settings icon
share icon
ሕቶ

ምስ ዘመን-ጸበባ ብምዝማድ፡ ምንጣቕ መዓስ እዩ ክኽሰት?

መልሲ


ምንጣቕ ምስ ዘመን ጸበባ ብምዝማድ፡ ኣበይናይ እዋን ከምዝካየድ፣ ሎሚ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ኣከራኸርቲ ጉዳያት ኮይኑ ኣሎ። እቶም ቀዳሞት ሰለስተ ኣረኣእያታት፣ ቅድሚ እዋን ጸበባ፡ (ምንጣቕ ቅድሚ ጸበባ ምዃኑ)፣ ኣብ መንጎ ዘመን ጸበባ፡ (ምንጣቕ ኣብ ኣጋ ወይ ኣብ መንጎ ጸበባ ምስ ኮነ)፣ ድሕሪ ዘመን ጸበባን (ምንጣቕ ዝኽሰት፡ ነገር ጸበባ ድሕሪ ምውድኡ) ዝብሉ እዮም። እቲ ራብዓይ ኣረኣእያ [ሓሳብ] ብሓባራዊ ርድኢት ዝፍለጥ፡ ቅድሚ ቁጥዓ ዝብል ርእይቶ ኮይኑ፡ ንፈረቓ ዘመነ-ጸበባ መጠናዊ ለውጢ ዝገብረ ርእይቶ እዩ።

ብቀዳምነት፣ ዕላማ ዘመነ-ጸባብ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ብመንጽር ዳኒኤል 9:27፡ ኣብ መበል ሰብዓ “ሸውዓተ” (ሽውዓተ ዓመታት) ገና ዝመጽእ እዩ። ኩሉ ናይ ዳኒኤል ትንቢት ናይ ሰብዓ ነናይ ሸውዓተ፡ (ዳኒኤል 9:20-27) ናይ ሃገረ እስራኤል እዩ ዝዛረብ። እቲ ግዜ ኣምላኽ ኣቓልቦኡ ብፍሉይ ኣብ እስራኤል ዘቶኵሩሉ ግዜ እዩ። ከም እኒ ሰብዓ ነናይ ሸውዓተን፡ ዘመነ-ጸበባን፡ ኣምላኽ ብፍላይ ናይ እስራኤል ጉዳይ ግድን ዝዓየሉ እዋን/ግዜ እዩ። እዚ ኣበሃህላ ዋላኳ ቤተ-ክርስትያን ኣብቲ ግዜ እቲ ክትህሉ ኣይትህሉን እያ ኢሉ ግድን ኣየመልክት፣ ስለምንታይ ደኣ እያሞ ቤተ-ክርስትያን ኣብቲ ግዜ እቲ ክትህሉ ተድልይ ዝብል ሕቶ የምጽኣልካ እዩ።

ናይ ምንጣቕ፡ መባእታዊ እምነ-ጽሑፍ ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ 1ይ ተሰሎንቄ 4:13-18 ዘሎ እዩ። ኩሎም ብህይወት ዘለዉ ምስ ዝሞቱ ኣመንቲ፣ ንክርስቶስ ኣብ ኣየር ክራኸቡን ምስኡ ንዘልኣለም ክነብሩን ኢሉ ይገልጽ። ምንጣቕ ምእላይ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ገጽ ምድሪ እዩ። 1ይ ተሰሎንቄ 5:9፡ ድሕር ኢሉ ዘሎ ሒደት ጥቕስታት፡ ጳውሎስ “ኣምላኽ፡ ብጎይታና ክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ደኣ እምበር፣ ንቁጥዓስ ኣይመደበናን።” መጽሓፍ ራእይ፡ ብቐዳምነት ኣብ ዘመን ጸበባ ኣመልኪቱ፡ ኣምላኽ ኣብ ግዜ ጸበባ፡ ከመይ ገይሩ ንቁጥዕኡ፡ ኣብ ገጽ ምድሪ ከምዝኽዑ፣ ትንቢታዊ መልእኽቱ ይነግር። ኣምላኽ ንኣመንቲ ብቁጥዓ ኣይሳቐዩን ኢሉ ተስፋ ሂቡ ክነሱ፣ ተመሊሱ ኣብ ዘመነ-ጸበባ ንዝፍንዎ ቁጥዓ፣ ኣመንቲ ኣብ ገጽ ምድሪ ክጽንሑ እዮም ዝብል ዘይቃደው ይመስል። ኣምላኽ ንክርስትያናት ካብ ቁጥዓ ከድሕኖም ምዃኑ ዝተተስፈዎ ሓቂ፣ ምስቲ ብሕጽር ዝበለ ንህዝቡ ካብ ምድሪ ክኣልዮም ምዃኑ ዘተስፈዎም፣ እዚ ሓቂ እዚ፣ ነቶም ክልተ ኩነታት ብሓደ ዘጣመረ ይመስል።

ንእዋናውነት ምንጣቕ፡ ካልእ ወሳኒ እምነ-ጽሑፍ ኣብ ራእይ 3:10፣ ካብታ ኣብ ኩላ ምድሪ ንእትመጽእ “ናይ ፈተና ሰዓት” ንኣመንቲ ከድሕኖም ምዃኑ ኣተስፈወ። እዚ ማለት ክልተ ነገራት ማለት ክኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ክርስቶስ ንኣመንቲ ኣብ መንጎ ፈተናታት ክሕልዎም እዩ፡ ወይ ካብቶም ፈተናታት ንኣመንቲ ክባልሆም/ከድሕኖም እዩ። ካብ ቃል ግሪኽ እቲ “ካብ” ዝብል ንክልቲኡ ምትርጓመት ቅቡል የብሎ። እንተኾነ፣ እቶም ኣመንቲ ካብ ምንታይ ክዕቀቡ ምዃኖም ዝተዋህቦም ተስፋ ክፈልጡ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ፈተና ዘይኮነ፣ እቲ “ግዜ” ናይ ፈተና እዩ። ክርስቶስ ንኣመንቲ፡ ካብቲ ግዜ ዝሓቆፎ ፈተናታት፡ ንክዕቅቦም ዘተስፈዎም፣ ብቀንዲ ካብ ዘመነ ጸበባ እዩ። ዕላም ዘመነ-ጸበባ፣ ዕላማ ምንጣቕ፣ ናይ 1ይ ተሰሎንቄ 5:9 ትርጉምን፡ ናይ 3:10 ትርጉምን፡ኩሎም ነቲ ቅድሚ ዘመነ-ቁጥዓ ዘሎ ከም ዘመልክት፣ ንጹር ደገፎም ይህቡ። መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ብቓሉን ብተቓዳዊን ኣገባብ እንተተርጒሙ፣ እቲ ቦታ[መቓን] ቅድሚ ዘመነ-ጸበባ፡ እቲ ዝያዳ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሰረት ዝገበረ ትርጉም እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ምስ ዘመን-ጸበባ ብምዝማድ፡ ምንጣቕ መዓስ እዩ ክኽሰት?
© Copyright Got Questions Ministries