settings icon
share icon
ሕቶ

መዓስ/ከመይ ኢና መንፈስ ቅዱስ ንቕበል?

መልሲ


ሃዋርያ ጳውሎስ ብንጹር ዝመሃሮ ፡ ንየሱስ ክርስቶስ ከም መድሓኒና ጌርና ኣብ ዝተቐበልናሉ ህሞት ኢና መንፈስ ቅዱስ ንቕበል ፡፡ ቀዳማይ ቆሮንቶስ 2፡12-13 ከም’ዚ ኢሉ ይእውጅ ፡ "ኣይሁድ ወይስ ጽርኣውያን፡ ባሮት ወይስ ጭዋታት እንተ ዀንና፡ ንሕና ዂላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ፡ ሓደ መንፈስ ሰቴና፡፡" ሮሜ 8፡9፡ ዝነግረና ፡ ሓደ ሰብ መንፈስ ቅዱስ እንተዘይብሉ ፡ ናይ ክርስቶስ ከምዘይኮነ ፡ ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሐዲሩኩም እንተ ኣልዩስ፡ ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘሎኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዜብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነን። ኤፌሶን 1፡13-14 ፡ መንፈስ ቅዱስ ማሕተም ኲሎም ኣመንቲ ከምዝዀነ እዩ ዝምህረና ፡ ንስኻትኩምውን ብእኡ ቓል ሓቂ ፡ ናይ ምድሓንኩም ወንጌል ፡ ምስ ሰማዕኩም ብእኡውን ምስ ኣመንኩም፡ ብናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ተሓተምኩም። ንሱ ንምድሓን ጥሪቱ፡ ንውዳሴ ኽብሩ፡ ዕርቡን ርስትና እዩ ።

እዘን ሰለስተ ክፍሊ ጽሑፋት ከምዘነጽራኦ ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ናይ ምድሓን ህሞት እዩ ዝውሃብ። ኲሎም ኣመንቲ ከኣ መንፈስ ቅዱስ እንተ ዘይህልዎም ኔሩ ፡ ኩላትና ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና ፡ ሓደ መንፈስ ስቴና ፡ ኢሉ ጳውሎስ ክዛረብ ኣይምኸኣለን። ሮሜ 8፡9 ከኣ ካብዚ ሕይል ይብል፡ ሓደ ሰብ መንፈስ ዘይብሉ ናይ ክርስቶስ ኣይኮነን። እምበኣር ርስቲ መንፈስ መለለዪ ርስቲ ምድሓን እዩ። ብተወሳኺ ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህሞት ምድሓን እንተዘይንቕበሎ ኔርና ከኣ ፡ ናይ ምድሓን ማሕተም ክኸውን ኣይምኸኣለን ኔሩ (ኤፌሶን 1፡13-14)። ኣብቲ ንክርስቶስ ከም መድሓኒ ዝተቐበልናሉ ህሞት ናይ ምድሓንና ውሕስነት

ከምንረክብ ፡ ብዙሓት ጽሑፋት እዮም ጽቡቕ ጌሮም ኣነጺሮሞ ዘለዉ።

እቲ ዘተ ኣካታዒ እዩ ፡ ከመይሲ ሓደሓደ ግዜ ኣገልግሎታት መንፈስ ቅዱስ ንሰባት ይተሓዋወሶም እዩ። ምቕባል/ምሕዳር መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህሞት ምድሓን እዩ ዝፍጸም። መንፈስ ምምላእ ቀጻሊ መስርሕ ህይወት ክርስትያን እዩ። ብመንፈስ ምጥማቕ ኣብ ህሞት ምድሓን ከምዝፍጸም ዝፈለጥናዮ ኣለና ፡ ገሊኦም ክርስትያናት ግና ከምኡ ጌሮም ኣይርድእዎን ። እዚ ከኣ ሓደሓደ ግዜ ፡ ንናይ መንፈስ ቅዱስ ጥምቀት ከምቲ ጎኒጎኒ ምድሓን ዘሎ መንፈስ ምቕባል ጌርካ ምትሕውዋስ የምጽእ ፡፡

ኣብ መደምደምታ ፡ ብከመይ ኢና ንመንፈስ ቅዱስ ንቕበሎ? ንመንፈስ ቅዱስ ንቕበሎሲ ንየሱስ ክርስቶስ ብከምኡ ከም መድሓኒና ብምቕባል እዩ ( ዮሃንስ 3፡5-16)። መዓስ ኢና ንመንፈስ ቅዱስ ንቕበሎ ? መንፈስ ቅዱስ ናይ ሓዋሩ ርስትና ዝኸውንሲ፡ ኣብታ ዝኣመንናላ ህሞት ይፍጸም።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መዓስ/ከመይ ኢና መንፈስ ቅዱስ ንቕበል?
© Copyright Got Questions Ministries