settings icon
share icon
ሕቶ

የሱስ ዓርቢ ድዩ ተሰቒሉ ? ከምኡ 'ተኾይኑ ፡ ከመይ ኢሉ እዩ ኣብ መቓብር ሰለስተ መዓልቲ ዝገብር ፡ እሞ ኸኣ ሰንበት ተንሲኡ 'ተኾይኑ?

መልሲ


ዝየሱስ ኣበየናይ መዓልቲ ከምዝተሰቕለ መጽሓፍ-ቅዱስ ብንጹር ኣይገልጾን እዩ። እቶም ኣዝዮም ፍሉጣት ርእይቶታት ዓርብን ሮቡዕን እዮም። ገሊኦም ንናይ ዓርብን ሮቡዕን ሓሳብ ኣቀናቢሮም ነታ መዓልቲ ናብ ሓሙስ ዘዕልብዋ ኣለዉ ፡፡

ኣብ ማቴዎስ 12፡40 የሱስ ዝበሎ ፡ "ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝገበረ፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኪገብር እዩ።" እቶም ዓርቢ ዝብሉ ፡ ሕጂውን ኣብቲ መቓብር ሰለስተ መዓልቲ ከምዝገበረ ዝሕሰበሉ ቅቡል መገዲ ኣሎ ይብሉ ፡፡ በተሓሳስባ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘመን ኣይሁድ ፡ ንፍርቂ መዓልቲ ከም ሓንቲ ምልእቲ መዓልቲ ጌሮም ይወስድዋ ነበሩ። የሱስ ከኣ ካብ ፍርቂ ናይ ዓርቢ ጀሚሩ፡ቀዳም ብምልእታ፡ ክፋል ናይ ሰንበት እውን ተደማሚሩ ኲሉ ሙሉ ኣብቲ መቓብር ሳልስቲ ከምዝገበረ ይውሰድ ነበረ ፡፡ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምጒት ናይ ዓርቢ ፡ ከምቲ ኣብ ማርቆስ 15፡42 ዝርከብ ፡ የሱስ ቅድሚ ሰንበት ተሰቒሉ ስለዝብል እዩ ፡፡ እታ ሰሙናዊት ሰንበት ፡ ማለት ቀዳም እታ ሰንበት ንእሽተይ እንተኔራ ፡ እዚ ጭብጢ ናብ ስቕለት ናይ ዓርቢ ይወስደና ። እዞም ናይ ዓርቢ ዘምጽእዎ ካልእ ምጒት ከኣ ፡ የሱስ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ከምዝትንስእ ፡ ከም ማቴዎስ 16፡21፥ ሉቃስ 9፡22 ዘመሰሉ ጥቕስታት ይምህሩ ፡ ስለዚ እምበኣር ኣብቲ መቓብር ሰለስተ መዓልትን ለይትን ምሉእ ክገብር ኣየድልዮን ። ገለ ትርጒማት መጽሓፍ-ቅዱስ ነዛ ጥቕሲ ሳልሰይቲ መዓልቲ እኳ እንተበልዋ ፡ ኲላቶም ግና ኣይኮነን ከምኡ ዝብሉ ፡ ኲሉ ሰብ ከኣ እታ ሳልሰይቲ መዓልቲ እያ ኢሉ ኣይሰማማዕን እዩ። ብተወሳኺ ከኣ፡ የሱስ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ከምዝትንስእ ማርቆስ 8፡31 ይብል እዩ ፡፡

እቲ ናይ ሓሙስ ምጒት ነቲ ናይ ዓርቢ ተወሲኽዎ እንክምጒት ፡ ኣብ ሞንጎ ቀብሪ የሱስን ሰንበትን ዘሎ ናይ ግዜ ጋግ ነዚ ኲሉ ፍጻመታት (ክሳዕ 20 ዝበጽሕ ጸብጻባት) ከካትቶ ኣይክእልን እዩ ። እቶም ናይ ሓሙስ ተጣበቕቲ ፡ ኣብ ሞንጎ ዓርብን ሰንበትን ዘላ እንኮ ምልእቲ መዓልቲ እታ ናይ ኣይሁድ ሰንበት ዝኾነት ቀዳም ጥራይ ምዃና ይጥቁሙ። ክልተ ወይ ዝያዳ መዓልታት ምውሳኽ ነቲ ጸገም ይንክዮ ኣሎ። ንጥብቅነት ሓሙስ ዝቖሙ ዘመኻንይዎ ፡ ንሓደ ዓርክኻ ካብ ሶኒ ምሸት ኣትሒዝካ ኣይረኣኻዮን ንበል ፡ ኣብ ናይ ሓሙስ ንጉሆ ኣቢልካ ትረኽቦ እሞ ፡ ኣብዚ ሰለስተ መዓልቲ ኣይረኣኹኻን ፡ ትብሎ ፡ ዋላ እኳ ብቴክኒካዊ 2.5 መዓልታት እንተኾነ። የሱስ ሓሙስ ተሰቒሉ እንተኾይኑ ፡ ከምዚ ኣብነት ዘርእዮ፡ ከም ሳልስቲ ይውሰድ ፡፡

