settings icon
share icon
ሕቶ

ኣነ ከመይ ጌረ እየ ድምጺ ኣምላኽ ዘለሊ?

መልሲ


እዚ ሕቶ ኣብ ብዙሕ ዘመናት ብብዙሓት ሰባት እዩ ተሓቲቱ። ሳሙኤል ድምጺ ኣምላኽ ሰሚዑ፡ ኮይኑ ግን ክሳብ ብ ኤሊ ዝሕበር ኣይፈለጦን ኔሩ (1 ሳሙኤል 3፡1-10)። ጊደዎን ካብ ኣምላኽ ናይ ኣካል ምግላጽ ረኺቡ ኔሩ፡ ንሱ’ውን ገና ክሳብ ምልክት ዝሓትት ነቲ ዝሰመዖ ተጠራጢርዎ ኔሩ፡ ሓንሳብ ዘይኮነ ድማ ሰለስተ ግዜ (መሳፍንቲ 6፡17-22፡ 36-40)። ንሕና ናይ ኣምላኽ ድምጺ ክንሰምዕ ከሎና፡ ከመይ ጌርና እቲ ዝዛረብ ዘሎ ንሱ ሙዃኑ ንፈልጥ? መጀመርያ ቅድሚ ኩሉ፡ ንዓና ጊደዎንን ሳሙኤልን ዘይነበሮም ሓደ ነገር ኣሎና። ንሕና ሙሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎና፡ ንዓና ንምንባብ፡ ንምጽናዕን ንምስትንታንን ዝኸውን መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ኣሎና። “። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።” (2 ጤሜጤዎስ 3፡ 16-17)። ንሕና ብዛዕባ ዝኾነ ኣርእስቲ ናይ ሂወትና ሕቶታት ወይ ውሳኔ ክህልወና ከሎ፡ ንሕና መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕብኡ እንታይ ይብል ክንሪኢ ኣሎና። ኣምላኽ ንዓና ኣንጻር ኣብ ቃሉ ዝመሃረና ኣይክመርሓናን እዩ (ቲቶስ 1፡2)

ድምጺ ኣምላኽ ንምስማዕ ንሕና ናቱ ክንከውን ኣሎና። የሱስ “እተን ኣባጊዔይ ግና ድምጼይ ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ ኤለልየን፡ ንሳተንውን ይስዕባኒ።” ይብል (ዮሃንስ 10፡27)። እቶም ናይ ኣምላኽ ድምጺ ዝሰምዑ ከኣ ናቱ እዮም-ንሳቶም ድማ እቶም ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ብጸግኡ ዝደሓኑ እዮም። እዚኣተን እየን እተን ንድምጹ ዝሰምዓን ዘለልያን ኣባጊዕ፡ ምኽንያቱ ከም ጓሰአን ስለዝፈልጠኦ። ንድምጺ ኣምላኽ ንምልላይ፡ ናቱ ክንከውን ኣሎና።

ንሕና ንድምጹ ንሰምዕ ድማ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ህዱእ ምስትንታንን ግዜ ምስ ነሕልፍን እዩ። ዝያዳ ጥብቕ ኢልና ምስ ኣምላኽን ምስ ቃሉን ግዜ ምስ ነሕልፍ፡ ድምጹ ንምልላይን ከምኡ ድማ ምርሒቱ ኣብ ሂወትናን ድማ ዝቐለለ ይኸውን። ኣብ ባንክ ዘለው ሰራሕተኛታት ዝተሰንዑ ናይ ሓሶት ነገራት ንምልላይ ይስልጥኑ እዮም፡ እዚ ከኣ ን ሓቀኛ ገንዘብ ጥብቕ ኢሎም ብምጽናዕ፡ እዚ ድማ ናይ ሓሶት ገንዘብ ንከለልዩ ቀሊል ይኸውን። ንሕና ምስ ቃል ኣምላኽ ኣዚና ቅርበት ክህልወና ኣለዎ፡ ስለዚ ከኣ ሓደ ሰብ ንዓና ጌጋ ነገር ክዛረበና ከሎ፡ ካብ ኣምላኽ ከምዘይኮነ ንጹር ይኸውን።

ዋላ’ኳ ሎሚ ኣምላኽ ንሰባት ዝስማዕ ክዛረብ ይክእል እንተኾነ፡ ብቐዳምነት ግን ንሱ በቲ ዝተጻሕፈ ቃሉ እዩ ዝዛረበና። ሓደ ሓደ ግዜ ናይ ኣምላኽ ምርሒት ብመንፈስ ቅዱስ፡ ብሕልናና፡ ብኩነታትን ከምኡድማ ብምዕዶ ናይ ካልኦት ሰባትን ክመጽእ ይኽእል እዩ። ነቲ ንሰምዖ ምስ’ቲ ሓቂ ናይ’ቲ ጽሑፍ ብምውድዳር፡ ናይ ኣምላኽ ድምጺ ንምልላይ ክንምሃር ንኽእል።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ኣነ ከመይ ጌረ እየ ድምጺ ኣምላኽ ዘለሊ?
© Copyright Got Questions Ministries