settings icon
share icon
ሕቶ

ኣብ ክርስትያናዊ ህይወተይ ንሓጢኣት ብኸመይ ይስዕሮ?

መልሲ


ንሓጢኣት ንምስዓር ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ንኽድግፉና መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ትሕዝቶ ኣቕሪቡልና ኣሎ፡፡ ኣብዚ ህይወት እዚ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ፍጹም ክንዕወት ኣይከኣለናን እዩ (1ዮሃንስ 1፡8) ግናኸ ፈጺምና ንምዕዋት ክንዕልም ኣሎና፡፡ ብረድኤት ኣምላኽን ቃሉ ብምስዓብን ንሓጢኣት ቀጻሊ ክንስዕሮን መመሊስና ንክርስቶስ ክንመስልን ንኽእል ኢና፡፡

ንሓጢኣት ንምስዓር ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ቀዳማይ ደጋፊና መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና፡፡ ኣብ ክርስትያን ህይወት ዕውታት ምእንቲ ኽንከውን ኣምላኽ ንመንፈስ ቅዱስ ሂቡና ኣሎ፡፡ ኣምላኽ ኣብ ገላትያ 5፡16-25 ንግብሪ ስጋ ምስ ፍረ መንፈስ ኣነጻጺሩ ኣቕሪቡልና ኣሎ፡፡ ኣብኡ ብመንፈስ ክንመላለስ ተጸዊዕና ኣሎና፡፡ ኩሎም ኣመንቲ ድሮ መንፈስ ቅዱስ ተዋሂብዎም ኣሎ፡ ኣብዚ ጽሑፍ ግና ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ብመንፈስ ክንመላለስ ተነጊሩና ኣሎ፡፡ እዚ ድማ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ዝደልዮ እምበር እምበር ንስጋና ዘይምስዓብ ማለት እዩ፡፡

እቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ክገብሮ ዝኽእል ኣብ ህይወት ጴጥሮስ ንርእዮ ኢና፡፡ ጴጥሮስ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ቅድሚ ምምልኡ፡ ንየሱስ ክሳዕ ሞት ክስዕብ ኢሉ ኽነሱ ሰለስተ ሳዕ ክሒዱ እዩ፡፡ መንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ምምልኡ ግና ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ብትብዓትን ብግልጽን ንኣይሁድ ክዛረቦ ከኣለ፡፡

ከምቲ ኣብ 1ተሰሎንቄ ዘሎ ድማ ብመንፈስ ክንመላለስ እንከሎና ነቲ መንፈስ ኣይነጥፍኦን፡ ከምቲ ኣብ ኤፌሶን 5፡18-21 ዝተጻሕፈ ኸኣ ብመንፈስ ክንምላእ ንደሊ፡፡ ሰብ ብኸመይ መንፈስ ቅዱስ ይምላእ፤ ብቐዳምነት፡ ከምቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ብሕርየት ኣምላኽ እዩ፡፡ ንሱ ዝመደቦ ዕዮ ምእንቲ ከስልጡ ንገለ ሰባት መሪጹ ብመንፈስ ይመልኦም ነበረ (ዘፍጥረት 41፤38፤ ዘጸኣት 31፡3፤ ዘሁልቁ 24፡3፤ 1ሳሙኤል 10፡10)፡፡ ኣምላኽ ነቶም ርእሶም ብቓሉ ዝመልኡ ሰባት፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝመልኦም ኣብ ኤፌሶን 5፡18-21 ከምኡ ኸኣ ኣብ ቆሎሴ 3፡16 ተነጊሩና፡፡ እዚ ኸኣ ናብቲ ካልኣይ ትሕዝቶ ይወስደና፡፡

ንኹሉ ሰናይ ግብሪ ዘበለ ምእንቲ ከዕጥቐና ኢሉ ኣምላኽ ንቓሉ ከም ዝሃበና እቲ ቃል ኣምላኽ ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና (2ጢሞቴዎስ 3፡16-17)፡፡ ከመይ ከም እንነብር(እንገብር)፡ እንታይ ከም እንኣምን ይምህረና፡ ሕማቕ መንገዲ ክንመርጽ እንከሎና የብርሃልና፡ ናብቲ ቅኑዕ መንገዲ ይመልሰና፡ ኣብታ ቅንዕቲ መንገዲ ድማ የጽንዓና፡፡ ቃል ኣምላኽ ህያውን ሓያልን ኮይኑ ናብ ልብና ጥሒሱ ብምስጣም ነቲ ሕቡእ ሓጢኣትናን ሃቐናናን ከም ዝምሕዎ ኣብ እብራውያን 4፡12 ነንብብ፡፡ ዘማሪ ዳዊት ኣብ መዝሙር 119 ስለ እቲ ህይወት ዝቕይር ዓቕሚ ቃል ኣምላኽ ይዝምር፡፡ እያሱ ኸኣ ምስጢር ዓወት ነቲ ቓል ለይትን መዓልትን ምስትንታን ምዃኑ ተነጊርዎ ኣሎ፡፡ ንሱ ድማ ኣብቲ ብኣእምሮ ወይ ብሜላ ሰብ ግጉይ ዝመስል ትእዛዝ ኣምላኽ ሰሚዑ ከምቲ ዝተባህሎ ገበረ እሞ ኣብ ኩሉ እቲ ንምድሪ ተስፋ ንምእታው ዝገበሮ ውግኣት ተዓወተ፡፡

