settings icon
share icon
ሕቶ

ቤተ-ክርስትያን እንታይ እያ?

መልሲ


ብዙሓት ሰብ ሎሚ ንቤተ-ክርስትያን ከም ህንጻ እዮም ዝርድእዋ። እዚ መጽሓፍ-ቅዱሳዊ መረዳእታ ቤተ-ክርስትያን ኣይኰነን። ቤተክርስትያን ዝብል ቃል ካብቲ "ኤክሌሽያ" ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል ዝመጸ ኰይኑ ፡ "ጉባኤ" ወይ "ጽዉዓት" ይትርጎም። እቲ ሱር ትርጒም ናይ ቤተክርስትያን ሰባት ደኣምበር ህንጻ ኣይኰነን። ንሰባት ኣበየነይቲ ቤተክርስትያን ከምዝሳተፉ ምስትሓቶም ፡ ምጽጽ ኢሎም መብዛሕትኡ ግዜ ንህንጻ እዮም ዘመልክቱኻ እዩ ። ሮሜ 16፡5 ይብል ፡ "ነታ ኣብ ቤቶም ዘላ ቤተክርስትያን ሰላም በሉ። "ጳውሎስ ነታ ኣብ ቤቶም ዘላ ቤተክርስትያን እዩ ዘመልክት ዘሎ ፡ ንህንጻ ቤተክርስትያን ዘይኰነስ ፡ ንእኩባት ኣመንቲ እዩ ኣመልኪቱ ፡፡

ቤተክርስትያን ንሱ ባዕሉ ርእሲ ዝዀና ስጋ ክርስቶስ እያ። ኤፌሶን 1፡22-23 ይብል ፡ "ንብዘሎ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዝኦ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉስ ርእሲ ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ ነታ ማሕበር ወፈዮ። ንሳ ኸኣ ስጋኡ ናይቲ ዅሉ ኣብ ኵሎም ዚመልእ ምልኣቱ እያ።" ስጋ ክርስቶስ ካብ መዓልቲ ጴንጠቆስጤ ኣትሒዛ ክሳዕ ክርስቶስ ዝምለስ ብኩሎም ኣመንቲ ክርስቶስ ዝቘመት እያ (ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 2)። ስጋ ክርስቶስ ክልተ ሸነኻት ተጠቓልል ፡

1) እታ ዓለምለኻዊት ቤተክርስትያን ብኩሎም እቶም ምስ የሱስ ክርስቶስ ብሕታዊ ዝምድና ዘለዎም ዝቘመት እያ። ኣይሁድ ወይስ ጽርኣውያን ፡ ባሮት ወይስ ጭዋታት እንተዀንና፡ ንሕና ዂላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ክንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ ፡ ሓደ መንፈስ ሰቴና (1ይ ቆረንቶስ 12፡13) ። እዚ ጥቕሲ ዝብሎ ዘሎ ፡ ዝዀነ ዝኣምን ዘበለ ኣካል ስጋ ክርስቶስ እዩ ፡ ከም መርትዖ ድማ መንፈስ ክርስቶስ ተቐቢሉ እዩ። እታ ዓለምለኻዊት ቤተክርስትያን ኣምላኽ ፡ ኲሎም እቶም ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ምድሓን ዝተቐበሉ እዮም።

2) እታ ናይ ከባቢ ቤተክርስትያን ኣብ ገላትያ 1፡1-2 ተገሊጻ ኣላ፡ "ጳውሎስ ሃዋርያ… ኵላቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋት ድማ ናብ ኣብያተ-ክርስትያናት ገላትያ።" ኣብዚ ንሪኦ ዘሎና፡ ኣብ ግዝኣት ገላትያ ብዙሓት ኣብያተ-ክርስትያናት - ከምተን ናይ ከባቢ ቤተክርስትያናት ንብለን ኣሎዋ። መጥምቃዊት ቤተ ክርስትያን፡ ሉተራዊት ቤተክርስትያን ፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ወዘተ

ናይ ከባቢ ንኡስ ቤተክርስትያን ናይ ከባቢ ኣካል ኣመንቲ ደኣለን እምበር ዓለምለኻዊት ኣካል ክርስቶስ ዝብሃላ ኣብያተ-ክርስትያናት ኣይኰናን። እታ ዓለምለኻዊት ቤተ-ክርስትያን ነቶም ንምድሓኖም ኣብኡ ዝተወከሉ ናይ ክርስቶስ ኣመንቲ ዝሓዘት እያ። ኣባላት ናይ ዓለምለኻዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ናይ ከባቢ ቤተ-ክርስትያን ሕብረትን ምህናጽን ከናድዩ ይግባእ።

ብሓጺሩ ፡ ቤተክርስትያን ሓንቲ ህንጻ ወይ ሓንቲ ማሕበር ኣይኰነትን። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ቤተክርስትያን እቶም ንምድሓኖም ኣብ የሱስ ክርስቶስ እምነቶም ዘንበሩ ስጋ ክርስቶስ እያ (ዮሃንስ 3፡16 ፥ 1 ቆሮንቶስ 12፡13)። ናይ ከባቢ ቤተክርስትያናት ስም ክርስቶስ ዝጽውዑ ናይ ኣመንቲ ምትእኽኻብ እየን። ኣባላት ናይ ከባቢ ቤተክርስትያናት ኣብ ብሉጽነት እምነተን ተመርኲሰን ናይታ ዓለምለኻዊት ቤተክርስትያን ኣባላት ክዀና ይኽእላ ወይ ወይ ኣይክእላን። እታ ናይ ከባቢ ቤተክርስትያን ፡ ኣመንቲ ንመምርሒታት 1 ቆሮንቶስ ምዕራፍ 12 ብምልኣት ይጥቀምሉ ፡ ምትብባዕ ፡ ምምሃር ፡ ናብ ፍልጠትን ጸጋን ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ንምዕባይ ንሓድሕድ ምትህንናጽ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ቤተ-ክርስትያን እንታይ እያ?
© Copyright Got Questions Ministries