settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ቅድሚ መርዓ ዝግበር ጾታዊ ርክብ እንታይ ይብል?

መልሲ


ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንቕድሚ መርዓ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ዝገልጽ ናይ እብራይስጢ ወይ ግሪኽ ቃል የልቦን፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንዝሙትን ጾታዊ ብዕልግና ኣትሪሩ ዝኹንኖ እኳ እንተኾነ ቅድሚ መርዓ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ከም ዝሙት ክቑጸር ይኽእልዶ፤ ብመሰረት 1ቆሮንጦስ 7፡2 እቲ መልሲ ንጹር እወ እዩ፡ ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሃልዎ፡ ነፍሲወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሃልዋ፡፡ ኣብዚ ጥቕሲ፡ ጳውሎስ ንጾታዊ ብዕልግና ዝፍውሶ መርዓ እዩ ይብል፡፡ እዛ ጥቕሲ እትብሎ ዘላ እምበኣር፡ ሰባት ርእሶም ክቆጻጸሩ ስለ ዘይከኣሎምን ብዙሓት ድማ ካብ መርዓ ወጻኢ ኣብ ጾታዊ ብዕልግና ይፍጽሙ ስለ ዘለዉን፡ ሰባት ክምርዓዉ ይግባእ፡፡ በዚ ኸኣ እቲ ስምዒቶም ብግቡእ ወይ ብሰናይ መንገዲ ከመልእዎን ከስተማቕርዎን ይኽእሉ፡፡

ብመሰረት 1ቆሮ 7፡2 ቅድሚ መርዓ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ምስ ጾታዊ ብዕልግና ስለ ዝጽብጸብ፡ ኩሎም እቶም ንጾታዊ ብዕልግና ከም ሓጢኣት ዝቖጽሩ ጥቕስታት ንጾታዊ ርክብ ቅድሚ መርዓ ከም ሓጢኣት ይኹንንዎ እዮም፡፡ ቅድሚ መርዓ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣገላልጻ ጾታዊ ብዕልግና ይኣቱ እዩ፡፡ ንቅድሚ መርዓ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ከም ሓጢኣት ዝእውጅዎ ብዙሓት ጥቕስታት ኣለዉ ( ግብሪ ሃዋርያት 3፡5፤ 1ቆሮንጦስ 5፡1፤ 6፡13,18፤ 10፡8፤ 2ቆሮንጦስ 12፡21፤ ገላትያ 5፡19፤ ኤፌሶን 5፡3፤ ቆሎሴ፡ 3፡5፤ 1ተሰሎንቄ 4፡3፤ ይሁዳ 7)፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቅድሚ መርዓ ካብ ጾታዊ ርክብ ፈጺምካ ንምሕራም ይእዝዝ፡፡ ኣምላኽ ዘፍቅዶ ወይ ዝፈትዎ ጾታዊ ርክብ እቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይቱን ዝግበር ጥራይ እዩ (እብራውያን 13፡4)፡፡

ብዙሕ እዋን ኣብቲ ኻብ ጾታዊ ርክብ ዝርከብ ምስትምቓር ወይ ተድላ ኣድሂብና ነቲ ናይ ምፍጣር ወይ ምፍራይ ቁምነገር ጾታዊ ርክብ ንዝንግዖ፡፡ ኣብ ሓዳር ዝግበር ጾታዊ ርክብ ተድላ ዝህብ ወይ ዘደስት እዩ፡ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ክኸውን መዲብዎ እዩ፡፡ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ውሽጢ ሓዳር ተቖሪኖም ንጾታዊ ርክብ ከስማቕርዎ ይፈቱ፡፡ መሃልየ መሃልይን ካልኦት ጽሑፋትን (ከምኒ ምሳሌ 5፡19) ንተድላ ጾታዊ ርክብ ይንእዱ፡፡ እንተኾነ ግና እቶም መጻምድቲ ንጾታዊ ርክብ ምስትምቓር ጥራይ ዘይኮነ ንምፍራይ ወይ ህጻናት ንምውላድ ድማ ምዃኑ ክስወጦም ይግባእ፡፡ ስለዚ ቅድሚ መርዓ ኣብ ጾታዊ ርክብ ምውዓል ድርብ ጌጋ እዩ ከመይሲ ብሓደ ወገን ዘይግብኦም ተድላ ከስተማቕሩ እንከለዉ እቲ ዝኸፍአ ድማ እቲ ኣምላኽ ንኹሉ ህጻን ዝመደሉ ስድራ ወይ ሓዳር ናይ ምፍጣር ዕድል ይወስዱሉ ኣለዉ፡፡

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ጾታዊ ርክብ ዝህቦ መልእኽቲ ተሰሚዑ ተተግቢሩ እንተ ዝኸውን፡ ኣብ ዓለም ውሑድ ሕማማት(ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ)፡ ውሑድ ምንጻል ጥንሲ፡ ዝወሓዳ ዘይተመርዓዋ ኣዴታትን ዘየድሊ ጥንስን ከምኡ ድማ ውሑዳት ብዘይ ወላዲ ዝዓብዩ ህጻናት ምሃለዉ፡፡ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ቅድሚ መርዓ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ዝደንገጎስ ምሕራም ጥራይ እዩ፡፡ ምሕራም ብዙሕ ህይወት የድሕን፡ ንህጻናት ይሓሊ፡ ንጾታዊ ዝምድናታት የኽብር ልዕሊ ኹሉ ድማ ንኣምላኽ የኽብር፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ቅድሚ መርዓ ዝግበር ጾታዊ ርክብ እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries