settings icon
share icon
ሕቶ

እንታይ እየን እተን ሸውዓተ ዝኸፍኣ ሓጥያት?

መልሲ


ብመሰረት ናይ ካቶሊክ ስነ-መለኮት፡ እተን ሸውዓተ ዝኸፍኣ ሓጥያት ድማ እተን ሸውዓተ ክፍኣታት ወይ ኣሉታዊ ናይ ባህሪ መለኪዒታት እየን፡ እንተድኣ ምክትታል ዘይተገብረለን ድማ፡ ምእንጋድ ካልኦት ሓጥያታት የስዕባን ኣብ መወዳእትኡ ድማ ናይ ሰብ ነፍሲ ይቐትላ። እተን ሸውዓተ “ዝኸፍኣ” ሓጥያት ድማ ትዕቢት፡ ቅንኢ፡ ሃርጎምጎም፡ ትምኒት ስጋ፡ ቁጠዐ፡ ስሰዐን ትህኪትን እየን። እዚ ዝርዝር መጀመርያ ብ ጳጳስ ጉሪጎሪ እዩ ኣብ ሻዱሻይ ክፍለ ዘመን ተሓንጺጹ። ድሓር ቶማስ ኣኲናስ ነቲ ሓሳብ ኣስፊሕዎ። ኣብ ዓሰርተ-ኣርባዕተ ክፍለዘመን፡ ዳንተ ነታ ናቱ ናይ ገሃነም ቅኔ ናይ ግጥሚ ን ፑርጋቶሪ ወይ ቦታ ንስሓ ከም ስእሊ ብምሓዝ እዩ ጽሒፍዋ፡ እዚ ከኣ ነተን ሸውዓተ ዝኸፍኣ ሓጥያት ብምትእስሳር ሸውዓተ ኣስካላ ከምዘለወን ብምግባር እዩ።

እተን ሸውዓተ ዝኸፍኣ ሓጥያት ብተወሳኺ እተን ሸውዓተ ዓበይቲ ሓጥያታት ወይ እተን ሸውዓተ ኣውራ ሓጥያታት ውን ተባሂለን ይጽውዓ እየን፡ ኣብ’ዚ ዓውደ ጽሑፍ ኣውራ ክብሃል ከሎ ድማ “መሰረታዊ ኣገዳሲ” ወይ “ ኣዝዩ ክፉእ” ማለት እዩ። እተን ሸውዓተ ዝኸፍኣ ሓጥያት ድማ እተን ቀንዲ መሰረታውያን ንሰብኣውነት ዝልብዳን ከምኡ’ውን ንዓና ዳርጋ ቀንዲ ዘጨንቓን ሓጥያት እየን። ነፍሲ-ወከፍ እተን ሸውዓተ ዝኸፍኣ ሓጥያት ናብ ካልእ ሓጥያት ይመርሓ፡ ንኣብነት፡ ቁጥዐ ናብ ክፉእ ዘረባ፡ ግጭት ወይ ቅትለት ክመርሕ ይኽእል።

ኣብ’ዚ ከኣ ሓጺር መግለጺ ናይ ነፍሲ-ወከፈን እተን ሸውዓተ ዝኸፍኣ ሓጥያት ኣሎ፡

ትዕቢት-ዝተነፍሐ፡ ዘይክውንነታዊ ስምዒት ናይ ገዛእ ርእስኻ ክብሪ።

ቅንኢ-እዚ ስሚዒት ድማ ንብረት፡ ዓወት፡ ጠባይ፡ ተውህቦታት ናይ ካልእ ሰብ ይግብኣኒ ምባል።

ሃርገፍገፍ-መጠን ኣልቦ ድሌት ተድላ ናይ ምብላዕን ምስታይን።

ትምኒት ስጋ- ስስዐ ዘለዎ ኣተኩሮ ኣብ ጾታዊ ርክብ ወይ ምስ ናትካ መጻምዲ ዘይኮነ ካልእ ሰብ ጾታዊ ባህታ ንምርካብ ምድላይ።

ቁጥዐ- ተመጣጣኒ ዘይኮነ፡ ዘይግቡእ ድሌት ናይ ሕነ ምፍዳይ።

ስሰዐ- ሓያል ድሌት ናይ ምውናን፡ ብፍላይ ድማ ናይ ካልኦት ዋንነት ዝኾነ ንብረት።

ትህኪት- ኣብ ኣድላዪ ዝኾነ ዕማም ዓቕሚ ምግባር ምስኣን፡ ከይተዓየየ ንክጸንሕ ድማ ምግባር (ወይ ድማ ሕማቕ ጌርካ ምስራሕ)።

ሓደ ልሙድ ጉጉይ መረዳእታ ብዛዕባ እተን ሸውዓተ ዝኸፍኣ ሓጥያት ከኣ እዚኣተን ኣምላኽ ይቕረ ዘይብለለን ሓጥያት እየን ዝብል እዩ። ካተሉካዊት ቤተ ክርስትያን ሮማ እዘን ሓጥያት ይቕረ ዘይብሃላ እየን ኢላ ኣይትምህርን፡ ኣብ ናይ ካቶሊክ ዶግማ ወይ ዶክትሪን፡ እተን ሸውዓተ ዝኸፍኣ ሓጥያት ናብ ቀታሊ ሓጥያት ክመርሓ ይኽእላ እየን፡ እዚ ድማ እዚ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሓጥያት ቅድሚ ሞት ንስሓ እንተዘይተጌሩሉ ነቲ ሰብ ምስ ሞተ ቀጥታ ናብ ጋሃነም ይሰደኦ። ብተወሳኺ ካቶሊካውነት እተን ሸውዓተ ዝኸፍኣ ሓጥያት ብሸውዓተ ባህርያት ክሰዓራ ይኽእላ እየን ኢላ ትምህር (ትሕትና፡ ይኣኽለኒ ምባል፡ ግብረሰናይ፡ ርእሰ ምግታእ፡ ንጽህና፡ ዓቕሊን ትግሃትን)።

እቲ ሓሳብ ናይ’ተን ሸውዓተ ዝኸፍኣ ሓጥያት መጽሓፍ ቁዱሳዊ ድዩ? እወ ከምኡ ድማ ኣይፋል። ምሳሌ 6፡16-19 ኣምላኽ ዝጸልአን ሸውዓተ ነገራት ይዝርዝር፡ 1) ትዕቢተኛ ዓይኒ፡ 2) ሓሳዊት መልሓስ፡ 3)ንጹህ ደም ዘፍስሳ ኣእዳው፡ 4)እኩይ ምኽሪ እትፍሕስ ልቢ፡ 5) እከይ ነገር ናብ ዘበለ ዝቕልጥፋ ኣእጋር፡ 6) ሓሶት ዝዛረብ ሓሳዊ ምስክር፡ ከምኡ’ውን 7) ኣብ ሞንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዝዘርእ ሰብ። ርግጽ’ዩ እዘን ዝርዝር ዝበዝሐ ሰብ እተን “ሸውዓተ ዝኸፍኣ ሓጥያት” እየን ኢሉ ዝርደአን ኣይኮናን።

እወ ትዕቢት፡ ቅንኢ፡ ወዘተ.,መጽሓፍ ቅዱስ ዝኹንኖም ሓጥያት እዮም እንተኾነ ግን ፈጺሞም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተን “ሸውዓተ ዝኸፍኣ ሓጥያት” ኣይተባህሉን። እቲ ልምዳዊ ዝርዝር ናይ ሸውዓተ ዝኸፍኣ ሓጥያት ከኣ ነቶም ዘለው ብዙሓት ሓጥያታት ከም መመደቢ መገዲ ከገልግል ይኽእል እዩ። ዳርጋ ነፍሲ-ወክፍ ሓጥያት ኣብ ሓደ ካብ’ዞም ሸውዓተ ምድባት ክኣቱ ይኽእል እዩ።

ኣብ ናይ መወዳእታ ትንታኔ፡ ዝኾነ ሓጥያት ዝያዳ “ክፉእ’ ካብ ካልእ ሓጥያት ኣይኮነን። ኩሎም ሓጥያት ናብ ሞት የምጽኡ (ሮሜ 6፡23)። ዋላ’ውን ሓንቲ ሓጥያት ንሓደ ሰብ ከም መፍረሲ ሕጊ ትኹንኖ (ያዕቆብ 2፡10)። ክብሪ ንኣምላኽ ይኹን የሱስ ክርስቶስ መቕጻዕቲ ናይ ኩሉ ሓጥያትና እንከላይ እተን “ሸውዓተ ዝኸፍኣ ሓጥያት” ወሲድዎ። ብጸጋ ናይ ኣምላኽ፡ ብእምነት ናይ ክርስቶስ፡ ንሕና ክሕደገልና ይኽእል እዩ፡ (ማቴዎስ 26፡28፡ ግብሪሃዋርያት 10፡43፡ ኤፌሶን 1፡7)።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

እንታይ እየን እተን ሸውዓተ ዝኸፍኣ ሓጥያት?
© Copyright Got Questions Ministries