settings icon
share icon
ሕቶ

ኣብ መንጎ ነፍስን መንፈስን ሰብ፡ እንታይ እዩ እቲ ፍልልይ?

መልሲ


ነፍስን መንፈስን ክልተ ቀንዲ ዘይግኡዛዊ መዳያት ናይ ሰብ ምዃኖም መጽሓፍ ቅዱስ ይጠቕስ። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣነጺርካ ፍልልያት ከተንብር ምፍታን ኣደናጋሪ ክኸውን ይኽእል እዩ። መንፈስ ዝብል ቃል፡ ናይ ሰብ ዘይግኡዛዊ ጎድኒ ምዃኑ ጥራሕ ይጠቕስ። ደቂ ሰባት መንፈስ ኣለዎም፡ መናፍስቲ ግን ኣይኮኑን። እንተኾነ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣመንቲ ጥራሕ እዮም ብመንፈስ ህያዋን ክበሃሉ ከለዉ (1ይ ቆረንቶስ 2:11፣ እብራውያን 4:12፣ ያዕቆብ 2:26) እቶም ዘይኣመንቲ ከኣ ብመንፈስ ምውታት ይበሃሉ (ኤፌሶን 2:1-5፣ ቆሎሴ 2:13)። ኣብ ጽሑፋት ናይ ጳውሎስ፣ ኣብ ህይወት ኣማኒ፡ መንፈሳውነት መሰረታዊ ጠለብ እዩ (1ይ ቆረንቶስ 2:14፣ 3:1፣ ኤፌሶን 1:3፣ 5:19፣ ቆሎሴ 1:9፣ 3:16)። መንፈስ ኣብ ሰባት ዘሎ ባእታ ኮይኑ፡ ምስ ኣምላኽ ጥቡቕ ዝምድና ክህልወና፡ ክእለት ይህበና። ኣብ ዝኾነ እዋን “መንፈስ” ዝብል ቃል ክንጥቀም ከሎና፡ ንሱ ንባዕሉ መንፈስ ዝኾነ ኣምላኽ፡ ምስኡ “ዝራኸብ” ዘይጭበጥ ክፋል ሰብ፡ እዩ ዘመልክት (ዮሃንስ 4:24)።

“ነፍሲ” ዝብል ቃል ድማ፡ ንዝጭበጥን ዘይጭበጥን መዳያት ሰብ፡ ንክልቲኡ ከመልክት ይኽእል እዩ። ደቂ ሰባት መንፈስ ዘለዎም ዘይመስሉ፡ ነፍሳት እዮም። ኣብቲ ቀንዲ መሰረታዊ ሓሳብ፡ “ነፍሲ” ዝብል ቃል “ህይወት” ማለት እዩ። እንተኾነ፣ ካብዚ ጠቓሚ ትርጉም ንላዕሊ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ነፍሲ፡ ኣብ ብዙሕ ትሕዝቶታት ጽሑፋቱ ይዛረብ እዩ። ሓደ ካብዚኣቶም፡ ናይ ወዲ ሰብ ትምኒት ንሓጢኣት እዩ (ሉቃስ 12:26)። ባህሪ ሰብ ብርግጽ እኩይን፡ ነፍሳትና ከኣ ኣሰራት ውጽኢቱ እየን። ኣብ እዋን ስጋዊ ሞት፡ ናይ ነፍሲ ናይ ህይወት መትከል ይውገድ። (ዘፍጥረት 35:18፣ ኤርምያስ 15:2)። ነፍሲ፡ ምስ መንፈስ፡ ናይ ብዙሕ መንፈሳዊን ስምዒታዊን ተሞክሮታት ማእከል እዩ (እዮብ 30:25፣ መዝሙር 43:5፣ ኤርምያስ 13:17)። ኣብ ዝኾነ እዋን፡ “ነፍሲ ” ዝብል ቃል ኣብ እንጥቀመሉ ግዜ፡ ንህይወት ንዘሎን ብድሕሪ ሞትን ዘሎ ምሉእ ሰብ ዘመልክት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ነፍስን መንፈስን ዝተኣሳሰሩ ኮይኖም፡ ግን ዝፈላለዩ እዮም። (እብራውያን 4:12)። ነፍሲ፡ እንታይነት ህልውና ባህርይ ሰብ፡ ኮይኑ/ና፣ ንሱ/ሳ እቲ ንሕና እዩ/ያ። መንፈስ ከኣ፡ባህርያዊ መዳይ ኮይኑ፣ እቲ ምስ ኣምላኽ ዝረኸብ/ዝጋጠም እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ኣብ መንጎ ነፍስን መንፈስን ሰብ፡ እንታይ እዩ እቲ ፍልልይ?
© Copyright Got Questions Ministries