settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምውቃጥን ምስቋርን እንታይ ይብል?

መልሲ


ሕጊ ብሉይ ኪዳን ንእስራኤላውያን ከምዚ ይእዝዞም፡ ብዛዕባ ምውት ኣብ ስጋኹም ቅርጺ ኣይትግበሩ፡ ጽሕፈት ማሕተም ድማ ኣባኻትኩም ኣይትግበሩ (ዘሌዋውያን 19፡28)፡፡ ስለዚ ኣመንቲ ሓድሽ ኪዳን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ብሉይ ኪዳን እኳ እንተዘይኮኑ (ሮሜ 10፡4፤ ገላትያ 3፡23-25፤ ኤፌሶን 2፡15)፡ እቲ ሕጊ ንምውቃጥን ምስቋርን ብምውጋዙ ገለ ሕቶ ከልዕል ሰናይ እዩ፡፡ ሓድሽ ኪዳን ብዛዕባ ምውቃጥን ምስቋርን ኣይተዛረበን፡፡

ኣብ 1ጴጥሮስ 3፡3-4 ከምዚ ተኣዚዝና ኣሎና፡ ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝኾነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ክሳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገርን ኣይኹን፡፡ እዚ ጽሑፍ ናብ ኣንስቲ ዘመልከተ ይኹን እምበር ንኹሉ ዝኸውን ምህሮ ወይ መተከል ይህብ ኣሎ፡፡ ትኹረትና ወይ ኣድህቦና ኣብ ደጋዊ ትርኢት ክኸውን የብሉን፡፡ ኣብ ኣሰራርሓ ጸጒርን ኣለባብሳን ስልማትን ብዙሕ ውሕልነትን ጻዕርን ይፈስስ እዩ ግናኸ ሓቀኛ ጽባቐ ሰበይትስ ኣብዚ ኣይኮነን፡፡ ብተመሳሳሊ ድማ ውቃጦን ስቑሬንን ምስ ደጋዊ ጽባቐ እዩ ዝቑጸር እሞ ሰብኡትናን ኣንስትናን ኣብቲ ምጽባቕ ውሽጥና ደኣ ነትኩር፡፡

ምስ ምውቃጥን ምስቋርን ብምትእስሳር ከኣ ኣምላኽ ነቲ ውቃጦ ኮነ ስቚሬን ኣብ መደቡን ክብሩን ንኸውዕሎ ብንጹህ ሕልናን ቅንዕናን ክንጽሊ ንደፍር ዲና፤ እምብኣርሲ እንተ በላዕኩም ወይስ እንተ ሰቴኹም ወይስ ዝኾነ ይኹን እንተ ገበርኩም ኩሉ ንኽበሪ ኣምላኽ ግበርዎ (1ቆሮንጦስ 10፡30)፡፡ ሓድሽ ኪዳን ኣንጻር ምውቃጥን ምስቋርን ብቐጥታ ኣይኣዘዘን፡ ይኹን እምበር ኣምላኽ ክንውቀጥ ኮነ ክንስቆር ይፈቱ እዩ ክንብል ምኽንያት ኣይሃበናን፡፡

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታ ዘይተዛረበሉ ነገራት ብ ኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ክንፈትሖ ንኽእል ኢና፡፡ ሓደ ነገር ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ወይ ተፈታዊ ምዃኑ ምስ ዘጠራጥር ዘይምግባሩ ይምረጽ፡፡ ሮሜ 14፡23 ከኣ እቲ ካብ እምነት ዘይብገስ ሓጢኣት እዩ እናበለ የዘኻኽረና፡፡ ስጋናን ነፍስናን ብዋጋ ዝተዓደገ ንብረት ኣምላኽ ምዃኑ ክንዝክር ይግብኣና፡፡ 1ቆሮንጦስ 6፡19-20 ብቐጥታ ንምውቃጥን ንምስቋርን ዝምልከት ኣይኹን እምበር ሓደ ዓብዪ ምህሮ ይህበና፡ ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም እሞ ስጋኹም ቤት መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልኩሞ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹም ከም ዘይኮንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፤ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ፡፡ እዚ ግሩም ሓቂ ንኹሉ ተግባራትናን ንስጋና ኣበይ ነውዕሎን ክቕይደና ይግባእ፡፡ ስጋና ናይ ኣምላኽ ምስ ዝኸውን እምበኣር ክንውቅጦ ወይ ክንሰቑሮ እንከሎና ኣቐዲምና ካብ ኣምላኽ ምሉእ ፍቓድ ምርካብና ነረጋግጽ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምውቃጥን ምስቋርን እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries