settings icon
share icon
ሕቶ

ኣምላኽ ስለምንታይ እዩ ንእስራኤል ሕሩይ ህዝቡ ክኸውን መሪጽዎ?

መልሲ


ብዛዕባ ሃገረ እስራኤል ንምዝራብ፡ ዘዳግም 7፡7-9 ከምዚ ይብለና “እግዚኣብሄር ዝፈተወኩምን ዝሐረየኩምን፡ ካብ ኵሎም ካልኦት ህዝብታት ስለ ዝበዛሕኩም ኣይኰነን፡ ካብ ኵሎም ህዝብታት እኳ ንስኻትኩም ትውሕዱ።እግዚኣብሄር ስለ ዝፈተወኩምን እቲ ነቦታትኩም ዝመሐለሎም ማሕላ ስለ ዝሐለወን፡ እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ ኣውጽኣኩም። ካብ ቤት ባርነት ድማ፡ ካብ ኢድ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ፡ ኣድሐነካ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ንዚፈትውዎን ትእዛዙ ንዚሕልዉን ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ምሕረት ዚገብር፡ ኪዳን ዚሕሉ እሙን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ፍለጥ።”

ኣምላኽ ንሃገረ እስራኤል የሱስ ክርስቶስ ካብ’ዚ ህዝቢ ክውለድ መሪጹ-- እቲ መድሓኒ ናይ ሓጥያትን ሞትን (ዮሃንስ 3፡16)። ኣምላኽ ፈለማ ድሕሪ ኣዳምን ሄዋንን ምውዳቖም ነቲ መሲሕ ክህብ ሙዃኑ ተስፍኡ ሂቡና። (ዘፍጥረት ምዕራፍ 3)። ድሒሩ ኣምላኽ እቲ መሲሕ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም፡ ይስሓቕን ያዕቆብን ከም ዝመጽእ ኣረጋጊጹ (ዘፍጥረት 12፡1-3)። ኣምላኽ ንእስራኤል ፍሉይ ህዝቡ ክኾኑ ዝሓረየሉ ዋና ምኽንያት የሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣምላኽ ሕሩይ ህዝቢ ክህልዎ ኣይደለየን፡ ኮይኑ ግን በቲ መገዲ’ቲ ክገብሮ ወሲኑ። የሱስ ካብ ዝኾነት ሃገር ናይ ህዝቢ ክመጽእ ኔርዎ፡ ኣምላኽ ድማ ንእስራኤል መሪጹ።

እንተኾነ ግን፡ ናይ ኣምላኽ ንሃገረ እስራኤል ናይ ምምራጽ ምኽንያት ዕላምኡ ንመሲሕ ንምምጻእ ጥራይ ኣይነበረን። ናይ ኣምላኽ ድሌት ናይ እስራኤል ከኣ ከይዶም ንካልኦት ብዛዕብኡ ክምህሩ እዩ ኔሩ። እስራኤል ንዓለም ሃገረ ካህናት፡ ነብያትን ከምኡ’ውን ሚስዮናውያንን ንክትከውን እዩ። ናይ ኣምላኽ ሓሳብ ድማ እስራኤል ፍሉይ ህዝቢ ንክኸውንን ንካልኦት ሃገራት ድማ ናብ ኣምላኽን ናብ’ቲ ንሱ ክህበና ዘተስፈወና መድሓኒ፡ መሲሕን መድሓኒን ክትመርሕ እዩ። ኣብ ዝበዝሐ ክፋል፡ እስራኤል ኣብ’ዚ ዕማም ኣይተዓወተትን። እንተኾነ ግን ናይ ኣምላኽ ናይ መወዳእታ ዕላማ ንእስራኤል--ነቲ መሲሕ ናብ ዓለም ምምጻእ--ኣብ ሰብነት ናይ የሱስ ክርስቶስ ብልክዕ ተፈጺሙ እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ኣምላኽ ስለምንታይ እዩ ንእስራኤል ሕሩይ ህዝቡ ክኸውን መሪጽዎ?
© Copyright Got Questions Ministries