settings icon
share icon
ሕቶ

ንምንታይ እዩ ኣምላኽ ንኦም ፍልጠት ናይ ሕማቕን ጽቡቕን ኣብ ገነት ኤደን ኣቐሚጥዋ?

መልሲ


ኣምላኽ ንኦም ፍልጠት ናይ ሕማቕን ጽቡቕን ኣብ ገነት ኤደን ዘቐመጣ፡ ንኣዳምን ሄዋንን ምርጫ ናይ ንዑኡ ምእዛዝ ወይ ዘይምእዛዝ ንምሃብ እዩ? ኣዳምን ሄዋንን ብዘይካ ካብ ኦም ፍልጠት ሕማቕን ጽቡቕን ምብላዕ ዝደለይዎ ክገብሩ ነጻ እዮም ኔሮም። ኦሪት ዘፍጥረት 2፡16-17 “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንሰብ፡ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ፡ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢሉ አዘዞ”። ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ነቲ ምርጫ ሂብዎም እንተዘይነብር፡ ንሳቶም ዝተዋህቦም ጥራይ ዝገብሩ ከም ሮቦትስ ምኾኑ ኔሮም። ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን “ናጻ” ፍጡራት ክኾኑ፡ ውሳኔ ክገብሩ ክኽእሉ፡ ኣብ ሞንጎ ሕማቕን ጽቡቕን ክመርጹ ክኽእሉ እዩ ፈጢርዎም። ኣዳምን ሄዋንን ብሓቂ ናጻ ንክኾኑ፡ ምርጫ ክህልዎም ኔርዎም።

ብቀንዱ ብዛዕባ እታ ኦም ወይ ፍረ እታ ኦም ዝኾነ ክፉእ ኣይነበረን። እታ ፍረ ብውሽጣ ወይ ባዕላ፡ ዝኾነ ካልእ ፍልጠት ክትህቦም ዘይመስል እዩ። እዚ ከኣ እታ ፍረ ብኣካላ ገለ ቪታሚን ሲን ከምኡ ድማ ገለ ጠቓሚ ጽሕጊ ሒዛ ኔራ ትኸውን እያ፡ እንተኾነ ግን ብመንፈሳዊ ነገር ሃናጺት ኣይነበረትን። ኮይኑድማ፡ እቲ ተግባር ናይ ዘይምእዛዝ ድማ ብመንፈስ ጎዳኢ ኔሩ። እታ ሓጥያት ናይ ኣዳምን ሄዋንን የዒንቲ ናብ ሕማቕ ከፊታ። ንመጀመርታ ግዜ ድማ ሕማቕ እንታይ ሙዃኑ ፈሊጦም፡ ሕፍረት ተሰሚዕዎምን ካብ ኣምላኽ ድማ ክሕብኡ ደልዮምን። ናቶም ንኣምላኽ ናይ ዘይምእዛዝ ሓጥያት ድማ ንገዛእ ርእሶምን ንዓለምን ኣባላሽዩዋ። ምብላዕ እታ ፍረ፡ ከም ተግባር ናይ ዘይምእዛዝ ኣንጻር ኣምላኽ እዩ ንኣዳምን ሄዋንን ፍልጠት ናይ ሕማቕ--ከምኡ’ውን ፍልጠት ናቶም ጥርሖም ሙዃኖም ኣምጺእሎም(ኦሪት ዘፍጥረት 3፡6-7)።

ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ሓጥያት ክገብሩ ኣይደለዮምን። ኣምላኽ ሳዕቤን ናይ ሓጥያት እንታይ ከምዝከውን ኪንዮ ግዜ ፈሊጡ ኔሩ። ኣምላኽ ኣዳምን ሄዋንን ሓጥያት ከምዝገብሩን ብኡ ኣቢሎም ድማ ክፉእ፡ ስቓይን ሞትን ናብ ዓለም ከምዘምጽኡ ይፈልጥ ኔሩ። ከምኡ እንተኾይኑ፡ ስለምንታይ እዩ ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ብ ሰይጣን ክፍተኑ ኣፍቂዱ? ኣምላኽ፡ ንኣዳምን ሄዋንን ሰይጣን ነቲ ምርጫ ክገብሩ ከገድዶም ክፍትኖም ኣፍቂዱሉ። ኣዳምን ሄዋንን ብናቶም ናጻ ፍቓድ ንኣምላኽ ንከይእዘዙን ነታ ዝተኸልከለት ፍረ ክበልዑን መሪጾም። እቶም ውጺኢታት--ክፋኣት፡ ሓጥያት፡ ስቓይ፡ ሕማምን ሞትን--ንዓለም ካብ ጥንቲ ወቒዖማ። ናይ ኣዳምን ሄዋንን ውሳኔ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብናይ ሓጥያት ባህሪ ከምዝውለድ ጌርዎ። ናይ ኣዳምን ሄዋንን ውሳኔ እዩ ኣብ መጨረሽኡ ን የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ክመውትን ደሙ ድማ ኣብ ክንዳና ከፍስስን ዘድለዮ። ብእምነት ብክርስቶስ፡ ካብ ናይ ሓጥያት ሳዕቤናትን ካብ ሓጥያት ንባዕሉን ናጻ ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣብ ሮሜ 7፡24-25 ዘሎ ንቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ ክንደግም ንኽእል ኢና “ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ፡ ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ እዩ፧ ንኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ።!”

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ንምንታይ እዩ ኣምላኽ ንኦም ፍልጠት ናይ ሕማቕን ጽቡቕን ኣብ ገነት ኤደን ኣቐሚጥዋ?
© Copyright Got Questions Ministries