እቲ ኣብ ናይ ሮቡዕ ዝብሉ ከኣ ፡ ኣብቲ ሰሙን ክልተ ሰንበታት ኔረን ፡፡ ድሕሪ እታ ቀዳመይቲ ሰንበት (ኣጋ ምሸት ናይ ስቕለት ዝኾነ [ማርቆስ 15፡42 ፥ ሉቃስ 23፡52-54] )፡ እተን ኣንስቲ ቕዲት ዓዲገን ድሕሪ ሰንበት ዓባይ ሒዘንኦ ከዳ (ማርቆስ 16፡1) ፡፡ እቲ ናይ ሮቡዕ ርእይቶ ከም ዝብሎ ፡ እዛ ሰንበት ናይ ፋሲካ እያ ኔራ ፡ (ዘሌዋውያን 16፡29-31 ፥ 23፡24-32 ,39) በዓላት ከምታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ከም ሰንበት እዮም ዝቚጸሩ ፡፡ እታ ካልአይቲ ሰንበት ናይቲ ሰሙን ትኸውን ዘላ እታ ፍልጥቲ ሰሙናዊት ሰንበት እያ ፡፡ ኣብ ሉቃስ 23፡56 ዘሎ ኣስተብህል ፡ ቅድሚ እታ ቀዳመይቲ ሰንበት ቕዲት ዝዓደጋ ኣንስቲ ተመልሳ እሞ ነቲ ሽቱ ኣቃሚመንኦ እየን ፡ ሽዑ ብሰንበት ዓረፋ። እቲ ምጒት ከምዝብሎ ፡ ነቲ ቕዲት ድሕሪ ሰንበት

ክዕድጋኦ ኣይክእላን እየን ፡ ክልተ ሰናብቲ እንተዘይነብራ ኔረን ፡ ነቲ ሽቱ ቅድሚ ሰንበት ኣቃሚመንኦ ኣይምጸንሓን ፡፡ እሞ ብርእይቶ ክልተ ሰናብቲ ፡ ክርስቶስ ሓሙስ ተሰቒሉ እንተኔሩ ፡ እታ ዓባይ ቅድስቲ ሰንበት (ፋሲካ) ካብ ጸሓይ ዕራርቦ ናይ ሓሙስ ጀሚሩ ክሳብ ኣጋ ምሸት ዓርቢ ትኸውን ኣላ ፡ ኣብ ምፍላም ሰሙናዊት ሰንበት ፡ ማለት እታ ቀዳም። ድሕሪ እታ ቀዳመይቲ ሰንበት (ፋሲካ) ቀመማት ሽቱ ምስዓደጋ ፡ ቀዳም መዓልቲ ዓዲገንኦ ማለት እዩ ፡ እሞ ንሰንበት የፍርሳኣ ኣለዋ ፡፡

እምበኣርከስ ፡ ብናይ ሮቡዕ ኣረኣእያ ፡ ነተን ኣብ ጸብጻብ ቅዱስ ጽሑፍ ዘለዋ ኣንስትን ከምኡ’ውን ቕዲትን ዘይጻረር እንኮ መግለጺ ፡ ቃል ብቓል መረዳእታ ናይ ማቴዎስ 12፡40 ኰይኑ ፡ ክርስቶስ ዝተሰቕለ ኣብ ሮቡዕ እዩ፡፡ እታ ዓባይ በዓል ሰንበት(ፋሲካ) ኣብ ሓሙስ እያ ውዒላ፡ እተን ኣንስቲ (ድሕሪኡ) ኣብ ዓርቢ እየን ቀመማት ዓዲገን፡ ሽዑ ኣብታ መዓልቲ እየን ተመሊሰን ቕዲት ዘዳለዋ ፡ ኣብ ቀዳም እታ ሰሙናዊት ሰንበት ዝኾነት መዓልቲ ከኣ ዓረፋ ፡ብጊሓት ሰንበት ድማ ነቲ ዘቃመምኦ ቕዲት ናብቲ መቓብር ኣምጽኣ። የሱስ ሮቡዕ ኣጋ ምሸት እዩ ተቐቢሩ ፡ በቆጻጽራ ኣይሁድ ሽዑ እያ ሓሙስ ትጅምር። በቆጻጽራ ኣይሁድ ፡ ሓሙስ ምሸት ኣሎካ (1 ምሸት) ፡ሓሙስ ቀትሪ መዓልቲ (1 መዓልቲ) ፡ ዓርቢ ምሸት (2 ምሸት) ዓርቢ ቀትሪ (3 መዓልቲ) ፡ ቀዳም ቀትሪ (3 መዓልቲ) ፡ ቀዳም ምሸት (3 ምሸት) ። እታ ዝተንስኣላ ትኽክል ሰዓት ኣይንፈልጥን ፡ ቅድሚ ጊሓት ሰንበት ምንባሩ ግና ንፈልጥ ኢና፡፡ ድሕሪ ኣጋ ምሸት ቀዳም ኣብ ዝዀነ ሰዓት ተንሲኡ ክኸውን ይኽእል እዩ ፡ ድሮ ቀዳመይቲ መዓልቲ ኣይሁድ ጀሚራ ኔራ ። እቲ መቓብር ጥርሑ ክጸንሐን ከሎ ጸሓይ ትበርቀሉ ጊሓት ነበረ (ማርቆስ 16፡2)፡ ከይረፈደ ከሎ (ዮሃንስ 20፡1)።

እቲ ኣብ ናይ ሮቡዕ ኣረኣእያ ክህሉ ዝኽእል ጸገም ፡ እቶም ኣብ መገዲ ኤማሁስ ምስ የሱስ ዝኸዱ ዝነበሩ ደቀመዛሙርቲ ፡ ኣብታ መዓልቲ ትንሳኤኡ እዩ ተጓኒፍዎም (ሉቃስ 24፡14) ። እቶም ንየሱስ ዘየለለይዎ ደቀመዛሙርቲ ፡ ብዛዕባ ስቕለት የሱስ ንእኡ ነገርዎ (24፡21)፡ እዚ ካብ ዝኸውን ሳልስቲ ምግባሩ ነገርዎ (24፡22) ። ካብ ሮቡዕ ክሳዕ ሰንበት ኣርባዕተ መዓልቲ እዩ። እቲ ክኸውን ዝኽእል መግለጺ ፡ካብ ሮቡዕ ምሸት ኣትሒዞም ፈቒዶም ይኾኑ እዮም ፡ ካብታ ክርስቶስ ዝተቐብረላ ምሸት ፡ እታ ናይ ኣይሁድ ሓሙስ እውን ድሮ ትጅምረሉ ፡ ካብ ሓሙስ ክሳዕ ሰንበት ከኣ ሰለስተ መዓልቲ ክፍቀድ ይክኣል እዩ ፡፡

ኣብቲ ዓብዪ ውጥን ነገራት ፡ ክርስቶስ ኣበየነይቲ መዓልቲ ናይታ ሰሙን ከምዝተሰቕለ ምፍላጥ ፡ ክሳዕ ክንድኡ ኣገዳሲ ኣይኰነን ፡፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እንተዝኸውን ኔሩ ፡ ቃል ኣምላኽ ነታ መዓልትን ነቲ እዋንን ኣስፊርዎ ምሃለወ ፡፡ እቲ ዘገድስ ፡ እቲ ምሟቱን ፡ ካብ ምውታን ብኣካላዊ ሰብነቱ ምትንሳኡን እዩ ፡፡ ማዕረ ማዕሪኡ ኣገዳሲ ዝዀነ ከኣ ፡ እቲ ዝሞተሉ ምኽንያት ንኲሎም ሓጥኣን ዝግባእ መቕጻዕቲ ክወስዶ እዩ ። ዮሃንስ 3፡16 ምስ 3፡36 ብሓባር ዝእውጅዎ ፡ ኣብኡ ምእማን ህይወት ዘልኣለም ከምዘውህብ እዩ ! ሮቡዕ ይሰቐል ፡ ሓሙስ ይሰቐል፡ ዓርቢ ይሰቐል፡ እዚ ብማዕረ ሓቂ እዩ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

የሱስ ዓርቢ ድዩ ተሰቒሉ ? ከምኡ 'ተኾይኑ ፡ ከመይ ኢሉ እዩ ኣብ መቓብር ሰለስተ መዓልቲ ዝገብር ፡ እሞ ኸኣ ሰንበት ተንሲኡ 'ተኾይኑ?
© Copyright Got Questions Ministries