settings icon
share icon
ሕቶ

ኣድማሳውነት/ኣድማሳዊ ምድሓን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ድዩ?

መልሲ


ኣድማሳውነት ክበሃል ከሎ ኩሉ ሰብ ክድሕን እዩ ዝብል እምነት እዩ። ሎሚ ብዙሓት ሰባት ንኣድማሳዊ ምድሓን ዝብል ዝሓዙ ኣለው ስለዚ ድማ ኣብ መጨረሽታ ኩሎም ሰባት ኣብ ሰማይ እዮም ክዛዝሙ ኢሎም ይኣምኑ። ምናልባት እዚ ሓሳብ ናይቶም ሂወት ዘልኣለማዊ ስቓይ ኣብ ጋሃነም ዝነብሩ ዘለው ኣወዳትን ኣዋልድን ክኸውን ይኽእል እዩ ንገለ ንትምህርቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ጉዳይ ክንጽጉ ዝገብሮም። ናይ ገለ ኣዚኻ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽን ለውሃቱን ምጽቃጥ--ከምኡ ድማ ጽድቅን ፍትሕን ኣምላኽ ድማ ሸለል ምባል-- እዩ ኣምላኽ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ትነብር ነፍሲ ምሕረት ክገብር እዩ ኢሎም ክኣምኑ ዝገብሮም። ኮይኑ ግን ጽሑፋት ገለ ሰባት ኣብ ጋህነም ንዘልኣለም ክነብሩ ሙዃኖም ይምህሩ።

ብመጀመርታ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ዘይድሓኑ ኩሎም ንዘልኣለም ኣብ ገሃነም ከምዝነብሩ ግልጺ እዩ። ናይ የሱስ ናይ ባዕሉ ቃላት ድማ ናይ’ቶም ዝደሓኑ ኣብ ሰማይ ዘሕልፍዎ ግዜ ከም’ቲ ናይቶም ኣብ ጋህነም ዘሕልፍዎ ግዜ ከምዝኸውን የረጋግጽ። ማቴዎስ 25፡46 “እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ጻድቃን ግና ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።” ይብለና። ብመሰረት እዚ ጥቕሲ መቕጻዕቲ ናይ ዘይድሓኑ ልክዕ ከም ሂወት ጻድቃን ዘልኣለማዊ እዩ። ገለ ከኣ እቶም ኣብ ጋህነም ዘለው ኣብ መጨረሽታ ክጠፍኡ እዮም ኢሎም ይኣምኑ፡ ኮይኑ ግን ጎይታ ባዕሉ ንዘልኣለም ምዃኑ የረጋግጸልና እዩ። ማቴዎስ 25፡41 ከምኡውን ማርቆስ 9፡44 ን ጋሃነም ከም “ዘልኣለማዊ ሓዊ” ከምኡ’ውን “ዘይጠፍእ ሓዊ” ኢሎም ንጋሃነም ይገልጽዎ።

ሓደ ሰብ ከመይ ኢሉ እዩ ነዚ ዘየቋርጽ ሓዊ ዘወግድ? ብዙሓት ሰባት ኩሎም መገድታት--ኩሎም ሃይማኖታትን እምነታትን--ናብ ሰማይ ይመርሑ ኢሎም ይኣምኑ፡ ወይ ከኣ ኣምላኽ ፍቕርን ምሕረትን ዝመልኦ ስለዝኾነ ንኩሎም ሰባት ናብ ሰማይ ከፍቅደሎም እዩ ኢሎም ይሓስቡ። ልክዕ እዩ ኣምላኽ ፍቕርን ምሕረትን ዝመለኦ እዩ፡ እዞም ባህርያት እዚኦም እዮም ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ኣብ መስቀል ክመውት ናብ ምድሪ ክልእኮ ዝገበሮ። የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ እቲ በይኑ ዝኾነ ማዕጾ ናብ ዘልኣለምነት ናብ ሰማይ ዝመርሕ። ግብሪሃዋርያት 4፡12 ከም’ዚ ይብለና፡ “ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።” “ማለት፥ ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ የሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ።” (1 ጤሜጤዎስ 2፡5)። ኣብ ዮሃንስ 14፡6 የሱስ ከም’ዚ ይብል “የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።” ዮሃንስ 3፡16 “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” ንወዲ ኣምላኽ ክንነጽጎ እንተድኣ መሪጽና ፡ ንሕና ናይ ምድሓን ግዴታታት ኣየማላእናን ኣሎና (ዮሃንስ 3፡16፡ 18፡ 36)

ብከምዚኦም ጥቕስታት እዚኣቶም ዝኣመሰሉ፡ ኣድማሳውነትን ኣድማሳዊ ምድሓንን ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊ እምነታት እዮም። ኣድማሳውነት ቀጥታ ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርታት ይጋጮ እዩ። ብዙሓት እኳ ንክርስትያናት ዘይጻወሩን “ናህና ጥራይ” በሃልትን ጌሮም ይኸስዎም እንተኾንኑ፡ እዚኣቶም ግን ናቱ ናይ ክርስቶስ ቃላት ሙዃኖም ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። ክርስትያናት ባዕሎም ነዞም ሓሳባት ኣየምጽእዎምን፡ ክርስትያናት ኣቐዲሙ ክርስቶስ ዝበሎ ጥራይ እዮም ዝዛረቡ ዘለው። ሰባት ነቲ መልእኽቲ ክነጽግዎ ዝመርጹ ከኣ ንሳቶም ንሓጥያቶም ክርእዩ ስለዘይደልዩን ከምኡ ድማ ንምድሓኖም ጎይታ ከምዘድልዮም ክእመኑ ስለዘይደልዩን እዩ። እቶም ናይ ኣምላኽ ናይ ምድሓን ህያብ ብየሱስ ክርስቶስ ዝነጽጉ ክድሕኑ እዮም ምባል ንቅድስናን ፍትሕን ናይ ኣምላኽ ከምኡድማ ንኣድላይነት ናይ የሱስ መስዋእቲ ኣብ ክንዳና ምንእኣስ እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ኣድማሳውነት/ኣድማሳዊ ምድሓን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ድዩ?
© Copyright Got Questions Ministries