓጣእካዎ መሓረኒ፡፡ እምነተይ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ኣንቢረ መድሓኒየይ ምኻኑ ይቕበሎ ኣሎኹ፡፡ ኣንጽሃኒ፡ ፈውሰኒ፡ ሓጎሰይ ኣብ ህይወተይ ሓድስ፡፡ ስለ ፍቕርኻን ሞት ክርስቶስን ተመስገን፡፡

ኣብዚ ብዘምበብኩሞዶ ኢኹም ብዛዕባ ክርስቶስ ውሳኔ ዝወሰድኩም? ከምኡ እንተኾይኑ፡ ብኽብረትኩም ስዒቡ ኣብ ዘሎ “ሎሚ መዓልቲ ንክርስቶስ ተቐቢለ።” ዝብለ ክሊክ ግበሩ/ጠውቑ
English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ስለምንታይ ርእሰይ ዘይቀትል?
© Copyright Got Questions Ministries