settings icon
share icon
ሕቶ

እምነት ኣብ ኣብ ኣምላኽን ስነፍልጠትን ይጋጨዉ ዶ?

መልሲ


ስነፍልጠት ከም “ትዕዝብቲ፡ ምልላይ፡ መግለጺ፡ ፈተነ ዘለዎ መርመራን ክልሰ ሓሳባዊ መግለጺ ናይ ሓደ ተርእዩ።” እዩ ዝትርጎም። ስነፍልጠት ወድሰብ ዝዓበየ መረዳእታ ናይ ተፈጥሮኣዊ ኣድማስ ንምርካብ ክጥቀመሉ ዝኽእል ኣገባብ እዩ። እዚ ከኣ ብትዕዝብቲ ዝግበር ምድላይ ፍልጠት እዩ። ምዕባለታት ናይ ስነ-ፍልጠት ከኣ ምድምዳም ናይ ስነሞጎትን ግምትን የርእዩ። እንተኾነ ግን ናይ ክርስትያን እምነት ኣብ ስነፍልጠት ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት ፈጺሙ ክኸውን የብሉን። ክሳብ ኣየናይ እዩ ፍጹም ኣየናይ እዩ ኸ ፍጹም ዘይኮነ ንዝክር፡ ክርስትያን ኣብ ኣምላኽ እምነት ክህልዎ ይኽእል ከምኡ ድማ ኣኽብሮት ኣብ ስነ ፍልጠት።

ናህና እምንቶ ኣብ ኣምላኽ ናይ እምነት እምንቶ እዩ። ንሕና ንምድሓንና ኣብ ወዱ እምነት ኣሎና፡ ኣብ ቃሉ ድማ ንትምህርታና እምነት ኣሎና፡ ንምርሒትና ድማ ኣብ መንፈስ ቅዱስ እምነት ኣሎና። ናህና እምነት ኣብ ኣምላኽ ፍጹም ክኸውን ኣለዎ፡ ምኽንያቱ እምነትና ኣብ ኣምላኽ ክንገብር ከሎና፡ ንሕና ኣብ ፍጹም፡ ኩሉ ዝኽእል፡ ኩሉ ዝፈልጥ ፈጣሪ ኢና ንድገፍ ዘሎና። ናህና እምነት ኣብ ስነ ፍልጠት ድማ ናይ ኣእምሮ ክኸውን ኣለዎ እምበር ካብ’ኡ ክሓልፍ የብሉን። ብዙሕ ነገራት ንምግባር ኣብ ስነ ፍልጠት ክንጽብጽብ ንኽእል ኢና፡ ኮይኑ ግን ጌጋ ንምግባር ውን ኣብ ስነፍልጠት ክንጽብጽብ ንኽእል ኢና። እምነትና ኣብ ስነፍልጠት እንተድኣ ጌርና፡ ንሕና ኣብ ፍጹም ዘይኮነ፡ ሓጥያተኛ፡ ውሱን፡ መዋቲ ሰብ ንሙርኮስ ኣሎና። ስነፍልጠት ኣብ ሙሉእ ታሪኽ ብዛዕባ ብዙሕ ነገራት ተጋግዩ ኔሩ፡ ከም ቅርጺ ናይ መሬት፡ ሓይሊ ዘለዎ በረራ፡ ክታበታት፡ ምስግጋር ደምን መፍረን። ኣምላኽ ፍጹም ኣይጋገን እዩ።

ሓቂ ወላ-ሓንቲ ዘይምፍራሕ እዩ፡ ስለዚ ክርስትያን ን ጽቡቕ ዝኾነ ስነፍልጠት ክፈርህ የብሉን። ኣምላኽ ን ኣድማስ ዝፈጠረሉ መገዲ ብዝያዳ ምምሃር ድማ ኩሉ ወድ-ኣዳም ንድንቅታት ፍጥረት ንከድንቕ ይሕግዝ። ፍልጠትና ምስፋሕ ን ሕማም፡ ድንቁርናን ዘይምርድዳእን ንምቅላስ ይሕግዝ። እንተኾነ ግን ተመራመርቲ ልዕሊ እምነት ፈጣሪ እምነቶም ኣብ ሰብኣዊ ስነ-መጎት ወይ ሎጂክ ክገብሩ ከለዉ ሓደጋ ኣለዎ። እዞም ሰባት ካብ ዝኾነ ኣብ ሃይማኖት ዝተወፈየ ሰብ ኣይፍለዩን እዮም፡ እምነቶም ኣብ ሰብ ክኸውን መሪጾምን ከምኡ ድማ ነቲ እምነት ንምክልኻል ጭብጥታት ክረኽቡ እዮም።

ገና እቶም ቀንዲ ርትዓውያን ተመራመርቲ፡ ዋላ’ውን እቶም ኣብ ኣምላኽ ክኣምኑ ዘይደልዩ ናህና ዘሎና መረዳእታ ናይ ኣድማስ ምሉእነት ከምዝጎድሎ ይኣምኑ። ንሳቶም ልክዕ ከምቶም ብዙሓት ዝፈትውዎም ክልሰሓሳባት ኣብ መወዳእትኡ ክረጋገጹ ወይ ሓሶት ክብሃሉ ዘይክእሉ ከምኡ ድማ ኣምላኽ ይኹን መጽሓፍ ቅዱስ ብስነፍልጠት ክረጋገጹ ወይ ሓሶት ክብሃሉ ከምዘይክእሉ ክኣምኑ እዮም። ስነፍልጠት ንሓቂ ጥራይ ዝፍትሽ እምበር ካልእ ኣጀንዳ ከይወሰኸ ሚዛናዊ ዓውደ ትምህርቲ እዩ ክኸውን ዘለዎ።

ዝበዝሐ ካብ ስነፍልጠት ንህላወን ስራሕ ኣምላኽን ይድግፍ እዩ። መዝሙር ዳዊት 19፡1 ድማ “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ፣ ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ” ይብል። ዘመናዊ ስነፍልጠት ብዛዕባ ኣድማስ ዝያዳ እናዳህሰሰ፡ ዝያዳ ድማ መርትዖ ናይ ፍጥረት ንረክብ። እቲ ዘገርም ሕልኽላኽን ቅዳሕን ናይ ዲኤንኤ፡ እቲ ሕልኽላኽን ዝተገጣጠመን ሕግታት ናይ ፊዚክስን እቲ ፍጹም ዝኾነ ውህደት ናይ ኩነትን ኬምስትርን ኣብ’ዚ ኣብ ዓለም፡ እዚኣቶም ኩሎም ንመልእኽቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንምድጋፍ ይሰርሑ። ክርስትያን ነቲ ንሓቂ ዘናዲ ስነፍልጠት ክሓቕፎ ይግባእ ኮይኑ ግን ነቶም ናይ ሰብ ፍልጠት ልዕሊ ኣምላኽ ዘቐምጡ “ካህናት ስነፍልጠት” ክነጽጎም ይግባእ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

እምነት ኣብ ኣብ ኣምላኽን ስነፍልጠትን ይጋጨዉ ዶ?
© Copyright Got Questions Ministries