መብዛሕትኡ ግዜ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከምቲ ዝግብኦ ክብሪ ከይሃብና ኣቕሊልና ንሕዞ ኢና፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ማሕበር ወይ ናብ ኣምልኾ ሒዝካ ምኻድ ኮነ መዓልታዊ ምንባቡ ካብ ምግባር ዓዲ ኣይወዓልናን፡፡ ነቲ ዘንበብናዮ ወይ ዝሰማዕናዮ ኣብ ኣእምሮ ከነስፍሮ፡ መመሊስና ክንዝክሮ፡ ከነስትንኖ ወይ ኣብ ህይወትና ከነውዕሎ ግን ኣይከኣልናን፡፡ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝቐልዓልና ሓጢኣት ክንእመኖን ክንናዘዞን ኮነ ንኣምላኽ ስለዚ ውህበቲ ከነመስግኖ ንሰንፍ ኢና፡፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ዝኾነ ከኣ ወይ ጥሙያት ወይ ዝፍጡጣት ንኸውን፡፡ ብመንፈስ ንኸይንመውት ዘጻንሓና ንእሽቶ ንበልዕ (እኹል በሊዕና ካብ ምጥዓይ) ወይ ድማ እናበላዕና ክነስና ሰኣን ምስትንታን ነቲ መንፈሳዊ መኣዝኡ ንስእኖ፡፡

ቃል ኣምላኽ መዓልታዊ ምጽናዕን ምዝካርን ገና ዘይተለማመድካ ምስ እትኸውን ሕጂ ከምኡ ምልማድ ክትጅምር ኣገዳሲ እዩ፡፡ ገለ ሰባት መዝገብ ቃል ኣምላኽ ምሓዝ ሓጋዚ ኮይኑ ይረኽብዎ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ እንከሎኻ ገለ ዝተጠቐምካዮ ከይሓዝካ ወይ ከይመዝገብካዮ ኣይተቋርጽ፡፡ ካልኦት ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተባህልዎ ወይ ክቕይርዎ ንዝተነግሮም ነገራት ንምሓዝ ናይ ጸሎት መዝገብ ይሕዙ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ንምዕያይ ዝጥቀመሉ ቀንዲ መሳርሒ ክኸውን እንከሎ (ኤፌሶን 6፡17)፡ ኣብቲ መንፈሳዊ ገድልና፡ ኣምላኽ ዝሃበና ቀንዲ ዕጥቅና እዩ (ኤፌሶን 6፡18)፡፡

ሳልሳይ ኣገዳሲ ትሕዝቶ ድማ ጸሎት እዩ፡፡ እዚ እውን ክርስትያን ብኸናፍሮም ጥራይ እምበር ብግቡእ ዘይጥቅምሉ ትሕዝቶ ኮይኑ ኣሎ፡፡ መደባት ጸሎትን ኣኼባታት ጸሎትን ንሳተፍ ክነስና ከምቲ ኣብ ማሕበር ሃዋርያት ዝነበረ ኣይንገብሮን (ግብሪ ሃዋርያት 3፡1፤ 4፡13፤ 6፡4፤ 13፡1-3)፡፡ ጳውሎስ ከመይ ስለ እቶም ዘገልግሎም ይጽሊ ከም ዝነበረ ይጠቕሰልና እዩ፡፡ ኣምላኽ ስለ ጸሎት ብዙሕ ተስፋታት ሂቡና ኣሎ (ማቴዎስ 7፡7-11፤ ሉቃስ 18፡1-8፤ ዮሃንስ 6፡23-27፤ 1ዮሃንስ 5፡14-15)፡፡ ጳውሎስ ንጸሎት ኣብቲ ንመንፈሳዊ ገድሊ ዝግበር ምድላዋት ሰሪዕዎ ኣሎ (ኤፌሶን 6፡18)፡፡

