settings icon
share icon
ሕቶ

ውህበት ብቛንቋታት ምዝራብ እንታይ እዩ?

መልሲ


እቲ ናይ መጀመርያ ክስተት ብቛንቋታት ምዝራብ ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 2፡1-4 ተፈጺሙ፡፡ ሃዋርያት ወጺኦም ንወንጌል ነቶም ህዝብታት በብቛንቃኦም ተዛረብዎም ወይ ኣበሰርዎም፡ ሰብ ቅሬጥስን ሰብ ዓረብን በብቓንቃና ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ ክዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና፡፡ (ግብሪ ሃዋርያት 2፡11)፡፡ እቲ ንልሳን ዝገልጽ ቃል ብቛንቋ ግሪኽ ቋንቋታት ዝብል ቃል እዩ፡፡ ስለዚ ውህበት ቋንቋታት ማለት ሓደ ሰብ ብሓደ ንሱ ንባዕሉ ዘይፈልጦ ቋንቋ ንሓደ ተዛራቢ ናይቲ ቋንቋ ከገልግሎ ዘኽእል ውህበት እዩ፡፡ ኣብ 1ቆሮንጦስ ምዕራፋት 12 ክሳዕ 14 ድማ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ተኣምራታዊ ውህበታት ክዛረብ እንከሎ ከምዚ ይብል፡ ኣሕዋተየ ሕጂ ግና ብቛንቋታት እናተዛረብኩ እንጸ ዝመጸኩም እሞ ብራእዪ ወይ ብፍልጠት ወይ ብትንቢት ወይ ብምህሮ ገይረ እንተ ዘይተዛረብኩኹም እንታይ ክጠቕመኩም እየ፤ (1ቆሮንጦስ 14፡6)፡፡ ብመሰረት ሃዋርያ ጳውሎስ ምስቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዘሎ ኣገላልጻ ቋንቋታት ብምስናይ ነቲ ብቛንቋኡ መልእኽቲ ኣምላኽ ዝሰምዕ ጠቓሚ ክኸውን እንከሎ ምስ ዘይትርጎም ግና ንኻልእ ሰማዒ ትርጉም ከም ዘይብሉ ወይ ጠቓሚ ኣይኮነን፡፡

ውህበት ምትርጓም ቋንቋታት ዘለዎ(1ቆሮንጦስ 12፡30) ድማ ነቲ ዝዝረብ ዘሎ ቋንቋ ዘይፈልጦ ክነሱ ክርድኦ ግና ይኽእል፡፡ እቲ ተርጓሚ ብወገኑ ካልኦት ምእንቲ ክርድኦም ተርጒሙ የመሓላለፍ፡፡ ..ስለዚ እቲ ብቛንቋ ዝዛረብ ምትርጓሙ ምእንቲ ክከኣሎ ይጸሊ (1ቆሮንጦስ 14፡13)፡፡ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ተተርጉሙ ዘይቀርብ ቋንቋታት ዝሃቦ መደምደምታ ሓያል እዩ፡ ግናኸ ንኻልኦትውን ምእንቲ ክምህርሲ፡ ኣብ ማሕበር እልፊ ቃል ቋንቋ ካብ ዝዛረብ ሓሙሽተ ቃላት ብኣእምሮ ክዛረብ ምፈተኹ (1ቆሮንጦስ 14፡19)፡፡

