settings icon
share icon
ሕቶ

ንሓደ ተመሳሳሊ ነገር ደጋጊምካ ምጽላይ ቅቡል ድዩ ወይ ሓንሳብ ጥራይ ክንሓትት ኣሎና?

መልሲ


ኣብ ሉቃስ 18፡1-7፡ የሱስ ኣብ ጸሎት ናይ ከይቀበጽካ ምጽላይ ኣገዳስነት ንምግላጽ ምስላ ይጥቀም። ንሱ ዛንታ ናይ ሓንቲ ሰብኣያ ዝሞታ መበለት ናብ ሓደ ዓመጸኛ ዳኛ ብምምጻእ ምስ መባእስታ ፍትሒ ከውጽኣላ ክትሓትት መጺኣ ኢሉ ይነግረና። ብምኽንያት ናታ ኣብ ጾሎት ምጽናዓ ድማ፡ እቲ ዳኛ ተሓሊሉ። ናይ የሱስ ነጥቢ ከኣ እንተድኣ ሓደ ዘይፍትሓዊ ዳኛ ናይ ሓደ ጸኒዑ ፍትሒ ዝሓትት ሰብ ጥርዓን ዝምልስ ኮይኑ፡ ክሳብ ክንደይ ደኣ እቲ ዘፍቅረና እግዚኣብሄር— “ሕሩያቱ” (ቁ.7) —ምጽላይ ክንቅጽል ከሎና ጾሎትና ዘይምልስ? እቲ ምስላ ከም’ቲ ብጌጋ ዝምሃር፡ እንተዳኣ ንሓደ ነገር ደጋጊምና እንተጸሊና፡ ኣምላኽ ነዚ ክህበና ይግደድ ኢሉ ኣይምህርን። በንጻሩ፡ ኣምላኽ ነቶም ናቱ ክኽሕስ፡ ነጻ ከውጽእ፡ ንበደሎም ከቕንዕ፡ ፍትሒ ከውጽኣሎምን ካብ ጸላእቶም ከናግፎምን ተስፋ ይህብ። ነዚ ድማ ስለ ፍትሑ፡ ቅድስንኡን ንሓጢኣት ምጽልኡን፡ ኣብ ምምላስ ጾሎት፡ ቃሉ ይሕሉን ከምኡድማ ሓይሉ ይገልጽን።

የሱስ ኣብ ሉቃስ 11:5-12 ካልእ መግለጺ ናይ ጸሎት ይህብ። ብተመሳሳሊ ከም’ቲ ምስላ ናይ ዓመጸኛ ዳኛ፡ ናይ የሱስ መልእኽቲ ኣብ’ዚ ጽሑፍ ከኣ ሓደ ሰብ እንተድኣ ንዝተጸገመ ብጻዩ ኢሉ ገዛእ ርእሱ ኣብ ዘይጥዕሞ ነገር ኣእትዩ፡ ኣምላኽ ድማ ኣዝዩ ብዝበለጸ ንድሌታትና ክመልእ እዩ፡ ምኽንያቱ ንዑኡ ወልሓደ ዘይጥዕሞ ሕቶ ስለዘየለ። እንደገና ድማ ኣብ’ዚ፡ እንተድኣ ምሕታት ቀጺልና ንዝኾነ ዝሓተትናዮ ንረክብ ማለት ኣይኮነን እቲ ተስፋ። ናይ እግዚኣብሄር ተስፋ ንውሉዱ ከኣ ንዘድልየና ንምምላእ እምበር ድሌታትና ንምምላእ ኣይኮነን እቲ ተስፋ። ሓደ ተመሳሳሊ ተስፋ እዩ ኣብ ማቴዎስ 7፡7-11 ከምኡ ድማ ኣብ ሉቃስ 11፡3 ድማ “እቲ ጽቡቕ ውህበት” እቲ መንፈስ ቅዱስ ሙዃኑ እዩ ዝያዳ ተደጋጊሙ ተገሊጹ ዘሎ።

ክልቲኦም እዞም ጽሑፋት ንዓና ክንጽልን ከምኡ-ድማ ከየባተኽና ክንጽልን የተባብዑና። ንሓደ ነገር ደጋጊምካ ምሕታት ወለሓደ ጸገም የብሉን። ክሳብ እቲ ንስኻ ትጽልዮ ዘሎኻ ኣብ ውሽጢ ፍቓድ ኣምላኽ ዝኾነ (1 ዮሃንስ 5፡ 14-15)፡ ክሳብ ኣምላኽ ንሕቶኻ ዝህበካ ወይ ነቲ ድሌት ካብ ልብኻ ክሳብ ዝኣልዮ ምሕታት ኣይተቛርጽ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣምላኽ ምእንቲ ትዕግስትን ምጽማምን ምእንቲ ክምህረና ናይ ጾሎትና መልሲ ንክንጽበ የገድደና። ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ምሃብ ኣብ ናይ ኣምላኽ ሰዓት ናይ ሂወትና ዘየለ ከሎ ሓደ ነገር ንሓትት። ኣብ ገለ እዋን ድማ ናይ ኣምላኽ ፍቓድ ንዓና ዘይኮነ ነገር ንሓትት እሞ ንሱ ድማ “ኖእ” ይብል። ጾሎት ናህና ሕቶታት ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ጥራይ ኣይኮነን፡ እንታይ ዳኣ ናይ ኣምላኽ ፍቓዱ ናብ ልብታትና ምቕራብ እዩ። ክሳብ ኣምላኽ ንሕቶኻ ዝምልስ ወይ ክሳብ ንሱ እቲ ሕቶኻ ፍቓዱ ከምዘይኮነ ንዓኻ ዘረድኣካ ምሕታት ኣይተቋርጽ፡ ምኩሕኳሕ ኣይተቋርጽ፡ ምድላይ ኣይተቋርጽ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ንሓደ ተመሳሳሊ ነገር ደጋጊምካ ምጽላይ ቅቡል ድዩ ወይ ሓንሳብ ጥራይ ክንሓትት ኣሎና?
© Copyright Got Questions Ministries