settings icon
share icon
ሕቶ

"ናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ሓቂ ድዩ?

መልሲ


የሱስ ክርስቶስ ብርግጽ ካብ ምውታን ከምዝተንስአ እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ደምዳሚ መርትዖ የቕርበልና እዩ ፡፡ ትንሳኤ ክርስቶስ ኣብ ማቴዎስ 28፡ 1-20 ፥ ማርቆስ 16፡1-20 ፥ ሉቃስ 24፡1-53 ፥ ዮሃንስ 20፡21-25 ይርከብ፡እቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት እውን ተራእዩ እዩ(ግብሪ ሃዋ 1፡1-11) ካብዞም ክፍሊ ጽሑፋት እምበኣር ብዙሕ ዝዀነ መርትዖታት ትንሳኤ ክርስቶስ ክትከስብ ትኽእል ኢኻ። ቀዳማይ ፡ ርኡይ ለውጢ ናይቶም ደቀመዛሙርቱ እዩ። ብፍርሂ ዝኣክል ዝሕብኡ ዝነበሩ ጉጅለ ሰባት ናብ ተባዓት ሰበኽቲ ተለዊጦም ናብ ምልእቲ ዓለም ወንጌል ኣብጽሑ። እዚ ርኡይ ለውጢ ካብቲ ዝተራእዮም ዝተንስአ ክርስቶስ እንተ ዘይኰይኑ ካበይ ክመጽእ ኢሉ ?

እቲ ካልኣይ ድማ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ህይወት እዩ። ካብ ሰጓጒ ቤተ-ክርስትያን ናብ ሃዋርያ ቤተ-ክርስትያን ዝለወጦስ እንታይ ኰን እዩ ? እቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ኣብ መገዲ ደማስቆ ምስተራእዮ እዩ (ግብሪ ሃዋ 9፡16)። እቲ ሳልሳይ ዘእምን መርትዖ ከኣ ፡ እቲ ጥርሑ ዘሎ መቓብር እዩ። ክርስቶስ እንተ ዘይተንሲኡስ እቲ ሰብነቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ? እቶም ደቀመዛሙርትን ካልኦትን ነቲ ዝተቐብረሉ መቓብር ርእዮሞ እዮም። ምስተመልሱ እቲ ሰብነቱ ኣብኡ ኣይጸንሖምን። ከምቲ ተማባጺዕዎ ዝነበረ ካብ ምውታን ምትንሳኡ መላእኽቲ ኣወጁ (ማቴዎስ 28፡5-7)። ራብዓይ ተወሳኺ መርትዖ ናይቲ ትንሳኤኡ ድማ ፡ እቶም ዝተራእዮም ብዙሓት ሰባት እዮም (ማቴዎስ 28፡5 ,9, 16-17 ፥ ማርቆስ 16፡9 ፥ ሉቃስ 24፡13-35 ፥ ዮሃንስ 20፡19, 24,26-29፥ 21፡1-14 ፥ ግብሪ ሃዋ 1፡6-8 ፥ 1 ቆሮንቶስ 15፡ 5-7) ፡፡

ካልእ መርትዖ ናይ የሱስ ትንሳኤ ከኣ ፡ ሃዋርያት ንትንሳኤ የሱስ ዝሃብዎ ዓብዪ ርዝነት እዩ። ቀንዲ ክፍሊ ጽሑፍ ናይ ትንሳኤ ክርስቶስ ኣብ 1 ቆሮንቶስ 15 ንረኽቦ ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብዚ ምዕራፍ ዝገልጾ ፡ ንናይ ክርስቶስ ትንሳኤ ምርዳኡን ምእማኑን ዘየላቡ ምዃኑ እዩ። ትንሳኤ ኣገዳሲ እዩ፡ በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት(1) ክርስቶስ ካብ ምውታት እንተ ዘይተንስእ ፡ኣመንቲ ኣይምሃለዉን (1 ቆሮ 15፡12-15)(2) ክርስቶስ ካብ ምውታት እንተ ዘይተንስእ ፡ስለ ሓጢኣት ዝኸፈሎ ዋጋ እኹል ኣይኮነን (1 ቆሮንቶስ 15፡ 16-19) ። ትንሳኤ የሱስ ዘረጋግጾ ፡ እቲ ሞቱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ናይ ሓጢኣት ስርየት ቅቡል ምንባሩ እዩ። ሞይቱስ ከምቲ ዝሞቶ እንተዝነብር ኔሩ ፡ እቲ መስዋእቱ ኣኻሊ ኣይኮነን ማለት እዩ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ኣመንቲ ሓጢኣቶም ኣይምተሓድገሎምን ኔሩ፡ ሞይቶም ከኣ ኣብኡ ምተረፉ (1 ቆሮንቶስ15፡16-19)። ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝብሃል ኣይምሃለወን (ዮሃንስ 3፡16)። " ሕጂ ግና ክርስቶስ፡ በዂሪ እቶም ዝደቀሱ ዀይኑ፡ ካብ ምዉታት ተንስኤ" (1ቆሮንቶስ 15፡20)።

ኣብ መወዳእታ ፡ እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ብንጹር ዝገልጾ ፡ ኲሎም እቶም ብየሱስ ክርስቶስ ዝኣምኑ ፡ ከምቲ ናቱ ናብ ዘልኣለም ህይወት ክትንስኡ እዮም (1 ቆሮንቶስ 20፡23)። ቀዳማይ ቆሮንቶስ 15 ብምቕጻል ዝገልጾ፡ ናይ ክርስቶስ ትንሳኤ እቲ ንሱ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ዘመዝገቦ ዓወትን ፡ እቲ ንኣና ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ዝሃበና ዓወትን የረጋግጽ ምዃኑ እዩ (1 ቆሮንጦስ 15፡ 24-34)። ብዛዕባ እቲ ንቕበሎ ናይ ክብሪ ስጋ ትንሳኤ ድማ ይገልጽ (1 ቆሮ 15፡ 34- 49)። ብምኽንያት ትንሳኤ ክርስቶስ ፡ ኲሎም እቶም ብእኡ ዝኣመኑ ፡ ኣብ ልዕሊ ሞት ናይ መጠረሽታ ዓወት ከምዝረኽቡ ድማ ይእውጅ (1 ቆሮ 15፡50-58)።

ናይ ክርስቶስ ትንሳኤ ከመይ ዝበለ ዝኸበረ ሓቂ እዩ ! "ስለዚ፡ ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም፡ ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት፡ ዘይትናቓነቑ፡ ኲሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ" (1ቆሮንቶስ 15፡58)። ከምቲ መጽሓፍ-ቅዱስ ዝብሎ ፡ ናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ኣማን ብኣማን ሓቂ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንትንሳኤ ክርስቶስ ልዕሊ 400 ሰባት ከምዝመስከሩሉ ኣስፊርዎ ይርከብ ፡ ኣብ ታሪኻዊ ፍጻመ ትንሳኤ ክርስቶስ ተመርኲሱ ወሳኒ ዶክትሪን ክርስትና ናብ ምህናጽ ይኸይድ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

"ናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ሓቂ ድዩ?
© Copyright Got Questions Ministries