settings icon
share icon
ሕቶ

እንታይ እዩ መተካእታ ስርየት?

መልሲ


መተካእታ ስርየት ነቲ ምእንቲ ሓጥኣን

ዝተገብረ በጅነት የሱስ ክርስቶስ የመልክት። ከምቲ ጽሑፋት ዝምህርዎ ፡ ኲሎም ሰባት ሓጥኣን እዮም (ሮሜ 3፡9-18 ,23)። ዓስቢ ሓጢኣትና ከኣ ሞት እዩ። ሮሜ 6፡23 ክንበብ ከሎ ፡ ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።

እታ ጥቕሲ ብዙሕ ነገራት እያ ትምህረና። ብዘይ ክርስቶስ ሞይትና ከም ዋጋ ሓጢኣትና ንዘልኣለም ኣብ ገሃነም ኢና ክንነብር። ኣብቲ ጽሑፋት ፡ ሞት ንምፍልላይ እዩ ዘመልክት። ኲሉ ክመውት እዩ ፡ ገሊኦም ኣብ ሰማይ ምስ ጎይታ ንሓዋሩ ክነብሩ እዮም ፡ ካልኦት ግና ንዘልኣለም ኣብ ገሃነም ክነብሩ እዮም። ኣብዚ ዝተዘርበሉ ሞት ነቲ ኣብ ገሃነም ዘሎ ህይወት እዩ ዘመልክት። እታ ጥቕሲ ትምህረና ካልኣይ ነገር ፡ ውህበት ዘልኣለም ህይወት ብየሱስ ክርስቶስ እዩ ዝርከብ። እዚ እዩ ናቱ መተካእታ ስርየት ፡፡

የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ክስቀል ከሎ ኣብ ክንዳና ሞተ። ንሕና ኢና ኣብቲ መስቀል ክንስቀል ዝግብኣና ኔሩ ፡ ከመይሲ ንሕና ኢና ኣብ ናይ ሓጢኣት ህይወት ዝነበርና። ክርስቶስ ግና ንመቕጻዕቲ ሓጢኣትና ወሲዱ ኣብ ርእሱ ጸዓኖ። ንርእሱ በጃ ኣሕሊፉ ፡ ነቲ ንኣና ዝግባእ ወሲድዎ። ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ (2 ቆሮንቶስ 5፡21)።

ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጨይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሐዌኹም (1 ጴጥሮስ 2፡24)። ኣብዚ ንሪኦ ዘሎና ፡ ክርስቶስ ነቲ ዝገበርናዮ ሓጢኣት ኣብ ነፍሱ ጽዒኑ በጃና ሓለፈ። ድሕሪ ብዙሕ ጥቕሲ ነንብቦ ፡ ክርስቶስ ድማ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ከቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ ፡ ብስጋ ሞተ ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ ። እዘን ጥቕስታት በጅነት ክርስቶስ ጥራይ ኣይኰንናን ዝምህራና ፡

ንሱ ስርየትና ምዃኑ ፡ ማለት ስለ ሓጢኣት ሰብ ዘዕግብ ዋጋ ምኽፋሉ ከኣምበር።

ብዛዕባ መተካእታ ስርየት ትዛረብ ተወሳኺት ክፍሊ ጽሑፍ ኢሳይያስ 53፡5 እያ። እዛ ጥቕሲ ብዛዕባ እቲ ዝመጽእን ስለ ሓጢኣትና ኣብ መስቀል ዝመውትን ክርስቶስ ትዛረብ። እቲ ትንቢት ብዙሕ ዝርዝራት ዘለዎ እዩ ፡ ከምቲ ትንቢቱ ድማ እዩ እቲ ስቕለት ተፈጺሙ። ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና።ነቲ መተካእታ ነስተብህሎ፡፡ ኣብዚ ደጊምና ንሪኦ ዘሎና ፡ ክርስቶስ ንኣና ክብል ዋጋ ከፊሉ እዩ።

ንዘለኣለም ኣብ ገሃነም ሰፊርና ምስንቕጻዕ ጥራይ እዩ ነቲ ዋጋ ሓጢኣትና ክንከፍሎ ንኽእል ዝነበርና። ግናኸ ፡ የሱስ ክርስቶስ እቲ ወዲ ኣምላኽ ፡ ዋጋ ሓጢኣትና ምእንቲ ክኸፍል ኢሉ እዩ ናብ ምድሪ ዝመጸ። እዚ ምእንታና ብምግባሩ ፡ ሓጢኣትና ክሕደገልና ጥራይ ኣይኰነን ዕድል ንረክብ ፡ ንዘለኣለም ምስኡ ክንነብር ከኣምበር። ከምዚ ንምግባር ፡ ነቲ እምነትና ኣብ ግብሪ መስቀል ክርስቶስ ከነንብር ኣሎና። ንገዛእ ርእስና ከነድሕን ኣይከኣለናን እዩ ፡ ስፍራና ዝትክእ የድልየና እዩ። ሞት የሱስ ክርስቶስ መተካእታ ስርየት እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

እንታይ እዩ መተካእታ ስርየት?
© Copyright Got Questions Ministries