settings icon
share icon
ሕቶ

ክርስትያናዊ ርድኢት ርእሰ ቕትለት ከመይ እዩ፤ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ርእሰ ቕትለት እንታይ ይብል?

መልሲ


መጽሓፍ ቅዱስ ሽዱሽተ ርእሶም ዝቐተሉ ሰባት ይጠቅስ፡፡ ንሳቶም ድማ ኣቢሜሌክ (መሳፍንቲ 9፡54)፡ ሳኦል (1ሳሙኤል 31፡4)፡ ጸዋር ዋልታ ናይ ሳኦል (1ሳሙኤል 31፡4-6)፡ ኣሒቶፌል (2ሳሙኤል 17፡23)፡ ጺምሪ (1ነገስታት 16፡18)፡ ይሁዳ ኣስቆርታዊ (ማቴዎስ 27፡5) እዮም፡፡ ሓሙሽተ ካብዚኣቶም ሓጥኣን ነበሩ፡ እንተ እቲ ጸዋር ዋልታ ናይ ሳኦል ግና ብዙሕ ኣይተባህለሉን እሞ ርእይቶ ኣይንህበሉን፡፡ ገለ ወገናት ድማ ንሳምሶን ምስቶም ርእሶም ዝቐተሉ ይጽብጽብዎ እዮም (መሳፍንቲ 16፡23-31) ግናኸ ሳምሶም ንፍልስጤማውያን ንምቕታል እምበር ርእሱ ንምቕታል ኣይኮነን ዝሞተ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንርእሰ ቕትለት ከም ቅትለት እዩ ዝቐጽሮ፡፡ ሓደ ሰብ መዓስን ብኸመይን ከም ዝመውት ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዝውስን፡፡

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ሰብ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽኣቱን ከይኣቱን ብርእሰ ቕትለት ከም ዘይውሰን ይነግረና፡፡ ድሕነት ዘይረኸበ ሰብ ርእሱ ምስ ዝቐትል ናብ ሲኦል ንምእታው እዩ ዝቕልጥፍ፡፡ ግናኸ እቲ ሰብ ንክርስቶስ ከም መድሓኒኡ ስለ ዘይተቐበለ እምበር ርእሱ ስለ ዝቐተለ ኣይኮነን ናብ ሲኦል ዝኸይድ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ እቲ ርእሱ ዝቐትል ክርስትያን እንታይ ይብል፤ ካብታ ንክርስቶስ ከም መድሓኒና ዝተቐበልናላ ግዜ ጀሚርና ዘልኣልማዊ ህይወት ተዋሒሱልና ከም ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና (ዮሃንስ 3፡16)፡፡ ክርስትያን ዘበለ ኹሉ ዘልኣለማዊ ህይወት ከም ዘለዎ ኣርጊጹ ክፈልጥ ከም ዝኽእል መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጽ (1ዮሃንስ 5፡13)፡፡ ንክርስትያን ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክፈልዮም ዝኽእል የልቦን (ሮሜ 8፡38-39)፡፡ ፍጡር ዘበለ ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክፈልዮም ምስ ዘይከኣሎ እምበኣር እቲ ርእሱ ዝቐትል ክርስትያን ንባዕሉ ፍጡር እዩ እሞ ርእሰ ቕትለት ንክርስትያን ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክፈልዮ ኣይክእልን እዩ፡፡ የሱስ ስለ ኹሉ ሓጢኣትና ሞይቱ እዩ እሞ ሓጢኣትን ናይቲ ብመንፈሳዊ መጥቃዕትታትን ድኻምን ንርእሱ ዝቐትል ክርስትያን ብደም ክርስቶስ ተሸፊኑ እዩ፡፡

ይኹን እምበር ርእሰ ቕትለት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣዝዩ ከቢድ ሓጢኣት እዩ፡፡ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ርእሰ ቕትለት ከም ቅትለት እዩ ዝቑጸር እሞ ኩሉ ግዜ ሓጢኣት እዩ፡፡ እቲ ክርስትያን ክነሱ ርእሱ ዝቐትል ግና እታ እመነቱ ተጠራጥር እያ፡፡ ክርስትያን ክነሱ ርእሱ ንምቕታል ከማኻኒ ዝኽእል የልቦን፡፡ ክርስትያን ንኣምላኽ ክነብሩ እዮም ተጸዊዖም እሞ መዓስ ከም ዝሞቱስ ናይ ኣምላኽ ጥራይ እዩ፡፡ 1ቆሮንጦስ 3፡15 ብቐጥታ ብዛዕባ ርእሰ ቕትለት ዝምልከት ኣይኹን እምበር ርእሱ ዝቐትል እንታይ ከም ዝረኽቦ የአንፍተልና እዩ፡ እቲ ዕዩኡ እንተ ነደደ ግና፡ ዓስቡ ኽስእን እዩ፡፡ ንርእሱ ግና ክድሕን ግናኸ ከምቲ ሓዊ ሓሊፉ ዝደሓነ እዩ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ክርስትያናዊ ርድኢት ርእሰ ቕትለት ከመይ እዩ፤ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ርእሰ ቕትለት እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries