settings icon
share icon
ሕቶ

ምንጣቕ ቤተ-ክርስትይን እንታይ እዩ?

መልሲ


ምንጣቕ ዝብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የልቦን። እቲ ቃል ካብ ቋንቋ ላቲን ዝመጸ ትርጉሙ ድማ፡ “ምልዓል፡ ምግዓዝ፡ ወይ ምምንዛዕ ማለት እዩ።” እቲ ምምንዛዕ ወይ ምንጣቕ ቤተ-ክርስትያን ዝብል ሕሳብ ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ ብንጹር ትምህርቲ ሂቡ ኣሎ።

ምንጣቕ ቤተ-ክርስትያን፣ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ዘመን- ጸበባ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝኽዕዎ ጻድቕ ፍርዱ ምእንቲ ከካይድ፣ ንኩሎም ኣመንቲ ካብ ምድሪ መንዚዑ ዝወስደሉ ህሞት እዩ። ምንጣቕ ንቅድም ኣብ 1ይ ተሰሎንቄን 4:13–18 1ይ ቆረንቶስን 15:50–54 ተገሊጹ ኣሎ። ኣብቲ ኣምላኽ ንኩሉኦም ዝሞቱ ኣመንቲ ብክብሪ ኣካል ሂቡ ዘተንስኦምን ምስቶም ብህይወት ዘለዉ ናይ ክብሪ ኣካል ዝወሃቦምን ኣሕቢሩ ካብ ገጽ ምድሪ ዝወስዶምን ዝወስድሉ ግዜ እዩ። “ጎይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ክወርድ እዩ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ንቅድሚ ክትንስኡ እዮም። ድሕሪዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘሎና ንምቕባል ጎይታ ኣብ ኣየር ሓቢርና ብደበና ክንለዓል ኢና፡ ከምኡ’ውን ንሓዋሩ ምስ ጎይታ ክንነብር ኢና።” (1ይ ተሰሎንቄ 4:16–17).

ምንጣቕ ኣካላትና ዘልኣለማውነትና ንክገጥም፡ ቅጽበታዊ ምልዋጥ ኣካላትና፡ ዘካትት ክኸውን እዩ። “ንሱ ም ስ ዚግለጽ ግና፣ ከምታ ዘለዋ ክንርእዮ ኢና እሞ ንእኡ ከም እንመስል ንፈልጥ ኣሎና” (1ይ ዮሃንስ 3:2)። ምንጣቅ ካብ ካልኣይ ምጽኣት ዝተፈለየ እዩ ክኸውን። ኣብ ምንጣቕ ጎይታ “ኣብ ኣየር” ንክራኸበና “ብደበናታት” ይመጽእ (1ይ ተሰሎንቄ 4:17)። ኣብ ካልኣይ ምጽኣት፣ ጎይታ ካብ ሰማይ ወሪዱ ኣብ ደብረ-ዘይቲ ኣብ ምድሪ ደው ክብል ከሎ፣ ከም ውጽኢቱ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስዒቡ ምድምሳስ ጸላእቲ ኣምላኽ ክኸውን እዩ (ዘካርያስ 14:3–4).

ትምህርቲ ምንጣቅ ኣብ ብሉይ ኪዳን ሰለዘይተዋህበ፣ በዚ ምኽንያት እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ “ሚስጢር” ኢሉ ዝጽውዖ፥ “እንሆ ሚስጢር እነግረኩም ኣሎኹ፡ ኩላትና ክንልወጥ እምበር፡ ኩላትና ኣይክንድቅስን ኢና— ብሓንሳብ ብቕጽብት ዓይኒ፡ በቲ ናይ ድሕሪ ኩሉ መለኸት፡ እቲ መለኸት ክንፋሕ እዩሞ፡ እቶም ምውታት ድማ ብዘይሓልፍ ክትንስኡ እዮም፡ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና” (1ይ ቆረንቶስ 15:51–52)።

ምንጣቕ ንሕና እንናፍቖ፡ ክቡር ኣጋጣሚ እዩ። ንሕና ኣብ መወዳእታ ካብ ሓጢኣት ሓራ ክንኸውን ኢና። ንሕና ንዘልኣለም ኣብ ቅድሚ ህላዌ ኣምላኽ ክከውን ኢና። ኣብ ምንጣቕ ኣብ መንጎ ትርጉምን ሸፈንኡን ጥልቂ ክርክር ኣሎ። እዚ ዕላማ ኣምላኽ ኣይኮነን። እኳ ደኣ፣ ትምህርቲ ምንጣቕ መጸናንዒ ኣስተምህሮ፡ ተስፋ ዝመልኦ፡ ክኸውን ይግብኦ፥ ኣምላኽ በዘን ቃላት እዚአን ክንጸናናዕን ክንበራታዕን እዩ ዝደልየና።” (1ይ ተሰሎንቄ 4:18).

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ምንጣቕ ቤተ-ክርስትይን እንታይ እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries