settings icon
share icon
ሕቶ

ኩሎም ሓጥያት ንኣምላኽ ማዕረ ድዮም?

መልሲ


ኣብ ማቴዎስ 5፡ 21-28፡ የሱስ ዝሙት ምግባር ምስ ብልብኻ ምብሃግ ማዕረ ጌርዎ ከምኡ ከኣ ምቕታል ምስ ኣብ ልብኻ ጽልኢ ምሓዝ ውን ከምኡ። ኮይኑ ግን፡ እዚ ማለት እቶ ሓጥያታት ማዕረ እዮም ማለት ኣይኮኑን። እቲ የሱስ ናብ ፈሪሳውያን ከምጸኦ ዝፍትን ዝነበረ ድማ ዋላ’ውን ብግብሪ ከይፈጸምካ ነቲ ተግባር ክትገብሮ ድሌት ጥራይ እንተሎካ ገና ሓጥያት ሙዃኑ ኣይተርፍን እዩ። ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ክሳብ ነቲ ድሌት ዘይፈጸምካዮ ብዛዕባ ዝደለኻዮ ዝኾነ ነገር ምሕሳብ ደሓን እዩ ኢሎም ይሓስቡ ኔሮም። የሱስ ንዖኦም ክርድእዎ ዝጸቕጦም ዝነበረ ከኣ ኣምላኽ ኣብ ናይ ሰብ ሓሳባትን ከምኡ ድማ ተግባራትን ከምዝፈርድ ክርድእዎ ምእንቲ እዩ። የሱስ ተግባራትና ውጺኢት ናይ ኣብ ልብና ዘሎ ሙዃኑ ገሊጹ (ማቴዎስ 12፡34)።

ስለዚ፡ ዋላ’ኳ የሱስ ትምኒትን ዝሙትን ክልቲኦም ሓጥያት እዮም እንተበለ፡ እዚ ማለት ግን ክልቲኦም ማዕረ እዮም ማለት ኣይኮነን። ከም ሓቂ ከኣ ካብ ንሰብ ስቕ ኢልካ ምጽላእ ንሰብ ምቕታል ኣዝዩ ዝኸፈአ እዩ፡ እዚ ከኣ ዋላ’ኳ ክልቲኦም ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ሓጥያት እንተኾኑ። ናይ ሓጥያት ደረጃታት ኣለው እዮም። ገለ ሓጥያት ካብ ካልኦት ዝኸፍኡ እዮም። ብተመሳሳሊ ድማ ብመንጽር ክልቲኦም ማለት ዘልኣለማዊ ሳዕቤንን ምድሓንን ኩሎም ሓጥያታት ማዕረ እዮም። ነፍሲ-ወከፍ ሓጥያት ናብ ዘልኣለማዊ ኩነኔ ክትመርሕ እያ (ሮሜ 6፡ 23)። ኩሉ ሓጥያት፡ ክሳብ ክንደይ “ንእሽቶ” እዩ ብዘየገገድስ ኣንጻር እቲ ደረት ኣልቦ ዘልኣለማዊ ኣምላኽ እዩ ስለዚ ድማ ደረት ኣልቦ ዘልኣለማዊ ዝኾነ መቕጻዕቲ ድማ ይግበኦ። ካልእ ድማ፡ ዝኾነ ኣዝዩ “ዓቢ”ሓጥያት ዝብሃል ኣምላኽ ይቕረ ክብሎ ዘይክእል የሎን። የሱስ ንመቕጻዕቲ ሓጥያት ንክኸፍል እዩ ሞይቱ (1 ዮሃንስ 2፡2)። የሱስ ንኩሉ ናህና ሓጥያት እዩ ሞይቱ (2 ቆሮንጦስ 5፡21)። ኩሎም ሓጥያታት ንኣምላኽ ማዕረ ድዮም ? እወ ከምኡ ድማ ኣይፋል። ብኽብደቶም ከ? ኣይፋል። ብመቕጻዕቶም ከ? እወ። ብይቕሬታኦም ከ? እወ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ኩሎም ሓጥያት ንኣምላኽ ማዕረ ድዮም?
© Copyright Got Questions Ministries