settings icon
share icon
ሕቶ

ጸሎት ሓጥእ እንታይ እዩ?

መልሲ


ጸሎት ሓጥእ ዝበሃል፡ ሓደ ሰብ ሓጥእ ምዃኑ ፈሊጡ፡ መድሓኒ ድማ ከም ዘድልዮ ብምእማን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘቕርቦ ጸሎት እዩ፡፡ እዚ ጸሎት ምጽላይ ጥራይ ንባዕሉ ዘስልጦ የልቦን፡፡ እዚ ጸሎት ሓጥእ፡ እቲ ሰብ ብዛዕባ ሓጢኣቱን መድሓኒ ከም ዘድልዮን ፈሊጥዎ፡ ተረዲእዎን ተኣሚንዎን ንዘሎ ዝውክል ጸሎት እዩ፡፡

እቲ ቀዳማይ ሸነኽ ጸሎት ሓጥእ ኩልና ሓጥኣን ምዃንና ምርዳእ እዩ፡፡ ሮሜ 3፡10 ከምዚ ይእውጅ፡ ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኩልና ከም ዝሓጣእና የርድኣና፡፡ ኩልና ካብ ኣምላኽ ምሕረትን ሕድገትን ዘድልየና ሓጥኣን ኢና (ቲቶስ 3፡5-7)፡፡ ብሰሪ ሓጢኣትና ዘልኣለማዊ መቕጻዕቲ ይግብኣና (ማቴዎስ 25፡46)፡፡ ጸሎት ሓጥእ ኣብ ክንዲ ናብ ፍርዲ ናብ ጸጋ ዝቐርብ ጥርዓን እዩ፡፡ ኣብ ክንዲ ቁጥዓ ናብ ምሕረት ምምሕጻን እዩ፡፡

እቲ ካልኣይ ሸነኽ ጸሎት ሓጥእ ድማ ኣምላኽ ኣብቲ ሓጥእን ጥፉእን ሰብና እንታይ ከም ዝገበረ ምፍላጥ እዩ፡፡ ኣምላኽ ስጋ ብምልባስ ብኣካል የሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ መጺኡ እዩ (ዮሃንስ 1፡1፤ 14)፡፡ የሱስ ከኣ ሓቂ ኣምላኽ እናመሃረ ብፍጽምናን ብጽእናን ነበረ (ዮሃንስ 8፡46፤ 2ቆሮንጦስ 5፡21)፡፡ ነቲ ዝግብኣና መቕጻዕቲ ንኽወስድ ኣብ ክንዳና ኣብ መስቀል ተሰቕለ (ሮሜ 5፡8)፡፡ የሱስ ንሓጢኣትን ሞትን ሲኦልን ከም ዝሰዓረ ንምርግጋጽ ካብ ምውታን ተንሰአ (ቆሎሴ 2፡15፤ 1ቆሮንጦስ ምዕራፍ 15)፡፡ በዚ ኹሉ ድማ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ብምእማን ሓጢኣትና ተሓዲጉልና ኣብ ሰማይ ቦታ ክንረክብ ተስፋ ኣሎና፡፡ ምእንታናን ኣብ ክንዳናን ከም ዝሞተን ካብ ምውታን ዝተንስአን ብምእማን ጥራይ ንድሕን (ሮሜ 10፡9-10)፡፡ ብእምነት ጥራይ ኣቢልና ብጸጋ ጥራይ ክንድሕን ንኽእል፡፡ ኤፌሶን 2፡8 ከምዚ ተኣዊጁ ኣሎ፡ ሓደ እኳ ከይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኮነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር ካባኻትኩም ኣይኮነን፡፡

ጸሎት ሓጥእ ማለት ንየሱስ ክርስቶስ ከም መድሓኒኻ ከም እትውከሎ ኣብ ኣምላኽ ምእዋጅ ጥራይ እዩ፡፡ ንእለቱ ምድሓን ከምጽእ ዝኽእል ፍሉይ ቃላት ምድጋም ኣይኮነን፡፡ ድሕነት ዝርከብ ብሞትን ትንሳኤን የሱስ ጥራይ እዩ፡፡ ሓጥእ ምዃንካን ተኣሚንካ ብየሱስ ክርስቶስ ክትድሕን ምስ እትደሊ እምበኣር ኣብ ኣምላኽ ከተቕርቦ እትኽእል ጸሎት እነሆ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ሓጥእ ምዃነይ ይፈልጥ ኣለኹ፡፡ ዓስቢ ሓጢኣተይ ከም ዝግብኣኒ ይፈልጥ ኣለኹ፡፡ ግናኸ ምድሓን ንኽረክብ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ይኣምን ኣለኹ፡፡ ሞቱን ትንሳኤኡን ከም ዘምሕረኒ ይኣምን ኣለኹ፡፡ ንየሱስ ጥራይ ከም መድሓንየይን ጎይታየይን ይውከሎ ኣለኹ፡፡ ስለ ዝመሓርካንን ዘድሓንካንን የመስግነካ፡፡ ኣሜን፡፡

ኣብዚ ብዘምበብኩሞዶ ኢኹም ብዛዕባ ክርስቶስ ውሳኔ ዝወሰድኩም? ከምኡ እንተኾይኑ፡ ብኽብረትኩም ስዒቡ ኣብ ዘሎ “ሎሚ መዓልቲ ንክርስቶስ ተቐቢለ።” ዝብለ ክሊክ ግበሩ/ጠውቑ
English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ጸሎት ሓጥእ እንታይ እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries