settings icon
share icon
ሕቶ

እንታይ እዩ ካልኣይ ምጽኣት የሱስ ክርስቶስ?

መልሲ


ካልኣይ ምጻኣት የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ንኹሉ ከምዝቆጻጸርን ከምኡ ድማ ኣብ ቃሉ ንዘሎ ተስፋታትን ትንቢታትን እሙን ሙዃኑ ናይ ኣመንቲ ተስፋ እዩ። የሱስ ክርስቶስ ኣብ ናይ መጀመርታ ምጻኣቱ፡ ከምቲ ትንቢት ዝተገብረሉ ከም ህጻን ኣብ ____ኣብ ቤተልሄም መጺኡ። ኣብ ልደቱ፡ ሂወቱ፡ ዕዩኡ፡ ሞቱን ትንሳኤኡን ድማ ብዙሕ ትንቢታት ናይ’ቲ መሲሕ ፈጺሙ። ኮይኑ ግን ገለ ትንቢታት ናይ’ቲ መሲሕ ኣለዉ ገና የሱስ ክርስቶስ ዘይፈጸሞም። ካልኣይ ምጽኣት ናይ የሱስ ክርስቶስ ድማ ምምላስ ናይ ክርስቶስ ንምፍጻም እቶም ትንቢታት ክኸውን እዩ። ኣብ ናይ መጀመርታ ምጻኣቱ፡ የሱስ እቲ እተሰቀየ ኣገልጋሊ እዩ ኔሩ። ኣብ ካልኣይ ምጻኣቱ ድማ እቲ ዝገዝእ ንጉስ ክኸውን እዩ። ኣብ ናይ መጀመርታ ምጻኣቱ፡ የሱስ ብኣዝዩ ትሕት ዝበለ ኩነታት እዩ መጺኡ። ኣብ ካልኣይ ምጽኣቱ ግን፡ የሱስ ሰራዊት ሰማይ ኣብ ጎኖ ጌሩ እዩ ክመጽእ።

ናይ ብሉይ ኪዳን ነብያት ኣብ ሞንጎ እዞም ክልተ ምጽኣታት ንጹር ፍልልይ ኣይገበሩን። እዚ ድማ ኣብ ኢሰያስ 7፡14፡ 9፡6-7 ከምኡ’ውን ዘካርያስ 14፡4 ክረአ ይኽእል እዩ። ከም ውጺኢት ናይ’ዞም ብዛዕባ ክልተ ሰባት ዝዛረቡ ዝመስሉ ትንቢታት፡ ብዙሓት ናይ ኣይሁድ ምሁራት ድማ ክልተ ማለት ዝሳቐ መሲንን ዝገዝእ መሲህን ክህልዉ እዮም ኢሎም ኣሚኖም። ክርደኦም ዘይክኣለ ነገር ድማ ሓደ መሲ ጥራይ ከምዘሎን ንክልቲኦም ድማ ከምዝፍጽሞምን እዩ። የሱስ ኣብ ቀዳማይ ምጽኣቱ ናይ’ቲ ዝስቀ ኣገልጋሊ ዕማም ፈጺሙ (ኢሰያስ ምዕራፍ 53)። የሱስ ኣብ ካልኣይ ምጽኣቱ ድማ ናይ እስራኤል መድሓንን ንጉስን ዕማም ክፍጽም እዩ። ዘካርያስ 12፡10 ከምኡ ድማ ራኢ 1፡7 ንካልኣይ ምጻኣት ክገልጹ ከለው የሱስ ክውጋእ ከሎ ናብ ንድሕሪት ተመሊሶም ይርእዩ። እስራኤልን ሙሉእ ዓለምን ድማ ነቲ መሲህ ኣብ’ቲ መጀመርታ ዝመጻኣሉ ስለ ዘይተቐበልዎ ክሓዝኑ እዮም።

ድሕሪ የሱስ ናብ ሰማይ ምዕራጉ፡ እቶም መላእኽቲ ነቶም ሃዋርያት “ ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዐረገ የሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዐርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ፡ በልዎም (ግብሪሃዋርያት 1፡11)። ዘካርያስ 14፡4 ንቦታ ካልኣይ ምጽኣት ኣብ ደብረ ዘይቲ እዩ ኢሉ ይፈልዮ። ማቴዎስ 24፡30 ከምዝብሎ ድማ “ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ፡ ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም።” ቲቶስ 2፡13 ንካልኣይ ምጽኣት ከም “ምግላጽ ግብሪ” ኢሉ ይገልጾ።

ካልኣይ ምጻኣት ብዝበለጸ ዝርዝር ኣብ ራኢ 19፡11-16 ተዘሪብሉ ኣሎ፡ “ሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ርኤኹ። እንሆ ድማ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ እሙንን ሓቀኛን ይብሀል፡ ብጽድቂውን እዩ ዚዳንን ዚዋጋእን። ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ ኣብ ርእሱውን ብዙሕ ዘውድታት አለዎ፡ ብጀካኡ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ጽሑፍ ስም ድማ አለዎ። ብደም እተዐለሰ ኽዳን ተወንዚፉ እዩ፡ ስሙውን ቃል ኣምላኽ እዩ። ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ፡ ጻዕዳን ጽሩይን ሻሽ ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣምበሌታት ኣፍራስ ተቐሚጦም ሰዐብዎ። ካብ ኣፉ ኸኣ ነህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ። ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ፡ ነቲ መጽመቝ ወይኒ ናይቲ ብርቱዕ ቍጥዓ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከኣ ንሱ ይረግጾ። ኣብ ክዳኑን ኣብ ምሕኵልቱን ድማ፡ ንጉስ ነገስታት፡ ጐይታ ጐይተትውን፡ ዚብል ጽሑፍ ስም አለዎ።”

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

እንታይ እዩ ካልኣይ ምጽኣት የሱስ ክርስቶስ?
© Copyright Got Questions Ministries