settings icon
share icon
ሕቶ

መንፈሳዊ ዕቤት እንታይ እዩ?

መልሲ


መንፈሳዊ ዕቤት ማለት መስርሕ ናይ መመሊስካ ንየሱስ ክርስቶስ ምምሳል እዩ። እምነትና ኣብ የሱስ ክርስቶስ ክንገብር ከሎና። መንፈስ ቅዱስ መስርሕ ናህና ዝያዳ ምምሳል ንዑኡ ይጅምር፡ ናብ ምስሉ ድማ ይልውጠና። መንፈሳዊ ዕቤት ከኣ ዳርጋ ብዝበለጸ ኣብ 2 ጰጥሮስ 1፡3-8 ተገሊጹ ኣሎ፡ ኣብ’ዚ ድማ ብናይ ኣምላኻዊ ሓይሊ ንዓና “ኩሉ ካብ ዝህበና”፡ እዚ ከኣ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ናብራ ንኽንበር እዩ፡ እዚ እዩ ከኣ ዕላማ ናይ መንፈሳዊ ዕቤት። እቲ ንዓና ዘድልየና ድማ “በቲ ኣብ’ኡ ዘሎና ፍልጠት” ከምዝመጽእ ነስተብህል፡ እዚ እዩ ኩሉ ዘድልየና ንረኽበሉ መፍትሕ። ፍልጠትና ንዑኡ ድማ ካብ’ቲ ንዓና ንምህናጽን ንዕቤትን ዝተዋህበና ቃል ይመጽእ።

ኣብ ገላትያ 5፡19-23 ክልተ ዝርዝር ኣለው፡ ጥቕስታት 19-21 ን “ን ግብሪ ስጋ” ይዝርዝር። እዚኣቶም ከኣ እቶም ቅድሚ ንምድሓን ናብ ክርስቶስ ምምጻእና ንሂወትና ዝገለጹ ነገራት እዮም። እቶም ግብሪ ስጋ ከኣ እቶም ክንናዘዘሎም፡ ክንስሓሎምን ከምኡድማ ብናይ ኣምላኽ ሓይሊ ክንስዕሮም ዘሎና ተግባራት እዮም። መንፈሳዊ ዕቤት እናተሞኮርናዮ ምስ እንኸይድ፡ ቅሩባትን ውሑዳትን “ግብሪ ስጋ” ድማ ኣብ ሂወትና ክርኣዩ እዮም። እቲ ካልኣይ ዝርዝር ከኣ “ፍረ መንፈስ” (ጥቕስታት 22-23) እዩ። እዚኣቶም ከኣ ምድሓን ብየሱስ ክርስቶስ ስለዝተሞኮርናዮ ሕጂ ኣብ ሂወትና ክርኣዩ ዘሎዎም ባህርያት እዮም። መንፈሳዊ ዕቤት በቲ ኣብ ሂወት ሓደ ኣማኒ እናዓበየ ዝረአ ፍረ መንፈስ እዩ ዝልለይ።

ናይ ምድሓን ለውጢ ምስተኻየደ፡ መንፈሳዊ ዕቤት ይጅምር። መንፈስ ቅዱስ ኣባና ይነብር (ዮሃንስ 14፡16-17)። ንሕና ብክርስቶስ ሓደስቲ ፍጥረት ኢና (2 ቆሮንጦስ 5፡17)። እቲ፡ ኣረጊት፡ሓጢያት ዝመልኦ ባህሪ ድማ ነቲ ሓድሽ፡ ንክርስቶስ ዝመስል ፍጥረት ይሓድገሉ (ሮሜ 6-7)።መንፈሳዊ ዕቤት ናይ ምሉእ ሂወት መስርሕ ኮይኑ ኣብ ናህና መጽናዕትን ምትግባርን ናይ ቃል ኣምላኽን (2 ጢሜጤዎስ 3፡16-17) ከምኡ ድማ ናህና ብመንፈስ ምምልላስን (ገላትያ 5፡16-26) ድማ ይሙርኮስ። መንፈሳዊ ዕቤት ክንደሊ ከሎና፡ ናብ ኣምላኽ ክንጽልን ብዛዕባ እቶም ኣምላኽ ክንዓብየሎም ዝደልየና ሸነኻት ድማ ጥበብ ክንሓትትን ይግብኣና። ንሕና ኣምላኽ ናብኡ ዘሎና እምነትናን ፍልጠትና ክውስኸልና ክንሓትት ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ብመንፈስ ክንዓቢ ይደልየና እዩ ስለዚ ድማ መንፈሳዊ ዕቤት መታን ክንሙኮር ኢሉ ድማ ኩሉ ዘድልየና ሂቡና እዩ። ብሓገዝ ናይ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሕና ንሓጢያት ክንስዕር ንኽእልን ከምኡ ድማ እናሓደርና ዝያዳ ከም መድሓኒና፡ የሱስ ክርስቶስ ንምስል።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መንፈሳዊ ዕቤት እንታይ እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries