settings icon
share icon
ሕቶ

ትእምርትታት መወዳእታ ዘመን፡ እንታይ እዮም?

መልሲ


ኣመጻጽኣ ፍጻሜ ዘመናት ምእንቲ ከነለሊ፡ ማቴዎስ 24:5-8 ሓደ ሓደ ኣገደስቲ ኣሰራት ሂቡና ኣሎ፣ “ኣነ ክርስቶስ እየ፡’ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ክመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓት እውን ከስሕቱ እዮም። ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩ፡ ኣይትሰምብዱ፡ እዚ ዅሉ ክኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲ’ውን ናብ መንግስቲ ክለዓል እዩ። ኣብ በቦታኡ ጥሜትን፡ ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክኸውን እዩ። እዚ መጀመርታ ቅልውላው እዩ።” ወሰኽ ሓሰውቲ መሲሃት፡ ወሰኽ ውግእን፡ ወሰኽ ጥሜት፡ ሕማማትን ምብራሳትን [ምንቅጥቃጥ ምድርን]፡ እዚኣቶም ትእምርትታት ናይ መወዳእታ ግዜ እዩ። ኣብዚ ጽሑፍ፡ዋላኳ መጠንቀቕታ እንተተዋህበና: እቶም ዝኽሰቱ ኩነታት፡ ምልክት ምጅማር ቅልውላዋት ስለዝኾኑ፣ ክንታለል የብልናን፡ ግናኸ ፍጻሜ ዝመጸሉስ ገና እዩ።

ሓደ ሓደ ተርጎምቲ፡ ነንዝተኸስተ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ፕለቲካዊ ምልዕዓል፡ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል፡ መወዳእታ ዓለም ብቅልጡፍ ናይ ምምጻእ፡ ርጉጽ ምልክት ገይሮም የመልክቱ። ዋላኳ ክስተታት፡ ምቅልቓል ናይ መወዳእታ ግዜ እንተኣመልከቱ፡ ንሳቶም ድሮ ምምጻእ ናይ መወዳእታ መዓልቲ፣ ግድን ኣመልከትቲ ኣይኮኑን። ኣብ መወዳእታ ዘመናት ወሰኽ ትምህርቲ ሓሶት ከምዝበዝሕ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣጠንቅቑ ነይሩ። “በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና፡ ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም፡ ንመናፍስቲ ስሕተትትን ንምህሮ ኣጋንንት ከምዚስዕቡ፡ እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል ኣሎ (1ይ 4:1)። እተን ናይ መወዳእታ መዓልትታት ከም “ድንገተኛ[ሃንደበታዊ] ግዜያት” እየን ዝግለጻ፡ ምኽንያቱ፡ ክፉእ ባህርያት ሰብ ክውስኽን፡ ሰባት ብንጥፈት “ንሓቂ ክጻረሩ” እዮም (2ይ ጢሞቴዎስ 3:1-9; ከምኡ’ውን ኣብ 2ይ ተሰሎንቄ 2:3) ርአ።

ካልእ ትእምርትታት ከኣ፡ ኣብ ዮሩሳሌም ምህናጽ ቤት መቕደስ ኣይሁድ፡ ምዝያድ ጽልኢ ኣንጻር እስራኤልን፡ ምዕባለታት ናብ በይነ መንግስታዊ ዓለምን ከጠቓልል ዝኽእል ምዃኑ እዩ። እንተኾነ፡ እቲ ቀንዲ ህቡብ ምልክት፡ ናይ መወዳእታ ግዜ ዝምልከት፡ ጉዳይ ሃገረ እስራኤል እዩ። ካብ 70 ዓመተ-ምሕረት ንደሓር፡ እቲ ኣገዳሲ ንመጀመርያ ግዜ፡ እስራኤል ኣብ 1948 ዓመተ-ምሕረት፡ ከም ሃገረ እስራኤል፡ ልኣልዊት ሃገር ምፍላጣ እዩ። ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ ተስፋ፡ ምድሪ ከነኣን፡ ንሓድጊ ወለድኡ “ርስቲ ዘልኣለም” ከም እትኸውን እዩ (ዘፍጥረት 17:8)፣ ብስጋን ብመንፈስን ቀልቢ እስራኤል፣ ከምዝምለስ ህዝቄል ተነበየ (ህዝቄል ምዕራፍ 37)። ብመንጽር ትንቢት ምጽኣተ-ዓለም፡ እስራኤል ኣብ ገዛእ ምድራ፡ ከም ሃገር ክትህሉ፡ ናይ እስራኤል ኣገዳስነት፡ ኣብ መወጻእታ ዘመን ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዩ። (ዳኒኤል 10:14; 11:41፣ ራእይ 11:8).

ነዞም ምልክትታት [ትእምርትታት] ኣብ ልብና ብምዕቋር፡ [ነዞም ምልክታት ብምስትሃብል] ብዛዕባ ትጽቢት መወዳእታ ዘመን፡ ለባማትን ኣለለይትን ክንከውን ንኽእል ኢና። ነዞም በብንጽል ዝኽሰቱ ተርእዮታት፡ ከም ቅልጡፍ መድረኽ፡ ምልክት ምብጻሕ መወዳእታ ዘመን ገይርና፡ ክንትርጉሞ ግን ኣይግባእን እዩ። ኣምላኽ፡ ዝተጸዋዕናሉን ክንዳለወሉን ዘኽእለና እኹል ሓበሬታ ሂቡና ኣሎ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ትእምርትታት መወዳእታ ዘመን፡ እንታይ እዮም?
© Copyright Got Questions Ministries