settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ውግእ እንታይ ይብል?

መልሲ


ብዙሓት ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘጻኣት 20፡13 “ኣይትቕተል” ዝብሎ ብጌጋ የንብብዎን ነዚ ድማ ኣብ ኲናት ይጥቀሙሉን። ኮይኑ ግን፡ እቲ ናይ እብራይስጢ ቃል ከምዘለዎ ቃል ብቃሉ “ኮነ ኢልካ ኣስተንቲንካ ሓሲብካ ብኽፍኣት ንካልእ ሰብ ምቕታል” ማለት እዩ። ኣምላኽ ብዙሕ ግዜ ንእስራኤላውያን ናብ ውግእ ምስ ካልእ ሃገር ክኸዱ ኣዚዝዎም (1ሳሙኤል 15፡3፡ እያሱ 4፡13)። ኣምላኽ ንቡዙሓት ገበናት ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣዚዙ (ዘጽኣት 21፡12፡ 15፡ 22፡19፡ ዘለዋውያን 20፡11)። ስለዚ፡ ኣምላኽ ኣብ ኩሉ ኣጋጣሚታት ኣንጻር ምቕታል (killing) ኣይኮነን፡ ኣብ’ቲ ኮነ ኢልካ ሓሲብካ ዝግበር ቅትለት( murder) ግን ኣንጻሩ እዩ። ኲናት ፈጺሙ ጽቡቕ ነገር ኣይኮነን፡ ኣብ ገለ ግዜ ግን ኣድላዪ እዩ። ኣብ’ዛ ብሓጢኣተኛታት መሊኣ ዘላ ዓለም (ሮሜ 3፡10-18)፡ ኩናት ዘይተርፍ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ እቲ እንኮ ሓጢኣተኛታት ሰባት ንካልኦት ንጹሃት ሰባት ሃስያ ከየውርዱሎም ትዕቅበሉ መገዲ ናብ ውግእ ብምኻድ እዩ።

ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን “ንደቂ እስራኤል ንሚድያናውያን ሕነ ፍደየሎም፡” ኣዚዝዎም (ዘህሉቅ 31፡2)። ዘዳግም 20፡16-17 “ካብዘን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ኸተማታት እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ግና፡ ትንፋስ ዘለዎ ሓደ እኳ ብህይወት ኣይትሕደጎ…ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ፡” ኢሉ ይእዝዝ። ብተወሳኺ 1 ሳሙኤል 15፡18 ድማ ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቃውያን ከኣ ብህይወቱ ሓዞ፡ ንብዘሎ እቲ ህዝቢውን ብስሕለት ሴፍ ፈጺሙ ኣጥፍኦ።” ይብል። ርጉጽ እዩ ኣምላኽ ኣንጻር ኩሉ ኩናት ኣይኮነን። የሱስ ወትሩ ምስ ኣቦ ፍጹም ስምምዕ ኣለዎ (ዮሃንስ 10፡30)፡ ስለዚ ድማ ኩናት ኣብ ብሉይ ኪዳን ጥራይ እዩ ፍቓድ ኣምላኽ ኔሩ ክንብል ኣይንኽእልን። ኣምላኽ ኣይልወጥን እዩ (ሚልክያስ 3፡6፡ ያዕቆብ 1፡17)።

ናይ የሱስ ካልኣይ ምጻኣት ብዘይ መጠን ብጎነጽ እዩ ክኸውን። ራኢ ዮሃንስ 19፡11-21 ናይ መወዳእታ ኩናት ምስ የሱስ እቲ “ብጽድቂ” ዝዳንን ዝዋጋእን (ፍቕዲ፡11) ሰዓሪ ኣዛዚ ይገልጽ። ደማዊን (ፍቕዲ፡13) ብደም ዝተዓለሰን እዩ ክኸውን። ኣዕዋፍ ድማ ስጋ ናይ ኩሎም እቶም ዝጻረርዎ ክበልዓ እየን (ፍቕዲ፡17-18)። ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ድማ ርህራሄ የብሉን፡ ንሱ ጠቕላላ ክገዝእን ናብ’ቲ “ብዲን ዝነድድ ቀላይ ሓዊ” ክድርብዮም እዩ (ፍቕዲ፡20)።

ኣምላኽ ፈጺሙ ኩናት ኣይድግፍን እዩ ምባል ጌጋ እዩ። የሱስ ተሓላቒ ሰላም ኣይኮነን። ኣብ’ዛ ብኩፉኣት ሰባት መሊኣ ዘላ ዓለም፡ ሓደ ሓደ ግዜ ኩናት ዝገደደ ክፍኣት ንምክልኻል ኣድላዪ እዩ። ሂትለር ብካልኣይ ውግእ ዓለም እንተዘይሳዓር ኔሩ፡ ተወሳኺ ክንደይ ሚልዮን ሰብ ምሞተ ኔሩ? ናይ ኣሜሪካ ሕድሕድ ኩናት እንተዘይካየድ ኔሩ፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ኣፍሪቃውያን ኣሜሪካውያን ከም ባሮት ኮይኖም ምተሳቐዩ ኔሮም?

ኩናት ዘስካሕክሕ ነገር እዩ። ገለ ውግኣት ካብ ካልኦት ዝያዳ “ፍትሓውያን” እዮም፡ ኮይኑ ግን ኩናት ውጺኢት ናይ ሓጥያት እዩ (ሮሜ 3፡10-18)። ብተመሳሳሊ ድማ፡ መክብብ 3፡8 ከምዝብሎ “ንምፍቓር ጊዜ አለዎ፡ ንምጽላእ ከአ ጊዜ አለዎ። ንውግእ ጊዜ አለዎ፡ ንሰላም ድማ ጊዜ አለዎ።” ኣብዛ ብሓጥያት፡ ጽልኢን ክፍኣትን ዝመለአት ዓለም (ሮሜ 3፡10-18)፡ ኩናት ዘይተርፍ እዩ። ክርስትያናት ንኩናት ክደልይዎ ኣይግባእን፡ ኮይኑ ግን ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኦም ስልጣን ዝሃቦ መንግስቲ ክቃወሙ ኣይግባኣን (ሮሜ 13፡1-4፡ 1 ጴጥሮስ 2፡17)። እቲ ቀንዲ ኣብ እዋን ኩናት ክንገብሮ ዘሎና ኣገዳሲ ነገር ከኣ ንድሕነት ሰራዊትና ምጽላይ፡ ንቅልጡፍ ዝኾነ ምፍታሕ ግጭታት ምጽላይን ከምኡ’ውን ንምውሓድ መጉዳእትታት ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ሲቪል ምጽላይን(ፊሊጲ 4፡6-7)።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ውግእ እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries