settings icon
share icon
ሕቶ

ኣብ ጾታዊ ርክብ ዝተመርዓው ክርስትያን ዝኾኑ መጻምዲ ክገብርዎ ዝፍቀድን ዘይፍቀድን እንታይ እዩ?

መልሲ


መጽሓፍ ቅዱስ “ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን” ይብለና፡ (እብራውያን 13፡4)። መጽሓፍ ቅዱስ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ጾታዊ ርክብ ክገብርዎ ዘሎ ዘለዎም ወይ ዘይብሎም ፈጺሙ ኣይገልጽን። ሰብኡትን ኣንስትን “ንጊዜኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር፡ እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኣይፈለ።” (1 ቆሮንጦስ 7፡5) ኢሉ ይእዝዞም። እዚ ጥቕሲ ምናልባት ኣብ መርዓ ንዝህልው ጾታው ዝምድና ነቲ መምርሒ የቐምጥ ይኸውን። ነፍሲ ወከፍ ዝግበር ብስምምዕ ክኸውን ኣለዎ። ዝኾነ ሰብ ንዑኡ ወይ ንዓኣ ዘይምችኦም ነገር ወይ ጌጋ እዩ ኢሎም ዝሓሰብዎ ነገር ክገብር ክደፋፋእ ወይ ክግደድ ኣይግባእን። እንተድኣ ሰብኣይን ሰበይትን ሓደ ነገር ክፍትኑ ደልዮም (ንኣብነት፡ ናይ ኣፍ ዝግበር ጾታዊ ርክብ፡ ዝተፈልየ ኣቀማምጣ፡ ናይ ጾታዊ ርክብ ባምቡላታት ወይ ኣሻንጉሊታት ወዘተ)፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይትግበርዎ ዝብል ዝኾነ ምኽንያት ኣይህብን።

ውሑዳት ነገራት ኣለው፡ ንዝተመርዓው መጻምዲ ፈጺሞም ኣብ ጾታዊ ርክብ ዘይፍቀዱሎም። ተግባር ናይ “ዘይናትካ ምልውዋጥ” ወይ “ካልእ ሰብ ምውሳኽ” (ሰለስተ ሙዃን፡ ኣርባዕተ ሙዃን ወዘተ፡) እዚ ውጹእ ዝሙት እዩ (ገላትያ 5፡19፡ ኤፌሶን 5፡3፡ ቆሎሴ 3፡5፡ 1 ተሰሎንቄ 4፡3)። ዋላ’ውን መጻምድኻ የፍቅድ፡ ይቀበሎ ወይ ኣብ’ኡ ይሳተፍ ዝሙት ሓጥያት እዩ። ስእለ-ጽዩፍ ን ”ፍትወትት ስጋን ፍትወት የዒንትን” ይጽውዕ (1 ዮሃንስ 2፡16) ስለዚ ከኣ ብኣምላኽ ውን ኩኑን እዩ። ሰብኣይን ሰበይትን ፈጺሞም ናብ ጾታዊ ሂወቶም ስእለ-ጽዩፍ ከምጽኡ የብሎምን። ብዘይካ እዞም ክልተ ነገራት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብስምምዕ ክሳብ ዝኾነ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ንሓድሕዶም ክገብርዎ ዘለዎም ብግልጺ ዝኽልክሎም ነገር የሎን ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ኣብ ጾታዊ ርክብ ዝተመርዓው ክርስትያን ዝኾኑ መጻምዲ ክገብርዎ ዝፍቀድን ዘይፍቀድን እንታይ እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries