settings icon
share icon
ሕቶ

እንታይ እዩ እቲ ጸበባ? እቲ ጸበባ ኣብ ሸውዓተ ዓመት ከምዝፍጸም ብከመይ ንፈልጥ?

መልሲ


እቲ መከራ ዝበሃል፡ ኣምላኽ ስርዓት እስራኤል ዝፍጽመሉን፡ ናይቶም ዘይኣመንቲ ዓለም፡ መቕጻዕቱ ዝድምድመሉ መጻኢ ሸውዓተ ዓመት፡ እዩ። ኣብቲ ናይ መከራ እዋን፣ እታ ቤተ-ክርስትያን፡ ብኩሎም እቶም ብስብእናን ዕዮን ጎይታ የሱስ፣ ዝኣምኑ፣ ብሰሪ ሓጥኣት ከይቕጽዑ ንከድሕኖም ዝኣምኑ፣ ኣብቲ ግዜ መከራ ኣይክህልዉን እዮም። ዘመን ምንጣቕ ተባሂሉ፡ ኣብ ዝፈለጥ እዋን፣ ቤተ-ክርስትያን ካብ ምድሪ ክትውሰድ እያ። (1ይ ተሰሎንቄ 4:13-18; 1ይ ቆረንቶስ 15:51-53)። ቤተ-ክርስትያን ካብቲ ዝመጽእ ቁጥዓ ክትድሕን እያ። (1ይ ተሰሎንቄ 5:9). ኣብ ብምሉኡ ጽሑፍ፡ መዓልቲ መከራ ብካልእ ስያሜታት ከም መዓልቲ ጎይታ ተባሂሉ ይጥቀስ፣ (ኢሳይያስ 2:12; 13:6-9; ዮኤል 1:15; 2:1-31; 3:14; 1ይ ተሰሎንቄ 5:2)፡ ጸበባ ወይ መከራ (ዘዳግም 4:30፣ ጸፎንያስ 1:1)፣እቲ ዓብዪ መዓልቲ መከራ፣ ነቲ ኣዝዩ ውዕዉዕ መፋርቕ ሸውዓተ ዓመት የመልክት፡ (ማቴዎስ 24:21)፣ ዘመን ወይ እዋን ጸበባ (ዳኒኤል 12:1፣ ጸፎንያስ 1:15)፣ ናይ ያዕቆብ ግዜ ጸበባ (ኤርምያስ 30:7).

ንዳኒኤል 9:24-27 ምስትውዓል ኣድላይ ዝኾነሉ፡ ንዕላማን፡ ዘመን ጸበባን ንከተስተውዕል እዩ። እዚ ጽሑፍ እዚ ኣንጻር “ህዝብኻ” ንዝተመደበ 70 ሰሙናት ይዛረብ። ህዝቢ ዳኒኤል፡ ኣይሁድ፡ ሃገረ እስራኤልን፣ ኣብ ዳኒኤል 9:24 “ንዕልወት መዳእታ ክግበሮ፡ ሓጢኣት ክውዳእ፡ ኣበሳ ክዕረቕ፡ ዘልኣለማኣዊ ጽድቂ ክኣቱ፡ ራእይን ትንቢትን ክሕተም፡ ናይ ቅዱሳን ቅዱስ ምእንቲ ክቕባእሲ”፡ እናበለ፡ ኣምላኽ ክፍጽሞ ንዝኣመሞ ግዜ ይዛረብ። “ኣብ ህዝብኻን ኣብታ ቅድስቲ ከተማኻን ሰብዓ ሰሙን ተመዲቡ እዩ። ነዚ ዝተባህለ ተግባራት ንክማላእ ድማ ኣምላኽ “ሰብዓ ነናይ ሸውዓተ” ኣዊጁ ኣሎ። እዚ 70 ነናይ ሸውዓተ ዓመታት፣ ወይ 490 ዓመታት እዩ። (ገለ ትርጓሜታት ንዓመታት ናይ ሰብዓ ሰሙናት የመልክቱ።) እዚ ድማ ኣብ ካልእ ክፋል ናይ ዳኒኤል ጽሑፍ ተረጋጊጹ ኣሎ። ኣብ ጥቕስታት 25ን 26ን፣ ድሕሪ “ሸውዓተ ነናይ ሸውዓተን፡ ስሳን ክልተን ነናይ ሸውዓተ” (ብድምር 69) በቲ ድንጋገ፣ እስራኤል ዳግማይ ክትህነጽ ዝጅመረሉ ግዜ፡ መሲህ ክቕተል ምዃኑ ንዳኒኤል ተነጊርዎ ኣሎ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተረኽቲ ከም ዘረጋግጽዎ፡ ካብ ዳግማይ ህንጸት የሩሳሌም ክሳብ ስቕለት የሱስ ዝነበረ ግዜ፡ 483 ዓመታት እዩ። መብዛሕትኦም ምሁራን ክርስትያን፡ ናይ ኤስካቶሎጂ፡ ርእይቶኦም ብዘየገድስ፣ (መጻኢ ነገራት/ኩነታት)፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፡ ናይ ዳኒኤል 70 ነናይ ሸውዓተ፡ ዝብል ርድኢት እዩ ዘለዎም።

ካብ ውሳኔ ዳግመ ህንጸት የሩሳሌም ዝሓለፈ 483 ዓመታት ክሳብ ስቕለት መሲህ፣ ነቲ ኣብ ዳኒኤል 9:24 ክማላእ ዘለዎ ትሕዝቶ:- “ ንዕልወት መዳእታ ክግበሮ፡ ሓጢኣት ክውዳእ፡ ኣበሳ ክዕረቕ፡ ዘልኣለማኣዊ ጽድቂ ክኣቱ፡ ራእይን ትንቢትን ክሕተም፡ ናይ ቅዱሳን ቅዱስ ምእንቲ ዝቕብኣሉ” ሸውዓተ ዓመታት ገዲፉ ኣሎ። እቲ ናይ መወዳእታ ሸውዓተ ዓመታት ዘመን ጸበባ እናተባህለ ዝፍለጥ እዋን፣ - ፍርዲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት እስራኤል፣ ዝውድኣሉ ግዜ እዩ።

ኣብ ዳኒኤል 9:27 ኣብ ሸውዓተ ዓመት ዘመን ጸበባ ሒደት ኣገደስቲ መብሪሂታት ሂቡ ኣሎ: “ንሱ ንሓደ ‘ሸውዓተ [ሰሙን]’ ምስ ብዙሓት ኪዳን ክኣቱ እዩ፡ ኣብ ፈርቓ እታ ‘ሸውዓት [ሰሙን]’ ከኣ ነቲ መስዋእቲ ሕሩድን ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ከወድግ እዩ። እቲ መጥፍኢ ድማ ብኣኽናፍ ርኽሰት ክመጽእ እዩ፡ እዚ ኸኣ ክሳብ እቲ ምዱብ መፈጸምታ፡ ኣብቲ መጥፍኢ ዚወርድ እዩ።” እዚ ጥቕሲ’ዚ ዝዛረበሉ እዚ ሰብ’ዚ፣ እቲ ክርስቶስ “ናይ ጥፍኣት ርኽሰት” ኢሉ ዝጽውዖን (ማቴዎስ 24:15) ኣብ ራእይ 13 “ኣራዊት” ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ እዩ። ኣብ ዳኒኤል 9:27 እቲ ኣራዊት ንሸውዓተ ዓመታት ኪዳን ክኣቱ እዩ ይብል፣ ግናኸ ኣብ ፈረቓ እዘን ሰሙን፣ (3 ½ ዓመታት ናብ ጸበባ), ነቲ መስዋእቲ ብምውጋድ፡ ንሱ ክዳን ከፍርስ እዩ። ራእይ ዮሃንስ 13፣ እቲ ኣራዊት፣ ኣብ ቅዱስ ስፍራ ምስሉ ክገብርን፡ ከም ዝሰግዱሉ ክገብር ኢሉ ይገልጽ። ኣብ ራእይ 13:5 ድማ እቲ ኩነት ን42 ኣዋርሕ፣ ማለት 3 ዓመይን መንፈቕን ክቕጽል እዩ ይብል። ኣብ ዳኒኤል 9:27 እቲ ኩነታት ኣብ ፈረቓ ናይቲ ሰሙን ክኸውን እዩ ዝብልናብ ራእይ 13:5 እቲ ኣራዊት ኣብ 42 ኣዋርሕ ክዓይይን እዩ ዝብሎን፣ እቲ ግዜ ብድምር84 ኣዋርሕወይ ሸውዓተ ዓመታት ምዃኑ ብቀሊሉ ይርአ። ከምኡ’ውን ኣብ ዳኒኤል 7:25 እቲ ግዜ “ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን” (ዘመን=1 ዓመት; ዘመናትን=2 ዓመታት፣ ፍርቂ ዘመን=1/2 ዓመት፣ ብጠቕላላ 3 1/2 ዓመታት) ከምኡ’ውን “እቲ ዓብዪ ጸበባ” እቲ ፈረቓ ናይ ሸውዓተ ዓመት እዋን ጸበባ፡ እቲ ኣራዊት ኣብ ስልጣን ዝዂየጠሉ ምዃኑ ተመልክት።

ብዛዕባ ዘመን ጸበባ ተወሳኺ መወከሲታት፣ ኣብ ራእይ 11:2-3፣ ብዛዕባ 1260 መዓልትታት ዝዛረብን 42 ኣዋርሕን፡ ከምኡ’ውን ዳኒኤል 12:11-12 ን1290 መዓልትታን ን1335 መዓልትታትን ኣመልኪቱ ዝዛረብ ተመልከት። እቶም መዓልትታት ኣብ ፍርቂ ዘመን ጸበባ ከምዘለዎ መወከሲ ኣለዎም። እቶም ተወሰኽቲ መዓልትታት ኣብ ዳኒኤል 12 ዘለዉ፣ነቶም ኣብ መወዳእታ ዘመን፣ ፍጻሜ ፍርዲ እተን ሃገራት [ ዓለም] ዘጠቓልልን (ማቴዎስ 25:31-46) ናይ ክርስቶስ ናይ ሽሕ ዓመት ንግስነቱ ምቛምን ክኸውን ይኽእል እዩ (ራእይ 20:4-6).

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

እንታይ እዩ እቲ ጸበባ? እቲ ጸበባ ኣብ ሸውዓተ ዓመት ከምዝፍጸም ብከመይ ንፈልጥ?
© Copyright Got Questions Ministries