settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዓሌትነት እንታይ ይብል?

መልሲ


ብቀዳምነት ኣብዚ ዘተ’ዚ ክርድኦ ዘሎና ነጥቢ፡ ሓደ ዘርኢ፡ ንሱ ድማ ዘርኢ ሰብ ጥራሕ እዩ። ጸዓዱ፡ ኣፍሪቃውያን፡ ኤስያውያን፡ ህንዳውያን፡ ኣዕራብን ኣይሁድን፡ ዝተፈላለዩ ዘርእታት ኣይኮኑን። እኳ ደኣ፡ ዝተፈላለዩ ብሄራት ናይ ዘርኢ ሰብ እዮም። ኩሎም ደቂ ሰባት፡ ተመሳሳሊ ኣካላዊ ባህርያት ኣለዎም፡ [ብሓቂ ምስ ሒደት ፍልልያት] ት ባህርያት (ግድን ከኣ ቅሩብ ፍልልያ ት ኣሎ) ፡፡ ካብ ኲሉ ዘገድስ ከኣ ፡ ኲሎም ደቅሰባት ብመልክዕን ብምሳሌን ናይ ኣምላኽ እዮም ተፈጢሮም (ዘፍጥረት 1፡26-27)፡፡ ኣምላኽ ንዓለም ኣዝዩ ኣፍቀራ እሞ ንየሱስ ኣብ ክንዳና ህይወቱ ከሕልፍ ለኣኾ (ዮሃንስ 3፡16)፡፡ "እዛ ዓለም" ንኲሎም ጉጅለ ብሄራት ዝሓቘፈት ምዃና ፍሉጥ እንድዩ ፡፡

ኣምላኽ ኣድልዎ ገጽ ኣየርእን እዩ (ዘዳግም 10፡ 17 ፥ ግብሪ ሃዋርያት 10፡34 ፥ ሮሜ 2፡11 ፥ ኤፌሶን 6፡9 )፡ ንሕና እውን ገጽ ርኢና ኣይነዳሉ፡፡ እቶም ገጽ ርእዮም ዘዳልዉ ብክፉእ ሓሳብ ፈራዶ ከምዝዀኑ ያእቆብ 2፡4 ይገልጽ እዩ ፡፡ እኳ ደኣ ፡ ንጎረባብትና ከም ርእስና ጌርናመ ከነፍቅሮም እዩ ዘሎና (ያእቆብ 2፡8) ፡፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን ፡ ኣምላኽ ንሰብ ኣብ ክልተ ጉጅለ ከፊልዎ ነበረ፡ ኣይሁድን ኣህዛብን ኢሉ፡፡ ኣምላኽ ንኣይሁድ ዝሓሰበሎም ፡ ንሃገራት ኣህዛብ ዘገልግሉ ናይ መንግስቲ ካህናት ክዀኑሉ እዩ ዝነበረ ፡፡ ኣብ ክንድኡስ ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ፡ ኣይሁድ ብዝረኸብዎ ክብረት ተዓብዮም ነቶም ኣህዛብ ብንዕቀት ተጸየንዎም ፡፡ የሱስ ክርስቶስ ነዚ መወዳእታ ጌርሉ እዩ ፡ ነቲ ዝፈላሊ ዝነበረ ከልካሊ ቀጽሪ ብምድምሳስ (ኤፌሶን 2፡14) ፡፡ ኲሉ ዓይነት ዓሌትነት ፡ ቅድመ-ፍርዲ ፡ ሌላን ጉሌላን ዘበለ ንግብሪ መስቀል ክርስቶስ ምስትንዓቕ እዩ ፡፡

ከምቲ ንሱ ዘፍቀረና ንሓድሕድና ክንፋቐር የሱስ ይእዝዘና (ዮሃንስ 13፡34) ፡፡ ኣምላኽ ዘየዳሉን ብዘይ ሌላ ጉሌላ እንተፍቂርና ፡ ንካልኦት እውን ብከምዚ ዝዓይነቱ ዝለዓለ መዐቀኒ ከነፍቅሮም ይግብኣና እዩ ፡፡ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 25 ዝመሃሮ ፡ ነቶም ኣሕዋቱ ዝገበርናሎም ዘበለ ፡ ንእኡ ከም ዝገበርናሉ እዩ ፡፡ ንሓደ ሰብ ብምንሻው እንተ ተቐቢልናዮ ፡ ነቲ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ ኢና ነናሹ ዘሎና ፡ ነቲ ኣምላኽ ዘፍቀሮን ክርስቶስ ዝሞተሉን ኢና ንሃስዮ ዘሎና ፡፡

ዓሌትነት ፡ ብዝተፈላለየ መልክዓቱን ብብዙሕ ደረጃታቱን ንኣሻሓት ዓመታት ኣብ ሰብኣውነት ሕማም ኰይኑ ጸኒሑ እዩ፡፡ ኣብ ኲሉ ብሄራት ዘለዂም ኣሕዋትን ኣሓትን ፡ ከምዚ ክኸውን የብሉን ፡፡ ግዳያት ዓሌትነት ፡ ቅድመ-ፍርዲ ፡

ሌላን ጉሌላን ይቕረ ክብሉ እዩ ዘለዎም ፡፡ ኤፌሶን 4፡32 ከምዚ ኢሉ ይእውጅ ፡ ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሃሉ ። ዓሌታውያን ምሕረት ኣይግብኦምን ይኸውን ፡ ንኣና እውን ምሕረት ኣምላኽ መዓስ ይግብኣና ኰይኑ ፡፡ እቶም ዓሌትነት ፡ ቅድመ- ፍርዲ፡ ሌላን ጉሌላን ዝገብሩ ምንሳሕ ዝገብሩምንሳሕ ከድልዮም እዩ ፡፡ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ እምበር፡ ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ፡ ንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ (ሮሜ 6፡13) ። ገላትያ 3፡28 ኣጸቢቕና ነስተብህላ፡ ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዓሌትነት እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries