settings icon
share icon
ሕቶ

"ስለምንታይ እዩ ድንግል ልደት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኸውን?

መልሲ


ዶክትሪን ናይ ድንግል ልደት ዘየላቡ ኣገዳሲ እዩ (ኢሳይያስ 7፡14 ፥ ማቴዎስ 1፡23 ፥ ሉቃስ 1፡27,34) ። ፈለማ ፡ እቲ ጽሑፍ ነቲ ፍጻመ ከመይ ገሊጽዎ ኣሎ ንርአ። እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን ዝብል ሕቶ ማርያም(ሉቃስ 1፡34) ገብርኤል መሊሱ ፡ " መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ" (ሉቃስ 1፡35) ። እቲ መልኣኽ በዘን ቃላት ጌሩ ዮሴፍ ንማርያም ክሕጸ የበራትዕ ፡ እዚ ካብኣ ተጠኒሱ ዘሎ ካብ መንፈስ ቅዱስ እዩ (ማቴዎስ 1፡20)። እታ ድንግል ካብ መንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት ክብል ይገልጽ (ማቴዎስ 1፡18)። ገላትያ 4፡4 ንድንግል ልደት እዩ ዝምህር ፡ ኣምላኽ ነቲ ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ ወዱ ለኣኾ ፡፡

ካብዞም ጽሑፋት ፡ ኣጸቢቚ ርግጽ ዝዀነ ነገር ፡ልደት የሱስ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጢ ሰብነት ማርያም ክዓዪ ከሎ እዩ ። እቲ ዘይግኡዝ (እቲ መንፈስ)፡እቲ ግኡዝ (ማህጸን ማርያም)ክልቲኦም ተሳቲፎም እዮም ። ማርያም ብርእሳ ክትጠንስ ኣይትኽእልን እያ ፡ ንሳ ኣቕሓ እያ። ኣምላኽ ጥራይ እዩ ተኣምር ስጋዌ ክትግብር ዝኽእል ፡፡

እንተኾነ ግና ፡ ኣብ ሞንጎ ማርያምን የሱስን ዘሎ ሰብነታዊ ምትእስሳር ምኽሓድ ፡ የሱስ ፍጹም ሰብ ከምዘይነበረ እዩ ዝእምት። የሱስ ከምዚ ናትና ኣካል ዘለዎ ፍጹም ሰብ ከምዝነበረ እዩ እቲ ጽሑፍ ዘስተምህር ፡፡ እዚ ካብ ማርያም እዩ ወሲድዎ። ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ የሱስ ዘልኣለማውን ሓጢኣት ዘይብሉን ፍጹም ኣምላኽ እዩ። (ዮሃንስ 1፡14፡ 1ጢሜጢዎስ 3፡16፡ እብራውያን 2፡ 14-17።)

የሱስ ብሓጢኣት ኣይኮነን ተወሊዱ ፡ እዚ ከኣ ፡ናይ ሓጢኣት ባህሪ ኣይነበሮን (እብራውያን 7፡ 26)። ተወርሶ ሓጢኣት ብኣቦ ኣቢሉ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገር ይመስል (ሮሜ 5፡ 1 , 17,19)። እቲ ድንግል ልደት ንተወርሶ ሓጢኣት ዓጊቱ ፡ ነቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ክኸውን ጌርዎ ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

"ስለምንታይ እዩ ድንግል ልደት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኸውን?
© Copyright Got Questions Ministries