settings icon
share icon
ሕቶ

መን እዮም እቶም ዓሰርተ ክልተ (12) ደቂ መዛሙርቲ/ሃዋርያት ናይ የሱስ ክርስቶስ?

መልሲ


“ወደ መዝሙር” ዝብል ቃል ን ተምሃራይ ወይ ሰዓቢ የመልክት። “ሃዋርያ” ዝብል ቃል ድማ ሓደ ዝተላእከ ማለት እዩ። የሱስ ኣብ መሬት ከሎ፡ እቶም ዓሰርተ ክልተ ሰዓብቱ ደቀ መዛሙርቲ ተጸዊዖም። እቶም ዓሰርተ ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ ክርስቶስ ሲዒቦሞ፡ ካብኡ ተማሂሮም፡ ብኡኡ ድማ ሰልጢኖም። ድሕሪ ትንሳኤኡን ዕርገቱን፡ የሱስ ክርስቶስ መሰኻክሩ ክኾኑ ሊኢኽዎም (ማቴዎስ 28፡18-20፡ ግብረሃዋርያት 1፡8)። ካብኡ ድማ ንሶም ዓሰርተ ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ተሰምዮም። እንተኾነ ግን፡ የሱስ ገና ኣብ ምድሪ እንከሎ’ውን እቶም “ደቀ-መዛሙርቲ” ከምኡ’ውን “ሃዋርያት” ዝብሉ ስያመታት እንዳተቐያየሩ ይዝውተሩ ኔሮም እዮም።

እቶም ቀዳሞት ዓሰርተ ክልተ ደቀ መዛሙርቲ/ሃዋርያት ኣብ ማቴዎስ 10፡2-4 ተዘርዚሮም ኣለው፡ “ስማት እቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት እዚ እዩ፡ ቀዳማይ እቲ ጴጥሮስ ተብሂሉ ዘሎ ስምኦን፡ እንድርያስ ከኣ ሓዉ። ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስ፡ ዮሃንስ ከኣ ሓዉ። ፊልጶስን በርተሎሜዎስን ቶማስን ማቴዎስ እቲ ተጋውን። ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን እቲ ታዴዎስ ተብሂሉ ዘሎ ልብድዮስን፡ ስምኦን ብዓል ቃናን እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ኣስቆሮታውን። ።” ብተወሳኺ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ማርቆስ 3፡16-19 ከምኡ’ውን ሉቃስ 6፡13-16 ነቶም ዓሰርተ ክልተ ደቀ መዛሙርቲ/ሃዋርያት ይዝርዝር። ምንጽጻር ናይ’ዞም ሰለስተ ጽሑፋት ድማ ክልተ ንኣሽቱ ፍልልያት ኣብ ኣስማት የርኢ። ታዴዎስ ከኣ ብተወሳኺ“ይሁዳ ወዲ ያቆብ” ዝብሃል ዝነበረ ይመስል (ሉቃስ 6፡16) ከምኡ’ውን ልብድዮስ (ማቴዎስ 10፡3)። ስምኦን እቲ ቀናእ ድማ ስማኦን ከንኣናዊ’ውን ይብሃል ኔሩ እዩ (ማርቆስ 3፡18)። እቲ ንየሱስ ዝኸሓዶ ይሁዳ እስቆረታዊ ድማ ኣብ’ቶም ዓሰርተ ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ብ ማትያስ ተተኪኡ (ግብሪሃዋርያት 1፡20-26 ርአ)። ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምሃራን ን ማትያስ ከም “ዘይቅቡል” ሃዋርያ ይርእይዎን ስለዚ ድማ ጳውሎስ እዩ ን ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዝትክእ መበል ዓሰርተ ክልተ ሃዋርያ ዝኸውን ናይ ኣምላኽ ምርጫ ኢሎም ይኣምኑን።

እቶም ዓሰርተ ክልተ ደቀ መዛሙርቲ/ሃዋርያት ከኣ ኣምላኽ ብፍሉይ መገዲ ዝተጠቕመሎም ተራ ሰብኡት እዮም ኔሮም። ኣሞንጎ እቶም ዓሰርተ ክልተ ድማ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ተገውቲን ለውጢ ዝደልዩን ኔሮም። እቶም ወንጌላት ነቲ ናይ ቀጻሊ ውድቀት፡ ቃልሲን ምጥርጣራትን ናይ’ዞም ዓሰርተ ክልተ ንየሱስ ዝስዓቡ ሰብኡት ይሕዙ። ናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤን ዕርገትን ናብ ሰማይ ድሕሪ ምርኣዮም፡ መንፈስ ቅዱስ ነቶም ዓሰርተ ክልተ ደቀ መዛሙርቲ/ሃዋርያት ንዓለም ዝገልበጡ ሓያላት ናይ ኣምላኽ ሰባት ጌሩ ለዊጥዎም (ግብረሃዋርያት 17፡6)። እንታይ እዩ ኔሩ እቲ ለውጢ? እቶም ዓሰርተ ክልተ ደቀ መዛሙርቲ/ሃዋርያት “ምስ የሱስ ከም ዝነበሩ ” (ግብረሃዋርያት 4፡13)። ብዛዕባና ድማ ከምኡ ይበሃለልና!

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መን እዮም እቶም ዓሰርተ ክልተ (12) ደቂ መዛሙርቲ/ሃዋርያት ናይ የሱስ ክርስቶስ?
© Copyright Got Questions Ministries