settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ፡ እቲ ቅኑዕ መገዲ እንታይ እዩ?

መልሲ


ትርጒም ናይ ቅዱስ ጽሑፍ ምውሳን ፡ ካብቲ ሓደ ኣማኒ ኣብ ህይወቱ ዝገብሮ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕማም እዩ ። ንመጽሓፍ-ቅዱስ ስቕ ኢልና ከነንብቦ ኣይኰነን ኣምላኽ ዝነግረና ፡፡ ከነጽንዖን ብቕንዕና እነማቕሎን ክንከውን ኣሎና (2 ጢሞቴዎስ 2፡15) ፡፡ መጽናዕቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ጽንኩር ስራሕ እዩ ፡፡ ናይ ሃታሃታ ወይ ሓጺር ንባብ ጽሑፍ ሓደሓደ ግዜ ኣዝዩ ግጉይ መደምደምታ ይህብ እዩ ፡፡ ስለዚ እምበኣር ፡ ናይቲ ቅዱስ ጽሑፍ ቅኑዕ ትርጒም ንምውሳን

ዝተፈላለዩ መምርሒታት ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ ፡፡

ቀዳማይ ፡ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃራይ ካብ መንፈስ ቅዱስ ምስትውዓል ክቕበል ክጽሊ ይግብኦ ፡ እዚ ድማ ሓደ ካብቲ ዕዮታት መንፈስ ቅዱስ ከምኡ ስለዝዀነ። እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ከፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ (ዮሃንስ 16፡13) ። ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ንሃዋርያት ኣብ ጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን ዝመርሖም ፡ ንኣና እውን ነቲ ጽሑፍ ክንርድኦ ይመርሓና እዩ። ኣስተውዕዒልካ ዘክር ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ መጽሓፍ እዩ ፡ እንታይ ማለት ምዃኑ ንእኡ ክንሓቶ የድሊ። ክርስትያን እንተ ዄንካ ፡ እቲ ናይ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ደራሲ ኣባኻ እዩ ሓዲሩ ዘሎ ፡ ነቲ ንሱ ባዕሉ ዝጸሓፎ ድማ ክትርድኦ ይደልየካ እዩ ፡፡

ካልኣይ ፡ ሓንቲ ጥቕሲ ካብ ማእከል በጥቊልና

ብምውጻእ ካብቲ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ሓሳብ ዘየሎ ትርጉም ኣይንህቦን ፡፡ ነቲ ሓሳብ ንምልላይ ከኣ ኩሉሳዕ ነቲ ዝኸበቦ ጥቕስን ነቲ ምዕራፍን ከነንብቦ ኣሎና ፡፡ ዋላ’ኳ ኩሎም ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ ኣምላኽ ዝመጹ እንተዀኑ(2 ጢሞቴዎስ 3፡16፥ 1 ጴጥሮስ 1፡21) ፡ ኣምላኽ ብሰባት ተጠቂሙ እዩ ጺሕፍዎም። እዞም ሰባት ኣብ ሓሳቦም ዝሓዝዎ ቴማን ፡ ናይ ምጽሓፍ ዕላማን ፡ ዘልዓልዎ ዛዕባን ኔርዎም እዩ። ናይቲ ነጽንዖ ዘሎና መጽሓፍ ድሕረ ባይታኡ ከነንብቦ ኣሎና ፡ መን ጽሒፍዎ ፡ንመን ተጻሒፉ ፡ መዓስ ተጻሒፉ፡ ንምንታይ ተጻሒፉ ክንፈልጥ ምእንቲ። ከምኡ ድማ ፡ እቲ ጽሑፍ ባዕሉ ክዛረብ ነፍቅደሉ። ሓደሓደ ግዜ ሰባት ነቲ ቃል ከም ድሌቶም ጌሮም ክትርጒምዎ ምእንቲ ፡ ናብቲ ናቶም ኣተራጒማ ጓዕጺጾም የእትውዎ እዮም።

ሳልሳይ ፡ ኣብቲ ንገብሮ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ምሉእ ንምሉእ ምትእምማን ክንገብር ኣይንፈትን። ካብቶም ምሉእ ዘመኖም ናይ ቅዱሳት መጻሕፍቲ መጽናዕቲ ዝገበሩ መረዳእታ ክንከስብ ከምዘይንኽእል ጌርና ብትምክሕቲ ክንሓስብ የብልናን። ገለ ሰባት ፡ ብጌጋ ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክቐርብዎ ከለዉ ፡ ኣብ መንፈስቅዱስ ጥራይ ተወኪሎም ንምስጢራት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከምዝረኽብዎ ጌሮም ይሓስቡ ። ክርስቶስ መንፈስ ቅዱስ ክህብ ከሎ ንስጋ ክርስቶስ መንፈሳዊ ውህበታት ሂብዋ እዩ ፡፡ ሓደ ካብዞም መንፈሳዊ ውህበታት ምምሃር እዩ (ኤፌሶን 4፡11-12 ፥ 1 ቆሮንቶስ 12፡28) ፡፡ እዞም መማህራን ካብ ጎይታ ዝተወሃቡና ፡ ነቲ ጽሑፍ ብትኽክል ክንርድኦን ክንእዘዞን ምእንቲ ክሕግዙና እዩ ፡፡ ኩሉሳዕ ምስ ካልኦት ኣመንቲ ኴንካ ንመጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ጥበባዊ እዩ ፡ ንሓቅነት ቃል ኣምላኽ ንምርዳእን ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ንሓድሕድካ ምትሕግጋዝ እዩ ዘድሊ፡፡

ስለዚ ፡ ብሓጺሩ ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እቲ ቅኑዕ መገዲ እንታይ እዩ ? ቀዳማይ፡ ብጸሎትን ብትሕትናን ፡ ርድኢት ንክህበና ኣብ መንፈስ ቅዱስ ክንውከል ይግብኣና። ካልኣይ ፡ ነቲ ጽሑፍ በቲ ተዛማዲ ሓሳቡ ኢና ከነጽንዖ ዝግባኣና ፡ እዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ንርእሱ ከምዝገልጽ ብምፍላጥ። ሳልሳይ፡ጻዕሪ ካልኦት ክርስትያናት ከነኽብር ኣሎና ፡ ዝሓለፉን ዘለዉን ፡ ከምቲ ዝግባእ ጌሮም ንመጽሓፍ ቅዱስ መራሚሮም ዘጽንዕዎ። ንዘክር ፡ ኣምላኽ እዩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ደራሲ ፡ ንሱ ድማ ክንርድኦ ድማ ይደልየና እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ፡ እቲ ቅኑዕ መገዲ እንታይ እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries