settings icon
share icon
ሕቶ

ሎሚ’ኸ ኣምላኽ ንሰባት ገና ራኢ ይህብ ኣሎ ዶ? ኣመንቲ ንራኢ ኣካል ክርስትያናዊ ተመኩሮኦም ክኸውን ክጽበይዎ ይግባእ ዶ?

መልሲ


ሎሚ’ኸ ኣምላኽ ንሰባት ራኢ ክህብ ይኽእል ዶ? እወ! ሎሚ’ኸ ኣምላኽ ንሰባት ራኢ ይህብ ድዩ? ይክኣል እዩ። ራኢታት ከም ተራ ፍጻሜ ዶ ትጽቢት ክንገብረሎም ይግብኣና? ኣይፋል። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ከም ዘሎ፡ ኣምላኽ ንሰባት ብዙሕ ግዜ ብመገዲ ራኢ ተዛሪብዎም። ንኣብነት ድማ ዮሴፍ ወዲ ያቆብ፡ ዮሴፍ ሕጹይ ማርያም፡ ሰለሙን፡ ኢሰያስ፡ ህዝቂኤል፡ ዳኒኤል፡ ጴጥሮስን ጳውሎስን። ነቢይ ዮኤል ብዙሕ ምፍሳስ ራኢታት ተነቢዩ እዚ ድማ ብ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ ግብሪሃዋርያት 2 ተረጋጊጹ። ኣብ ሞንጎ ራኢን ሕልምን ዘሎ ፍልልይ ምስትውዓል ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ ድማ ራኢ ሰብ ከይደቀሰ እዩ ዝውሃብ ሕልሚ ግን ሰብ ምስ ደቀሰ እዩ ዝውሃብ።

ኣብ ብዙሕ ክፋላት ናይ ዓለም፡ ኣምላኽ ብሰፊሑ ራኢያትን ሕልምታትን ዝጥቀም ዘሎ ይመሰል። ኣብ’ቲ ውሑድ ዝኾነ ወይ ወልሓንቲ ናይ ወንጌል መልእኽቲ ዘይብሉ ቦታታት ከምኡ’ውን ሰባት ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘይብሎም ቦታ፡ ኣምላኽ ንመልእኽቱ ቀጥታ ብ ሕልምታትን ራኢታትን እዩ ንሰባት ዝልእከሎም። እዚ ጠቕላላ ምስ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣብነት ናይ’ቲ ኣብ ፈለማ ናይ ክርስትና መዓልትታት ኣምላኽ ንሰባት ነቲ ናቱ ሓቂ ንምግላጽ ቀጻሊ ራኢያት ይጥቀም ከምዝነበረ ዝሰማማዕ እዩ። ኣምላኽ ን ሓደ ሰብ መልእኽቱ ክህቦ እንተደልዩ፡ ንሱ ኣድላዪ ኮይኑ ዝረኸቦ ዝደለዮ መገዲ ክጥቀም ይኽእል እዩ--እዚ ድማ ሚስዮናዊ፡ መልኣኽ፡ ራኢ፡ ወይ ሕልሚ። ልክዕ እዩ፡ ኣምላኽ ነቶም ድሮ ናይ ወንጌል መልእኽቲ ብዝቀረባ ዝርከበሎም ቦታታ’ውን ራኢ ክህቦም ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ክገብሮ ዝኽእል ደረት የብሉን።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ራኢያትን ትርጉም ራኢያትን ክመጽእ ከሎ ክንጥንቀቕ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ውዱእ ሙዃኑን ክንፈልጦ ዘሎና ኩሉ ድማ ከምዝነግረናን ኣብ ልብና ክንሕዞ ይግብኣና። እቲ ዋና ሓቂ ከኣ ኣምላኽ ራኢ ክህብ እንተኾይኑ፡ እዚ ጠቕላላ ምስ’ቲ ኣቐዲሙ ኣብ ቃሉ ዝበሎ ክሰማማዕ እዩ። ራኢያት ፈጺሙ ማዕረ ወይ ካብ ቃል ኣምላኽ ንላዕሊ ስልጣን ክውሃቦም የብሉን። ቃል ኣምላኽ ዋና ስልጣን ናይ ክርስትያን እምነትን ተግባርን እዩ። ራኢ ኔሩኒ ኢልካ እንተድኣ ኣሚንካ እሞ ምናልባት ኣምላኽ ከም ዝሃበካ እንተተሰሚዑካ፡ ብጸሎት ንቃል ኣምላኽ መርምርን ከምኡ ድማ ራኢኻ ምስ ቃል ኣምላኽ ከምዝሰማማዕ ኣረጋግጽ። ካብኡ ድማ ኣምላኽ ከም ግብረ-መልሲ ናይ’ቲ ራኢ እንታይ ክትገብር ከምዝደልየካ ብጸሎት ጌርካ ሕሰብ (ያዕቆብ 1፡5)። ኣምላኽ ንትርጉም ናይ ራኢ ብምሕባእ ንሰብ ራኢ ኣይህብን እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ሰብ ትርጉም ናይ ራኢ ኣብ ዝሓተሉ ግዜ፡ ኣምላኽ ነቲ ሰብ ከምዝግለጸሉ የረጋግጽ ኔሩ (ዳኒኤል 8፡15-17)።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ሎሚ’ኸ ኣምላኽ ንሰባት ገና ራኢ ይህብ ኣሎ ዶ? ኣመንቲ ንራኢ ኣካል ክርስትያናዊ ተመኩሮኦም ክኸውን ክጽበይዎ ይግባእ ዶ?
© Copyright Got Questions Ministries