ጸሎት ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ንኽንዕወት ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ፡፡ ጴጥሮስ ቀቅድሚ ምኽሓዱ የሱስ ኣብ ጌቴሴማኔ ዝበሎ ቃል ኣሎና፡፡ የሱስ ክጽሊ እንከሎ ጴጥሮስ ደቂሱ ነበረ፡፡ የሱስ ድማ ኣተንሲኡ ከምዚ በሎ፡ ናብ ፈተና ከይትኣትዉስ ንቕሑን ጸልዩን፡፡ መንፈስ ተዳልዩ ኣሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ፡፡ (ማቴዎስ 26፡41)፡፡ ንሕና ድማ ከም ጴጥሮስ እቲ ቅኑዕ ክንገብር ንደሊ ክነስና ዓቕሚ ንስእን፡፡ ነቲ ቀጻሊ ድለዩ፡ ቀጻሊ ኳሕኩሑ፡ ቀጻሊ ሕተቱ ዝብል መግናሕቲ ኣምላኽ ንተግብር እሞ ንሱ ድማ ነቲ ዘድልየና ዓቕሚ ወይ ሓይሊ ክህበና እዩ (ማቴዎስ 7፡7)፡፡ ጸሎት ከም ሽሑር ወይ ንሕና ብእንደልዮ ስርዓት ኣይከውንን፡፡ ጸሎት ማለት ድሩትነትና ፈሊጥና ነቲ ዘይውዳእ ሓይሊ ኣምላኽ ተኣሚንና ነቲ ንሱ ክንገብሮ ዝደልየና እምበር ነቲ ንሕና እንደልዮ ከይንገብር ዘኽእለና ሓይሉ ምጽባይ እዩ (1ዮሃንስ 5፡14-15)፡፡

ራብዓይ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ዘዐውተና ትሕዝቶ ኸኣ ማሕበር ወይ ሕብረት ኣመንቲ እዩ፡፡ የሱስ ንደቂ መዛሙርቱ ክልእኮም እንከሎ በብጽምዲ ሰደዶም (ማቴዎስ 10፡1)፡፡ እቶም ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዘለዉ ወንጌላውያን ወይ ልኡኻት እውን በብሓደ ዘይኮነስ በብኽልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ተሰሪዖም ይወጹ ነበሩ፡፡ ብሕብረት ንሓድሕድና ብፍቕርን ሰናይ ግብርን ክንደጋገፍን ክንጸናናዕን እምበር ሕብረት ከይንሓድግ የሱስ ኣዚዙና ኣሎ (እብራውያን 10፡24)፡፡ ድኻማትና ኣብ ንሓድሕድና ክንገላለጽ ወይ ክንነጋገር ይነግረና (ያእቆብ 5፡16)፡፡ ኣብ መጽሓፍ ጥበብ ብሉይ ኪዳን እውን ከምቲ ሓጺን ንሓጺን ዘትብዖ ወይ ዘብልሖ ከምኡ ኸኣ ሰብ ንሰብ የትብዖ ወይ የብልሖ ተባሂሉና ኣሎ (ምሳሌ 27፡17)፡፡ ሓይሊ ኣብ ብዝሒ ይድለብ ኣሎ (መክብብ 4፡11-12)፡፡

ንዝመላለሰካ ወይ ዝኸበደካ ሓጢኣት ንምስዓር ሓደ መኻፍልቲ ብጻይ ክህልወካ ዓብዪ ጠቕሚ ከም ዘለዎ ብዙሓት ክርስትያን ይምስክሩ፡፡ እትዘራረቦ፡ እተማኽሮ፡ ምሳኻ ዝጽሊ፡ ዘተባብዓካን ዝገንሓካን ብጻይ ክህልወካ ኣዝዩ ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ፡፡ ፈተና ንኹልና ይበጽሓና እዩ (1ቆሮንጦስ 10፡13)፡፡ እተካፍሎ ብጻይ ወይ ጉጅለ ምስ ዝህልወካ ድማ ነቲ ዝመላለሰካ ሓጢኣት ኣብ ምስዓሩ እኹል ምትብባዕን ድርኺትን ክትረክብ ትኽእል፡፡

ሓደ ሓደ እዋን ከኣ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ብቕልጡፍ ምዕዋት ኣሎ፡፡ ካልእ እዋናት ድማ እቲ ዓወት ደንጒዩ ይመጽእ፡፡ ነዞም ትሕዝቶታት ምስ እንጥቀመሎም ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ለውጢ ከም ዝገብር ተስፋ ሂቡና ኣሎ፡፡ ኣምላኽ ኣብ ተስፍኡ እሙን ስለ ዝኾነ ድማ ኣብቲ ጻዕርና ብዘይ ምሕላል ንጽናዕ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ኣብ ክርስትያናዊ ህይወተይ ንሓጢኣት ብኸመይ ይስዕሮ?
© Copyright Got Questions Ministries