settings icon
share icon
ሕቶ

ንኣምላኽ መን ፈጢርዎ ? ኣምላኽ ካበይ መጸ??

መልሲ


/እምነት ኣምላኽ ዘይብሎም/ኢዘሃርያንን ተጠራጠርትን ዘምጽእዎ ተራ ምጒት ፡ ንኲሉ ነገር መበገሲ ዘድልዮ እንተዀይኑ፡ ግድን እዩ ከኣ ንኣምላኽ መበገሲ ከድልዮ። እቲ መደምደምታ ከኣ ፡ ንኣምላኽ መበገሲ ዘድልዮ እንተኾይኑ ፡ እሞ ኣምላኽ ኣይኰነን (ኣምላኽሲ ኣምላኽ እንተዘይኰይኑ፡ግድን እዩ ኣምላኽ የልቦን)። እዚ ዝተራቐቐ መልክዕ ናይቲ ሰረታዊ ሕቶ ንኣምላኽ መን ፈጢርዎ ? ይኸውን ኣሎ። ገለ ነገር ካብ ዘየለ ነገር ከምዘይመጽእ ዝዀነ ሰብ ዝፈልጦ እዩ። ስለዚ ፡ ኣምላኽ ከም ሓደ ነገር እንተዀይኑ ፡ መበገሲ ክህልዎ ግድን እዩ ፡ ኣይኰነን ድዩ ?

እዚ ሕቶ መታለሊ እዩ ፡ ከመይሲ ናብ ግጉይ ግምት እዩ ዘምርሕ ፡ ኣምላኽ ካብ ሓደ ነገር መጺኡ ፡ ሽዑ ካበይ መጺኡ ኢሉ ከኣ ይሓትት። እቲ ሕቶ ትርጒም ዘይብሉ ምዃኑ እዩ እቲ ምላሽ ዝህብ ። ሰማያዊ ሕብሪ እንታይ ይጨኑ ? ኢልካ ከም ምሕታት እዩ ፡፡ ሰማያዊ ሕብሪ ኣብ ተርታ ዝጨንዉ ነገራት ኣይኮነን ዝስራዕ ፡ ስለዚ እቲ ሕቶ ጣቋ የብሉን ፡፡ ብተመሳሳሊ ፡ ኣምላኽ ኣብ መስርዕ መፈጠርን መበገስን ዘለዎም ኣይኮነን ዝምደብ። ንኣምላኽ መበገሲ የብሉ፡ መፈጠር የብሉ -- ኣብኡ ከሎ እዩ ዝነብር ፡፡

ከመይ ጌርና ኢና ነዚ ንፈልጦ ? ካብ ዋላ ሓንቲ ዋላ ሓንቲ እዩ ዝመጽእ ። ዋላ ሓንቲ ዘይነበረሉ ግዜ ኣብ ህላወ እንተኔሩ ፡ ዋላ ሓንቲ ነገር ናብ ህላወ ኣይምመጸን ኔሩ። ነገራት ግና ብህላወ ይነብሩ። እምበኣርከስ ፡ ብፍጹምነት ዋላ ሓንቲ ዝነበረሉ ግዜ ስለዘይነበረ ፡ ሓደነገር ኣብ ህላወ ወርትግ ክጸንሕ ኔርዎ ። እቲ ኲሉሳዕ ብህላወ ዝነብር ኣምላኽ ኢልና ንጽውዖ። ኣምላኽ ንኲሉ ነገር ናብ ህላወ ክመጽእ ዘበገሰ ንእኡ ግና ዘበግሶ ዘይብሉ መንነት እዩ ። ኣምላኽ ንኣድማስን ንኲሉ ኣብኡ ዘሎን ዝፈጠረ ፡ እቲ ዘይተፈጠረ ፈጣሪ እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ንኣምላኽ መን ፈጢርዎ ? ኣምላኽ ካበይ መጸ??
© Copyright Got Questions Ministries