settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መንፈሳዊ ውግእ እንታይ ይብል?

መልሲ


ኣብ መንፈሳዊ ውግእ ምስ እንመጽእ ክልተ ቀዳሞት ጌጋታት ኣለው--ኣዚኻ ምጉላሕን-ከምኡድማ-ኣትሒትካ ምርኣይን። ገለ ሰባት ንነፍሲ-ወከፍ ሓጢኣት፡ ንነፍሲ-ወከፍ ግጭትን ንነፍሲ-ወከፍ ጸገምን ክግንሑን ክወጹን ዘለዎም ንኣጋንንቲ ይወቕሱ። ካልኦት ከኣ ጠቕላላ ነቲ መንፈሳዊ ዓለምን ከምኡ’ውን ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ውግእና ምስ መንፈሳዊ ሕልቅነታት እዩ ዝብሎ ሓቂ ሸለል ይብሉ። መፍትሕ ናይ ዕዉት መንፈሳዊ ውግእ ድማ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሚዛን ምርካብ እዩ። የሱስ ኣብ ገለ እዋን ካብ ሰባት ኣጋንንቲ ኣውጺኡ፡ ኣብ ካልእ እዋን ድማ ነቲ ጋኔን ከይጠቐሰ ንሰባት የሕውዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ክርስትያናት ኣንጻር ኣብ ውሽጦም ዘሎ ሓጢያት ክዋግኡ ይምህርን (ሮሜ 6) ከምኡድማ ንውዲታት ናይ ድያብሎስ ክንቃወሞ የጠንቅቐና (ኤፌሶን 6፡10-18)

ኤፌሶን 6፡10-12፡ “ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተይ፡ ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ። እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ”ይብል። እዚ ጽሑፍ ገለ ወሰንቲ ሓቅታት ይምህር፡ ብናይ ጎይታ ሓይሊ ጥራይ ኢና በርቲዕና ደው ክንብል ንኽእል፡ ናይ ኣምላኽ ኣጽዋር እዩ ድማ ንዓና ዝሕልወናን ከምኡከኣ ቅልስና ኣብ መወዳእታ ኣንጻር መናፍስቲ እከይ ኣብ ሰማያት እዩ።

ኤፌሶን 6፡13-18 ከኣ መግለጺ ናይ ኣምላኽ ንዓና ዝህበና መንፈሳዊ ኣጽዋር እዩ። ንሕና፡ ምስ ዕጥቂ ሓቂ፡ ድርዒ ጽድቂ፡ ወንጌል ሰላም፡ ዋልታ እምነት፡ ናይ ምድሓን ቁራዕ ርእሲ፡ ናይ መንፍስ ሰይፊን ከምኡ’ውን ብመንፈስ ብምጽላይን ጸኒዕና ክንቀውም ኣሎና። እዞም ኣቕሑ ናይ መንፈሳዊ ኣጽዋር ኣብ መንፈሳዊ ውግእ እንታይ እዮም ዝውክሉ? ንሕና ንሓቂ ክንፈልጣ፡ ንሓቂ ክንኣምና፡ ከምኡ’ውን ሓቂ ክንዛረብ ኣሎና። በቲ ሓቂ ዝኾነ ናይ ክስርቶስ መስዋእቲ ኣብ ክንዳና፡ ጻድቃን ስለዝተብሃልና ክንዓርፍ እዩ ዘሎና። ንሕና ክሳብ ክንደይ ተቓዉሞ ይገጥመና ብዘየገድስ ወንጌል ክንገር እዩ ዘሎና። ብዘየገድስ ክሳብ ክንደይ ኣጥቂዖሙና፡ ኣብ ናይ ኣምላኽ ተስፋ ብምእማን ካብ እምነትና ነቕ ክንብል የብልናን። ናህና ናይ መወዳእታ ዕርድናና ድማ ማንም መንፈሳዊ ሓይሊ ክወስዶ ዘይክእል ዘሎና ናይ ምድሓን ርጉጹነት እዩ። ናይ መዋግኢ ኣጽዋርና ድማ ቃል ኣምላኽ እምበር፡ ርዲኢትናን ስሚዒትናን ኣይኮነን። ብሓይልን ፍቓድን መንፈስ ቅዱስ ድማ ክንጽሊ ኣሎና።

ኣብ መንፈሳዊ ውግእ የሱስ እዩ ዋና ኣብነት ናይ ምጽራር ፈተና። የሱስ ኣብ በረኻ መሰተፈተነ ከመይ ጌሩ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ካብ ድያብሎስ ከም ዝመለሰ ርኣዩ (ማቴዎስ 4፡1-11)። ነፍሲ-ወከፍ ፈተና ድማ ብ “ጽሑፍ’ዩ” ዝብል ቃላት እዩ ተቓሊስዎ። ቃል ናይ’ቲ ህያው ኣምላኽ ድማ ኣንጻር ፈተናታት ናይ ዲያብሎስ እቲ ዝሓየለ ኣጽዋር እዩ። “ንዓኻ ከይብድል’ሲ ንቃልካ ኣብ ልበይ ዓቖርክዎ”(መዝሙር 119፡11)።

ብዛዕባ መንፈሳዊ ውግእ ዘሎ ናይ መጠንቀቕታ ቃል ድማ ብስርዓት እዩ ዘሎ። ናይ የሱስ ስም ን ኣጋንንቲ ካብ ቅድሜና ክሃድሙ ዝገብር ናይ ማጂክ ድጋመት ወይ ሽሑር ኣይኮነን። እቶም ሸውዓተ ደቂ ኣስቄዋ ድማ ንዘይተዋህቦም ስልጣን ክጥቀሙ ዝፍትኑ ሰባት እንታይ ከም ዘጋጥሞም ኣብነት እዮም። (ግብሪሃዋርያት 19፡13-16)። ዋላ’ውን ሚካኤል ሊቀ-መላእክት ንሰይጣን ብስልጣኑ ኣይገሰጾን፡ ግና’ኸ “ እግዚኣብሄር ይግናሕካ!” ድኣ በሎ (ይሁዳ 1፡9)። ንዲያብሎስ ክንዛረቦ ምስ ጀመርና፡ ከም’ቲ ሄዋን ዝገበረቶ ንሕና ድማ ናብ ሓደጋ መንገዲ ምስሓት ንኸይድ (ዘፍጥረት 3፡1-7)። ናህና ኣተኩሮ ናብ ኣምላኽ እምበር ናብ ኣጋንንቲ ክኸውን የብሉን፡ ንሕና ንኣምላኽ ኢና ንዛረብ ንኣጋንንቲኡ ኣይኮናን።

ብምጥቕላል፡ ኣብ መንፈሳዊ ውግእ እንታይ እዮም እቶም ናይ ዓወት መፋትሕ? ንሕና ኣብ ናትና ዘይኮነ ኣብ ናይ እግዚኣብሄር ሓይሊ ንጽጋዕ። ንኩሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ድማ ንለብስ። ኣብ ሓይሊ ጽሑፍ ንቐርብ-ቃል ኣምላኽ ናይ መንፈስ ሰይፊ እዩ። ናብ ኣምላኽ እናለመንና ብጽንዓትን ቅድስናን ንጽሊ። ጎይታ ሰራዊት ሓላዊና ሙዃኑ ብምእማን፡ ጸኒዕና ንቐውም (ኤፌሶን 6፡13-14)፡ ንኣምላኽ ንግዛእ፡ ናይ ድያብሎስ ስራሕ ንቃወም (ያዕቆብ 4፡7)። “ከውሔይን ምድሓነይን እምባይን ንሱ ጥራይ እዩ፣ ኣዝየ ኣይናወጽን።”(መዝሙር 62፡2)።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መንፈሳዊ ውግእ እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries