settings icon
share icon
ሕቶ

ክርስትያናት ናይ ካልኦት ሰባት ሃይማኖታዊ እምነት ክጻወርዎ ኣለዎም ዶ?

መልሲ


ኣብ ናይ ዘመንና “ምጽውዋር” ሞራላዊ ተዛማድነት ከም ዝለዓለ ጭውነት እዩ ዝድፍኣሉ። እቲ ኣማኒ ተዛማድነት ነፍሲ-ወከፍ ፍልስፍና፡ ሓሳብን ስርዓተ እምነትን ማዕረ ብቕዓት ኣለዎን ማዕረ ኣክብሮት ድማ ይግብኦ ይብልን። እቶም ንሓንቲ ስርዓተ እምነት ኣብ ልዕሊ ካልእ እምነት ዝመርጹ ወይ--ከማን ዝኸፈአ--ፍልጠት ፍጹም ሓቂ ከም ጸቢብ ኣእምሮ፡ ደንቆሮ ወይ ደረቕ መርገጺኡ ይቑጸር።

ልክዕዩ፡ ዝተፈላለዩ እምነታት ንሓድሕዶም ዘይተኣታተው መርገጺታት ኣለዎም ስለዚ ድማ ኣማኒ ተዛማድነት ንግሉጽ ዝኾነ ምግጫዋት ብስነ-ሞጎት ክፈትሖ ኣይክእልን እዩ፡ ንኣብነት መጽሓፍ ቅዱስ “ንሰብ ሓንሳብ ሞት ብድሕሪኡ ድማ ፍርዲ ተሰሪዕዎ ኣሎ__” ይብል (እብራውያን 9፡27)፡ ካልኦት ናይ ምብራቕ ሃይማኖታት ድማ ሰብ ምስ ሞተ ዳግም እዩ ዝፍጠር ኢለን ይምህራ። ስለዚ ሓንሳብ ዲና ንመውት ወይስ ብዙሕ ግዜ ኢና ንመውት? ክልቲኦም ትምህርትታት ሓቂ ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም። እቲ ኣብ ተዛማድነት ዝኣምን ግርምቢጥ ዝኾነት ዓለም ንምፍጣር ን ሓቂ ደጋጊሙ እዩ ዝገልጻ፡ ኣብ’ዚ ድማ ብዙሕ ዝኾነ ተጋጫዊ “ሓቅታት” ብሓደ ክነብር እይክእልን እዩ።

የሱስ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።” ይብል (ዮሃንስ 14፡6)። ክርስትያን ንሓቂ ከም ሓሳብ ዘይኮነ ከም ሰብ እዩ ተቐቢልዋ። እዚ ኣፍልጦ ናይ ሓቂ ድማ ንክርስትያን ካብ’ቲ ናይ ሎሚ “ክፉት-ሓንጎል ሙዃን” ተባሂሉ ዝፍለጥ የርሕቖ። ክርስትያን ምስ ብዙሓት ኮይኑ ንየሱስ ካብ ምዉታት ከምዝተንሰአ ተኣሚኑ እዩ (ሮሜ 10፡9-10)። ብሓቂ ኣብ ትንሳኤ ዝኣምን እንተኾይኑ፡ ከመይ ኣቢሉ እዩ እሞ ብዛዕባ የሱስ ኣይተሰአን ዝብል መርገጺ “ክፉት ሓንጎል” ክኸውን? ንክርስትያን ነቲ ንጹር ዝኾነ ምህሮ ቃል ኣምላኽ ምኽሓድ ድማ ብርግጽ ንኣምላኽ ምኽሓድ እዩ።

ዛጊት ኣብ ኣብነታትና ነቶም መሰረታት ናይ እምነት ጠቒስና ሙዃንና ኣስተብህሉ። ሓደ ሓደ ነገራት (ከም ኣካላዊ ትንሳኤ ናይ ክርስቶስ) ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣትዉ ኣይኮኑን። ካልኦት ነገራት ከም ንመጽሓፍ እብራውያን መን ጽሒፍዋ ወይ ዓይነት ናይ ጳውሎስ “ግራጭ ኣብ ስጋኡ” ንክትዕ ክፉታት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ካልኣዊ ዝኾኑ ነገራት ኣብ ዓዘቕቲ ናይ ክትዓት ካብ ምእታው ከነወግድ ኣሎና (2 ጢሜጢዎስ 2፡23፡ ቲቶስ 3፡9)።

ዋላ’ውን ኣብ ፍሉጣት ዝኾኑ ትምህርትታት/ዶክትሪናት ክንካታዕ/ክንዘራረብ ከሎና፡ ክርስትያን ክግታእን ኣኽብሮት ከርእን ይግባእ። ምስ ሓደ መርገጺ ዘይምስምማዕ ሓደ ነገር እዩ፡ ንሓደ ሰብ ግን ምስትንዓቕ ግን ካልእ ነገር እዩ። ንሓቂ ኣጽኒዕና ብምሓዝ ነቶም ንሓቂ ሕቶ ዘቕርቡላ ግን ርህራሄ ከነርኢ ይግብኣና። ንሕና ከም የሱስ ክልቲኡ ጸጋን ሓቅን ዝመልኣና ክንከውን ኣሎና (ዮሃንስ 1፡14)። ጴጥሮስ ኣብ ሞንጎ ምሃብ መልስን ትሕትና ምህላውን ጽቡቕ ኣብነት ይህብል “ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን።” (1 ጴጥሮስ 3፡15)።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ክርስትያናት ናይ ካልኦት ሰባት ሃይማኖታዊ እምነት ክጻወርዎ ኣለዎም ዶ?
© Copyright Got Questions Ministries