settings icon
share icon
ሕቶ

መን እዮም እቶም ደቂ ኣምላኽን ኣዋልድ ሰብን ኣብ ዘፍጥረት 6:1-4?

መልሲ


ዘፍጥረት 6:1-4 ንደቂ ኣምላኽን ነዋልድ ሰብን የመልክት። እቶም ደቂ ኣምላኽ መን እዮምን ካብ ኣዋልድ ሰብ ዝተወልዱ ደቆምከ፡ ስለምንታይ ናብ ኣዝዮም ግዙፋት ዝኾኑ ዓሌት ዓበዩን [ንጉዓት ዝብል ስያሜ ከምዘመልክቶ] ዝተዋህቡ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ኣለዉ።

ኣብ መንነት እቶም ደቂ ኣምላኽ ዝበሃል ሰለስተ ቀንዲ ርእይቶታት እዞም ዚስዕቡ እዮም፦ 1) ዝወደቑ መላእኽቲ እዮም፣ 2) ሓያላት ገዛእቲ ሰ ባት እዮም ወይ 3) ውሉድ ናይቶም ካብ ወለዶ ደቂ ኣምላኽ ዝኾኑ ደቂ ሴት ምስተን ወለዶ እቲ እኩይ ዝኾና ኣዋልድ ቃየል ዝተኣታተዉ እዮም። ኣብ ብሉይ ኪዳን፣ ኩሉ ግዜ፣ ደቂ ኣምላኽ ዝብሎም ንመላእኽቲ ብምዃኑ፣ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ዝያዳ ሚዛን ንቀዳማይ ርእይቶ እዩ ዝወሃቦ። (እዮብ 1:6; 2:1; 38:7). ኣብዚ እቲ ዝሓየለ ግድል ኣብ ማቴዎስ 22:30 መላእኽቲ ዘይተኣታተዉ ኢሉ ዘመልክቶ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንመላእኽቲ ጾታውያን ወይ ዝፋረዩ ምዃኖምን ክንኣምንን ዝሃበና ኣብነት የልቦን። እዞም ክልተ ካልኦት ርእይቶታት፣ ነዚ ብድሆ ኣይቕረቡን።

ናይ 2ይን 3ይን ርእይቶታት ድኽመት እዚ እዩ፡- ሓድጊ መውስቦ ንቡራት ደቂ ተባዕትዮ፣ ምስ ንቡራት ደቂ ኣንስትዮ፣ ስለምንታይ እዮም “ንጉዓት” ወይ “ ናይ ጥንቲ ጀጋኑ፡ ስሙያት ሰባት”፣ ነይሮም ዘይምግላጹ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ስለምንታይ ደኣ ኣምላኽ፡ ነቶም ጀጋኑ ደቂ ተባዕትዮ ወይ ወለዶ ሴት ምስ ንቡራት ደቂ ኣንስትዮ ወይ ወለዶ ቃየል ከእትው ኣብ ዘይከልከሎም ክነሱ፣ ዕልቕልቕ ናብ ምድሪ ከምጽእ ዝወሰነ (ዘፍጥረት 6:5-7) ? እቲ ዝመጽእ ዝነበረ መዓት ዘፍጥረት 6:5-7 ምስቲ ኣብ ዘፍጥረት 6:1-4 ዝነበረ ፍጻሜ ምትእስሳር ኣለዎ። ዝወደቑ መላእኽቲ ምስ ኣዋልድ ሰብ፣ ንዝፈጸምዎ፡ ጽዩፍ፡ ብልሽው መውስቦ፡ ነቲ ዚሰዓበ ከምኡ ዝበለ ተሪር ፍርዲ፡ ቅቡል ዝገበሮ ይመስል።

ቅድም ክብል ዝተገንዘብናዮ፣ ድኽመት ቀዳማይ ርእይቶ፣ ኣብ ማቴዎስ 22:30 ከምዝገለጾ፡ “ኣብ ትንሳኤስ፡ ከም መላእኽቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እዮም እምበር፣ ኣየእትዉን ኣየታኣትዉን።” ኢሉ ዝገልጾ እዩ። እንተኾነ እቲ ጽሑፍ፡ መላእኽቲ ከእትዉ ኣይኽእሉን ኣይብልን። ብልክዕ መላእኽቲ ከምዘይምርዓዉ የመልክት። ካልኣይ ርእይቶ፡ ማቴዎስ 22:30 ነቶም “መላእኽቲ ኣብ ሰማይ” ዘለዉ እዩ ዘመልክት። ነቶም ብዛዕባ ንስርዓት ፍጥረት ኣምላኽ ግዲ ዘየብሎምን፣ መደቡ ንምዕንቃፍን ኮነ ኢሎም ዝዓጠቑ ዝወደቑ መላእኽቲ ዝምልከት ኣይኮነን። ቅዱሳን መላእኽቲ ኣምላኽ ኣየእቱን ወይ ኣብ ጾታዊ ዝምድና ኣይሳተፉን ዝበሃል፣ ነቲ ብሓቂ ሰይጣንን መላእኽቱን ግን ኣይምልከትን።

ርእይቶ 1) ዝያዳ ክኸውን ዝኽእል እዩ። እወ፣ መላእኽቲ ጾታ ኣልቦ እዮም ክትብል ጸኒሕካ፣ እቶም “ደቂ ኣምላኽ” ዝወደቑ መላእኽቲ ካብ ኣዋልድ ሰብ ፈርዮም ምባል ኣገዳሲ “ግርጭት” ዝኸስት እዩ። መላእኽቲ ወላኳ መናፍስቲ እንተኾኑ፡ (እብራውያን 1:14)፣ ከም ትርኢት ሰብ፣ ብግዙፍ ቅርጺ ይረኣዩ፣ (ማርቆስ 16:5)። ሰብ ሶዶምን ጎሞራን ምስቶም ኣብ ቤት ሎጥ ዝነበሩ ክልተ መላእኽቲ ግብረሶዶም ንክፍጽሙ ደልዮም። (ዘፍጥረት 19:1-5)። መላእኽቲ ትርኢት ሰብ ክወስዱ ይኽእሉ እዮም ኢልካ ክሳብ ናይ ሰብ ጾታውነትን መፍረን ክቐድሑ ኢልካ ክእመን ዝከኣል እዩ። ስለምንታይ ደኣ እዞም ዝወደቑ መላእኽቲ ሳሕቲ ነዚ ተግባር ዘይገብርዎ? ነቶም ከምኡ ዝበለ ሓጢኣት ዝፈጸሙ ዝወደቑ መላእኽቲ፣ ኣምላኽ ስለዝኣሰሮም፣ እቶም ካልኦት መላእኽቲ ከምኡ ዝበለ ተግባር ከይፍጽሙ ተዓጊቶም። (ከም ኣብ ይሁዳ 6 ዝተገልጸ።) ቀዳሞት ተርጎምቲ እብራይስጢን ናይ ትውፊትን [ሰውዶፒግራፋል] ጽሑፋትን፣ ኣብ ዘፍጥረት 6:1-4 “ደቂ ኣምላኽ” ተባሂሎም ዝተጠቕሱ ንሶም እዮም እቶም ዝወደቑ መላእኽቲ፣ ብዘይ ኣፈላላይ ሓደ ዓይነት ርእይቶ ሒዞም ይርከቡ። እዚ ኣበሃህላ፣ ንኩሉ ምጉት ከምዘለዎ ይዓጽዎ። እንተኾነ፣ ንዘፍጥረት 6:1-4 እቶም ዝወደቑ መላእኽቲ፣ ምስ ኣዋልድ ሰብ ምትእትታዎም፣ ጽኑዕ ጽሑፋዊ፣ ስዋስዋዊን ታሪኻውን ባይታ ዘለዎ ርእይቶ እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መን እዮም እቶም ደቂ ኣምላኽን ኣዋልድ ሰብን ኣብ ዘፍጥረት 6:1-4?
© Copyright Got Questions Ministries