settings icon
share icon
ሕቶ

ናይ ክርስትያን ርእይቶ ናይ ምትካኽ ሽጋራ እንታይ እዩ?

መልሲ


መጽሓፍ ቅዱስ ፈጺሙ ብቐጥታ ን ምትካኽ ሽጋራ ኣይጠቕሶን እዩ። እንተኾነ ግን ብርግጽ ን ምትካኽ ሽጋራ ዝምልከቱ መምርሒታት ኣለው። መጀመርያ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣካላትና ብ ዝኾነ ነገር “ከይግዛእ” ይእዝዘና። “ኲሉ ተፈቒዱለይ ኣሎ፡ ግናኸ ኲሉ ኣይጠቅምን እዩ። ኲሉ ተፈቒዱለይ ኣሎ፡ ኣነ ግና ሓደ ነገር እኳ ኺመልከኒ ኣይሐድጎን እየ።” (1 ቆሮንጦስ 6፡12)። ክካሓድ ዘይክኣል ነገር ምትካኽ ሽጋራ ሓያል ኣወላፊ ነገር እዩ። ድሕሪኡ ኣብ ተመሳሳሊ ጽሑፍ፡ “ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ” ይብለና (1 ቆሮንጦስ 6፡19-20)። ምትካኽ ሽጋራ ብዘይ ውልውል ንጥዕናኹም ኣዝዩ ሕማቕ እዩ። ምትካኽ ሽጋራ ን ሰናቡእን ንልብን ከምዘዕኑ ተረጋጊጹ እዩ።

ምትካኽ ሽጋራ “ጥቕሚ” ኣለዎ ኢልካ ክሕሰብ ይክኣል ዶ? (1 ቆሮንጦስ6፡12)? ምትካኽ ሽጋራ ብሓቂ ንኣምላኽ ብስጋኻ የኽብሮ ኣሎ ዶ ክብሃል ይክኣል? (1 ቆሮንጦስ 6፡20)? ሓደ ሰብ ብቅንዕና “ንኽብሪ ኣምላኽ” ከትክኽ ይኽእል ዶ (1 ቆሮንጦስ 10፡31)? መልሲ ናይ’ዞም ሰለስተ ሕቶታት ድማ ዓው ብዝበለ ድምጺ “ኣይፋል” እዩ ኢልና ንኣምን፡ ከም ውጺኢቱ ድማ ምትካኽ ሽጋራ ሓጥያት እዩ ኢልና ንኣምን ስለ’ዚ ድማ ብሰዓብቲ ክርስቶስ ክግበር ኣይግባእን።

ገለ ሰባት ኣንጻር’ዚ ርእይቶ ይካትዑ፡ ንሳቶም ዘምጽእዎ ጭብጢ ድማ ብዙሓት ሰባት ከወልፍ ዝኽእልን ንኣካላት ድማ ጽቡቕ ዘይኮነ ሄልዚ ዘይኮነ (ዘይጥዑይ) መግቢ ይበልዑ ይብሉ። ከም ኣብነት፡ ብዙሓት ሰባት ናይ ካፈይን ውሉፋት እዮም፡ ስለዚ ከኣ ንግሆ ብዘይ ኣወል ቡን ክሰርሑ ኣይክእሉን እዮም። እዚ ሓቂ ኮይኑ፡ ግን ከመይ ኢሉ እዚ ንምትካኽ ሽጋራ ቅኑዕ ዝገብሮ? ክርስትያናት ሃርጎምጎምን ምባልን መጠን ኣልቦ ዘይጥዑይ ኣመጋግባን ከወግዱን ናህና ምጉት እዩ። እወ፡ ብዙሕ ግዜ ክርስትያናት ንሓደ ሓጥያት ብምኹናን ነቲ ካልእ ድማ ብምምሓር ይግበዙ እዮም፡ ኮይኑ ግን ደጊምና፡ እዚ ንምትካኽ ሽጋራ ንኣምላኽ ከምዘኽብሮ ኣይገብሮን እዩ።

ካልእ ክትዕ ኣንጻር ርእይቶ ናይ ምትካኽ ሽጋራ ድማ ብዙሓት ናይ ኣምላኽ ሰባት የትክኹ ኔሮም እንድዮም ዝብል እዩ፡ ከም እኒ እቲ ፍሉጥ ናይ ብርትሽ ሰባኺ C.H. Spurgeon፡ ሽጋራ ብምትካኽ ይፍለጥ ኔሩ። ደጊምና፡ እዚ ክትዕ’ዚ ዝኾነ ሚዛን ኣለዎ ኢልና ኣይንሓስብን። ንሕና Spurgeon ምትካኹ ተጋግዩ ኔሩ ኢልና ንኣምን። ንሱ ብካልእ መገዲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኔሩ ዶ፡ ከምኡ ድማ ዘገርም መምህር ቃል ኣምላኽ ኔሩ ዶ? ብርግጽ! እዚ ማለት ግን ኩሉ ተግባሩን ባህርያቱን ንኣምላኽ ከምዘኽብር ይገብሮ ዶ? ኣይፋል።

ምትካኽ ሽጋራ ሓጥያት እዩ ክንብል ከሎና፡ ኩሎም መትከኽቲ ሽጋራ ኣይድሕኑን እዮም ኣይኮንናን ንብል ዘሎና። ብዙሓት ሓቐኛ ኣመንቲ የሱስ ክርስቶስ ኣለው ዘትክኹ። ምትካኽ ንሰብ ካብ ምድሓን ኣይክልክሎን እዩ። ንምድሓን ናይ ሰብ’ውን ጠንቂ ምሕዳግ ኣይኮነን። ምትካኽ ሽጋራ ን ክርስትያን ዝኸውን ወይ ንሓጥያቱ ዝንሳሕ/ትንሳሕ ክርስትያን ከም ካልእ ሓጥያት ዘይሕደጎ ኣይኮነን (1 ዮሃንስ 1፡9)። ብተመሳሳሊ ድማ፡ ምትካኽ ሽጋራ ክግደፍ ዘለዎ ሓጥያት እዩ ኢልና ኣጽኒዕና ንኣምን፡ ብናይ ኣምላኽ ሓገዝ ድማ፡ ሰዓር።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ናይ ክርስትያን ርእይቶ ናይ ምትካኽ ሽጋራ እንታይ እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries