settings icon
share icon
ሕቶ

ኣየናይ ሃይማኖት ክስዕብ?

መልሲ


ገለ ቤት መግብታት ከምቲ እንደልዮ ወይ እንፈትዎ መግቢ ከቕርባልና እኣሚነን ይስሕባና፡፡ ገለ ቡን ወይ ሻሂ ዘቕርባ ድማ ጠጥዕሙ መቐረት ዘለዎ ዓይነታት ቡን ወይ ሻሂ ከም ዘቕርባ የወዓውዓ፡፡ ገዛ ይኹን መኪና ክንዕድግ እንከሎና ኸኣ ነቲ እንደልዮ ዘማልእ ኣቕሓ ንመርጽ፡፡ ኣብዛ ዓለም ምርጫታት ይበዝሕ ኣሎ፡፡ ምርጫ ነጊሱ ኽበሃል ይከኣል፡፡ ከከም ውልቃዊ ምርጫና ደሊና እንረኽበሉ ዘመን በጺሕና ኣሎና፡፡

ስለዚ ንዓኻ ዝጥዕም ወይ ዝሰማምዓካ ሃይማኖት ምርካብከ፤ ሓርነት ዝህበካ አምበር ዘይከሰካ ሃይማኖት፡ ካባኻ ብዙሕ ዘይጠልብን ከምዝን ከምትን ግበር ዘይብል ሃይማኖትን ምፈተኻዶ፤ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃይማኖት ኣሎ፡፡ የግዳስ ሃይማኖት ወይ እምነት ከምቲ ካልእ ምርጫታትና ክኸውን ኣለዎዶ?

ኣትኩሮናን ተገዳስነትናን ዝስሕብ ብዙሕ ድመጽታት ኣሎ እሞ ስለምንታይ ንየሱስ ካብ መሓመድ፡ ካብ ኮንፊሽየስ፡ ካብ ቡድሃ ወይ ካብ ቻርለስ ተይዝ ራሰል ወይ ካብ ዮሴፍ ስሚዝ ንኣብሊጽካ ትመርጾ፤ ደሓር ከኣ ኩሉ መንገድታት ናብ ገነት ዝወስድ እንድዩ፤ ኩሉ ሃይማኖታትን እምነታትን ሓደ ኣይኮነን ድዩ፤ እቲ ሓቂ ግና ከምቲ ኹሉ መንገድታት ናብ ሓደ ቦታ ዘይወስድ፡ ኩሉ ሃይማኖታትን እምነታትን ከኣ ናብ ገነት ዘእቱ ኣይኮነን፡፡

የሱስ ጥራይ እዩ ንሞት ዝሰዓረ እሞ ንሱ ጥራይ እዩ ብስልጣን ኣምላኽ ክዛረብ ዝኸኣለ፡፡ መሓመድ፡ ኮንፊሽየስ ኮነ ካልኦት ከም ሰቦም ክሳዕ ሎሚ ኣብ መቓብር እዮም ዘለዉ፡፡ የሱስ ግና ብሓይሉ ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት መሪር ሞት መስቀል ካብ መቓብር ወጸ፡፡ ነቲ ንሞት ዝሰዓረ ክንግደሰሉ ኣሎና፡፡ ንሞት ዝሰዓረስ ክስማዕ ኣለዎ፡፡

የሱስ ካብ ሞት ከም ዝተንሰአ ዘረጋግጽ ብዙሕ እዩ፡፡ ቀዳምነት ንትንሳኤኡ ብዓይኖም ዝረኣዩ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚእቲ መሰኻኽር ኣለዉ፡፡ እዚ እኹል ምስክር እዩ፡፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ሰብ ብሓደ ድምጺ ክሕስዉ ከቢድ እዩ እሞ እዚ ምስክር ክስማዕን ክእመንን ኣለዎ፡፡ እቲ መቓብር ጥራዩ ምህላዉ ድማ ሓደ ዓብዪ ጭብጢ እዩ፡፡ እቶም ጸላእትን ተቓወምትን የሱስ ተንሲኡ ክሰምዑ እንከለዉ ንሬሳ የሱስ ብምቕራብ ንኹሉ መጎተ ምዓገትዎ ነይሮም ይኹን እምበር ከቕርብዎ ዝኸኣሉ ሬሳ ኣይነበሮምን፡፡ እቲ መቓብር ጥራዩ ነበረ፡፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንሬስኡ ሰሪቖምዎ ክኾኑ ኣይክእሉን፤ ኣይፋልን፡ ከመይሲ እቲ የሱስ ዝተቐብረሉ ብብዙሓት ዘብዐኛታት ይሕሎ ነበረ፡፡ የሱስ ክእሰርን ክስቀልን እንከሎ እቶም ኣዝዮም ዝቐርብዎ ዝነበሩ ከም ዝሃደሙ ተራእዩ፡ ገሊኣቶም ከኣ ብፍርሒ ዝተዋሕጡ ገፈፍቲ ዓሳ ኣንጻር እጦም ዝሰልጠኑ ወተሃደራት ክምክቱን ክከራኸሩ ኢልካ ኣይግመትን፡፡ ከምቲ መብዛሕትኦም ዝገበርዎ ድማ ንኸንቱ ወይ ብዘይ ተሪር እምነት ህይወቶም ኣሕሊፎም ኣይምሃቡን፡፡ ትንሳኤ የሱስ ብቐሊሉ ዝሕለፍ ኣይኮነን፡፡