ውህበት ቋንቋታት ንሎሚ ይኸውን ድዩ፤ 1ቆሮንጦስ 13፡8፡ ውህበት ቋንቋታት ከም ዘቋርጽ ይነግር፡፡ ኣብ 1ቆሮንጦስ 13፡10 ነቲ ምቁራጽ ምስ ምምጻእ ናይቲ ፍጽምና የተሓሕዞ፡፡ ገሊኣቶም ኣብዚ ጽሑፍ ገለ ፍልልይ ናይ ቃላት ከም ዘሎ ይትንትኑ፡፡ እቲ ንትንቢትን ምቁራጽ ፍልጠትን ዝገልጽ ግሪኻዊ ቃላት ከምኡ ድማ እቲ ቋንቋታት ድሮ ከም ዘቋርጽ ዝነግር ቃላት፡ ውህበት ቋንቋታት ቅድሚ ምምጻእ ናይቲ ፍጽምና ከም ዘቋረጸ ዘረጋግጽ እዩ ይብሉ፡፡ እዚ ኣብቲ ጽሑፍ ንጹር ኣይኮነን፡፡ ካልኦት ድማ ንኢሳይያስ 28፡11፤ ዮኤል 2፡28-29 ብምጥቃስ ንውህበት ቋንቋታት ከም ምልክት ምምጻእ ፍርዲ ኣምላኽ ይቖጽርዎ፡፡ ኣብ 1ቆሮንጦስ 14፡22፡ ውህበት ቋንቋታት ከም ምልክት ነቶም ንዘይኣምኑ ተገሊጹ ኣሎ፡፡ ብኣበሃህላ ናይዚኣቶም ድማ ውህበት ቋንቋታት፡ እስራኤላውያን ንየሱስ ክርስቶስ ብዘይ ምቕባሎም፡ ኣምላኽ ከም ዝፈርዶም ዝነግር ምልክት እዩ፡፡ ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ምስ ፈረዶም(የሩሳሌም ብሮማውያን ኣብ 70ዓ.ም ክትዓኑ እንከላ) እቲ ውህበት ቋንቋታት ዕላምኡ ብምህራም ኣቋሪጹ እዩ፡፡ እዚ ርድኢት ቅኑዕ ክኸውን ዝኽእል እዩ ግናኸ ዕላማኡ ስለ ዝወድአ ከቋርጽ ግድነት ኣይኮነን፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምቁራጽ ቋንቋታት ደምዲሙ ኣይዛረብን፡፡

ብተመሳሳሊ፡ ውህበት ቋንቋታት ሕጂ ይዓዪ ምስ ዝህሉ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ተሳንዩ ክካየድ ይግባእ፡፡ ዝዝረብ ወይ ዝስማዕ ቋንቋ ክኸውን ኣለዎ (1ቆሮንጦስ 14፡10)፡፡ ቃል ኣምላኽ ንተዛረብቲ ሓደ ቋንቋ ኣብ ምምሕልላፍ ክውዕል ይግባእ(ግብሪ ሃዋርያት 2፡6-12)፡፡ ከምኡ ኸኣ ከምቲ ኣምላኽ ብጳውሎስ ኣቢሉ ዝኣዘዞ ክኸውን ይግባእ፡ ብቛንቋ ዝዛረብ እንተሎ፡ ክልተ እንተ በዝሑ ኸኣ ሰለስተ ይኹኑ እሞ በብተራ ይዛረቡ፡ ሓደ ኸአ ይተርጉሞ፡፡ ተርጓሚ እንተ ዜልቦ ግና እቲ ብቛንቋ ዝዛረብ ኣብታ ማሕበር ስቕ ይበል፡ ንርእሱን ንኣምላኽን ግና ይዛረብ ደኣ (1ቆሮንጦስ 14፡27-28)፡፡ ን1ቆሮንጦስ 14፡33 ክጥሕስ ኣይግባእን፡ ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኮነን እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ነብያት ነቶም ነብያት ይገዝእዎም እዮም፡፡

ኣምላኽ ሓደ ሰብ ምስ ካልእ ሰብ ምእንቲ ክረዳዳእ ውህበት ቋንቋ ክህቦ ይኽእል እዩ፡፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ምሃብ መንፈሳዊ ውህበታት ምሉእ ስልጣን ኣለዎ (1ቆሮንጦስ 12፡11)፡፡ ወንጌላውያን ናብቲ ዝኸድዎ ዘበለ በቲ ቋንቋ ናይቶም ሰባት ክዛረቡ ክኢሎም ናብ ትምህርቲ ቋንቋ ምኻድ እንዘየድልዮም ክንደይ ምጠዓመ፡፡ ግናኸ ኣምላኽ ከምዚ ዝገብር ዘሎ ኣይመስልን፡፡ ቋንቋታት ኣዝዩ ጠቓሚ እቋ እንተኾነ ኣብዚ ሕጂ እዋን ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዘሎ መንገዲ ኣይግበርን ኣሎ፡፡ ብዙሓት ካብቶም ብቛንቋታት ዝዛረቡ ወገናት ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገብርዎ፡፡ ስለዚ እዚ ኹሉ ተደማሚሩ ውህበት ቋንቋታት ከም ኣቋሪጹ ወይ ድማ ኣዝዩ ውሑድ ጥራይ እዩ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ውህበት ብቛንቋታት ምዝራብ እንታይ እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries