settings icon
share icon
ሕቶ

መንፈሳዊ ውህበተይ እንታይ ምዃኑ ከመይ ጌረ እፈልጥ?

መልሲ


ኣምላኽ ነቶም መማህራን ጌሩ ዝጸውዖም ናይ ምምሃር ጸጋ ይህቦም ፡፡ ኣምላኽ ንገሊኦም ኣገልገልቲ ክዀኑ ይጽውዖም ፡ ብህያባት ከኣ ይባርኾም ፡፡ ኮይኑ ግና ፡ ንመንፈሳዊ ውህበትና ኣነጺርና ስለዝፈለጥናዮ፡ ብካልእ ውህበትና ዘይኮነ ነገር ንኣምላኽ ካብ ምግልጋል ምኽኒት ኣይኮነናን እዩ ፡፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና መንፈሳዊ ውህብቶ ክንፈልጦ፡ ጠቓሚ ድዩ ? ከመይ ደኣ! ንኣምላኽ ነገልግለሉ ኣጋጣሚታት ክሳዕ ንስእን፡ ኣብ መንፈሳዊ ውህበታት ኣመና ምድሃብ ጌጋ ድዩ ? እወ ፡፡ ኣምላኽ ንኽጥቀመልና ናብኡ እንተተወፊና፡በቲ ዘድልየና መንፈሳዊ ውህበታት ከዕጥቐና እዩ ፡፡

መንፈሳዊ ውህበትና ብብዙሕ መገዲ ክልለ ይኽእል ፡፡ ኣብ መፈተኒታት መንፈሳዊ ውህበት ምሉእ ንምሉእ ምውካል ኣየድልን እንድዩ ፡ ነቲ ውህብቶና ጽቡቕ ጌርና ክንርድኦ የኽእለና እዩ፡፡ ካብ ካልኦት ዝመጽእ መረጋገጺ እውን ንመንፈሳ ዊ ውህበትና የብርሆ እዩ ፡፡ እቶም ንጎይታ ከነገልግሎ ዝረኣዩና ካልኦት ሰባት ፡ ነቲ ከም ውሁብ ዝወሰድናዮ ወይ ከየላለናዮ ዝጸናሕና መንፈሳዊ ውህበት ብዙሕ ግዜ ከለልይዎ ይኽእሉ እዮም ፡፡ ጸሎት እውን ኣገዳሲ እዩ ፡፡ ንመንፈሳዊ ውህበትና ብልክዕ ዝፈልጦ ኣካል፡ ባዕሉ እቲ ዓዳሊ-ውህበት መንፈስ ቅዱስ እዩ ፡፡ ነቲ መንፈሳዊ ውህበትና ከምቲ ዝግባእ ጌርና ኣብ ክብሩ ከነውዕሎ ምእንቲ ፡ ነቲ ተዋሂቡና ዘሎ ከርእየና ፡ ንኣምላኽ ክንሓቶ ንኽእል ኢና ፡፡

እወ ፡ ኣምላኽ ነቶም መማህራን ጌሩ ዝጸውዖም ናይ ምምሃር ጸጋ ይህቦም እዩ ፡፡ ኣምላኽ ንገሊኦም ኣገልገልቲ ክዀኑ ይጽውዖም ፡ ብህያባት ከኣ ይባርኾም ፡፡ ኮይኑ ግና ፡ ንመንፈሳዊ ውህበትና ኣነጺርና ስለዝፈለጥናዮ፡ ብካልእ ውህበትና ዘይኮነ ነገር ንኣምላኽ ካብ ምግልጋል ምኽኒት ኣይኮነናን እዩ ፡፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና መንፈሳዊ ውህበት ክንፈልጦ፡ ጠቓሚ ድዩ ? ከመይ ደኣ! ንኣምላኽ ነገልግለሉ ኣጋጣሚታት ክሳዕ ንስእን፡ ኣብ መንፈሳዊ ውህበታት ኣመና ምድሃብ ጌጋ ድዩ ? እወ ፡፡ ኣምላኽ ንኽጥቀመልና ናብኡ እንተተወፊና፡በቲ ዘድልየና መንፈሳዊ ውህበታት ከዕጥቐና እዩ ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መንፈሳዊ ውህበተይ እንታይ ምዃኑ ከመይ ጌረ እፈልጥ?
© Copyright Got Questions Ministries