እንደገና፡ ሞት ዝሰዓረ ክስማዕ ኣለዎ፡፡ የሱስ ንሞት ከም ዝሰዓረ ኣረጋጊጹ እዩ እሞ ነቲ ዝብሎ ክንሰምዖ ኣሎና፡፡ የሱስ እቲ እንኮ መንገዲ ድሕነት ምዃኑ ተዛሪቡ እዩ (ዮሃንስ 14፡6)፡፡ ንሱ ሓደ ካብ ብዙሕ መንገድታት ኣይኮነን፡ ብዙሕ መንገድታትት ሃልዩ ንሱ ድማ ሓደ መንገዲ ኣይኮነን፡፡ ንሱ ጥራይ እዩ እቲ እንኮ መንገዲ፡፡

እዚ የሱስ ኣቱም ኩሉኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ከዕርፈኩም ናባይ ንዑ ይብል (ማቴዎስ 11፡28)፡፡ እዛ ዓለም ከባድ እያ፡ ኣብ ህይወት ከኣ ብዙሕ ጸገማት ኣሎ፡፡ መብዛሕትና ኸኣ ዝተጸገምና፡ ዝደመና፡ ዝቖሰልናን ዝተጎዳእናን ኢና፡፡ ንሰማማዕዶ፤ እሞ እንታይ ትደሊ፤ ምሕዳስ ዶስ ተራ ሃይማኖት፤ ህያው መድሓኒ ዶስ ሓደ ካብ ብዙሓት ምውታን ነብያት፤ ትርጉም ዘለዎ ርክብ ዶስ ከንቱ ስርዓታት፤ የሱስ ሓደ ኣማራጺ ኣይኮነን፡ ንሱ እቲ እንኮ ምርጫ እዩ፡፡

ምሕረት ትደሊ ምስ እትኸውን የሱስ እቲ ሓቀና እምነት እዩ (ግብሪ ሃዋርያት 10፡43)፡፡ ምስ ኣምላኽ ብቕኑዕ ክትራኸብ ምስ እትደሊ የሱስ እቲ ሓቀኛ ሃይማኖት እዩ (ዮሃንስ 10፡10)፡፡ ኣብ ሰማይ ዘልኣለማዊ ቤት ምስ እትደሊ የሱስ እቲ ቕኑዕ ሃይማኖት እዩ (ዮሃንስ 3፡16)፡፡ ንየሱስ ክርስቶስ ከም መድሓኒኻ እመኖ እሞ ኣይክትጣዓስን ኢኻ፡፡ ንምሕረት ሓጢኣትካ ኣብኡ እመን እሞ ኣይክትሓፍርን ኢኻ፡፡

ምስ ኣምላኽ ቅኑዕ ርክብ ክህልወካ ምስ እትደሊ እነሆልካ ጸሎት፡፡ እዚ ጸሎት ኮነ ካልእ ጸሎት ምድጋም ንባዕሉ ዘድሕን ከም ዘይኮነ ኣስተውዕል፡፡ ኣብ ክርስቶስ ምእማን ጥራይ እዩ ዘድሕን፡፡ እዚ ጸሎት፡ ኣብ ኣምላኽ ከም ዝኣመንካን ድሕነት ስለ ዝቐረበልካ ከኣ ከም እተመስግኖን እትገልጸሉ ጥራይ እዩ፡፡ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ቅድሜኻ ከም ዝሓጣእኩን መቕጻዕቲ ከም ዝግብኣንን ይፈልጥ፡፡ ኣነ ምሕረት ምእንቲ ክረክብ ግና የሱስ ክርስቶስ ንመቕጻዕተይ ወሲድዎ ኣሎ፡፡ ንድሕነተይ ኣባኻ ይውከል ኣለኹ፡፡ ስለ እቲ ብዙሕን ግሩምን ጸጋኻን ምሕረትካን ስለ ዘልኣለማዊ ህይወትን ተመስገን፡፡ ኣሜን፡፡

ኣብዚ ብዘምበብኩሞዶ ኢኹም ብዛዕባ ክርስቶስ ውሳኔ ዝወሰድኩም? ከምኡ እንተኾይኑ፡ ብኽብረትኩም ስዒቡ ኣብ ዘሎ “ሎሚ መዓልቲ ንክርስቶስ ተቐቢለ።” ዝብለ ክሊክ ግበሩ/ጠውቑ
English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ኣየናይ ሃይማኖት ክስዕብ?
© Copyright Got Questions Ministries