settings icon
share icon
ሕቶ

ሰይጣን መን እዩ?

መልሲ


ሰባት ብዛዕባ ሰይጣን ዘለዎም እምነታት/ኣራኣእያታት፡ ካብ ዕሸላዊ ክሳብ ዝረቐቐ ትርኢታት ዝሕቆፍ — ካብ ሓደ ኣብ እንግድዓኻ ተወጢሑ፣ ሃየ ሓጢኣት ፈጽም እናበለ ዝደፋፍእ ቀይሕ በዓል ቀርኒ ኮተት ክሳብ ናይ እኩይ ተምሳል ዝኾነ መግለጺታት ይጥቀሙ። እንተኾነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰይጣን መን ምዃኑን ንህይወትና ብከመይ ይጸልው ንጹር መግለጺ ይህበና። ሰይጣን መልኣኽ ኮይኑ፣ ብሰሪ ሓጣኣት ካብ ሰማያዊ ስፍራ ዝተደርበየን፣ ሕጂ ድማ ንኣምላኽ ዝጻረርን፣ ብዘለዎ ሓይሊ፡ ዕላማታት ኣምላኽ ንምስንኻል፡ ኩሉ ተግባራት ዝዓይይ ዘሎ ምዃኑ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግላጽ፣ ብቀሊሉ የቐምጦ ።

ሰይጣን፡ ከም ቅዱስ መልኣኽ ኮይኑ እዩ ተፈጢሩ። ኢሳይያስ 14:12 ቅድሚ ውድቀቱ፡ ሉሲፈር ዝበሃል ስም ክኸውን ዝኽእል ይህቦ። ህዝቂኤል 28:12-14 ንሰይጣን ክገልጾ ከሎ፣ ከም ኪሩብ/ኪሩብኤል፡ ማለት ዝለዓለ ደረጃ ዝተፈጥረ መልኣኽ ነይሩ። ንሱ ብመልክዑን ማዕርጉን ተዓበየን፡ ካብ ናይ ኣምላኽ ልዕል ዝበለ ዙፋን ደለየን፡ ንክቕመጥ ወሰነን። (ኢሳይያስ 14:13-14; ህዝቄል 28:15; 1 ጢሞቴዎስ 3:6)።ትዕቢት ሰይጣን ንውድቐቱ መርሖ። ኣብ ኢሳይያስ 14:12-15 ዘሎ እስከ ነቲ “ኣነ ክ” ዝብል ብዝሒ ሓሳባት፡ ኣስተውዕሎ። ብምኽንያት እዚ ሓጥኣት፡ ኣምላኽ ንሰይጣን ካብ ሰማይ ኣገዶ።

ሰይጣን ገዛኢ እዛ ዓለምን፣ ሓለቓ ስልጣን ኣየርን ኮነ። (ዮሃንስ 12:31; 2 ቆረንቶስ 4:4; ኤፌሶን 2:2)። ንሱ ከሳሲ እዩ። (ራእይ 12:10)፣ እቲ ፈታኒ (ማቴዎስ 4:3; 1ይ ተሰሎንቄ 3:5)፣ ከምኡ’ውን መስሓቲ (ዘፍጥረት 3፣ 2ይቆረንቶስ 4:4፣ ራእይ 20:3)። እቲ ቀንዲ ስሙ፣ “ተጻይ”፡ ወይ “እቲ ተጻራሪ” ማለት እዩ። ካልእ ካብ ማዕርጋቱ፡ ዲያብሎስ ዝብል “መኽፊኢ/መካፍኢ” ማለት እዩ።

ወላኳ ካብ ሰማያት እንተተደርበየ፣ ገና ዝፋኑ ልዕሊ ኣምላኽ ክገብር ይደሊ እዩ። ንሱ፡ ካብ ህዝቢ ዓለም ኣምልኾ ንክግብት ብምትስፋውን፣ ተጻብኦ ኣንጻር መንግስቲ ኣምላኽ ንከተባብዕን፣ ንኩሉ ኣምላኽ ዝገብሮ፡ ይትምይኖ። ሰይጣን፡ ብድሕሪ ኩሉ ናይ ሓሶት ኣምልኾን ናይ ዓለም ሃይማኖት ቀንዲ ምንጪ እዩ። ሰይጣን ብዘሎ ሓይሉ፣ ንምጽራር ኣምላኽን ሰዓብቱን፣ ዝኾነ ነገርን ኩሉ ነገርን ክገብር እዩ። እንተኾነ መወዳእታኡስ፣ - ንዘልኣለም ኣብ ቀላይ ሓዊ ምዃኑ-ተሓቲሙ እዩ (ራእይ 20:10)።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ሰይጣን መን እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries