settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምርካብ ትርጉም ሂወት እንታይ ይብል?

መልሲ


መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዕላማና ኣብ ሂወት እንታይ ክኸውን ኣለዎ ንጹር እዩ። ሰባት ኣብ ክልቲኡ ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ንትርጉም ሂወት ደልዮማን ረኺቦማን። ሰለሙን፡ ካብ’ቶም ዝነበሩ እቲ ዝለበመ ሰብ፡ ሂወት እንተድኣ ነዛ ዓለም እዚኣ ጥራይ ምንባር ኮይኑ፡ ንሂወት ከንቱ ኮይኑ ረኺብዋ። ኣብ መጽሓፍ መክብብ ነዚ ዝስዕብ መደምደምታ ሓሳብ ይህብ፡ “መፈጸምታ ኹሉ እቲ ነገር ንስማዕ፡ እዚ ናይ ሰብ ኩለንትና እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርሃዮ፡ ንትእዛዛቱውን ሐልዎ። ኣምላኽሲ ንኹሉ ግብርን ንሕቡእ ነገር ዘበለን፡ ሰናይ ኮነ ወይስ እኩይ፡ ናብ ፍርዲ ኼምጽኦ እዩ።” (መክብብ 12፡ 13-14)። ሰለሙን፡ ሂወት ብሓሳብናን ብናብራናን ብዛዕባ ምኽባር ኣምላኽን ከምኡ ድማ ምሕላው ትእዛዛቱን እያ፡ ምኽንያቱ ሓደ መዓልቲ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ፍርዲ ደው ክንብል ኢና። ናህና ክፋል ዕላማ ናይ ሂወትና ንኣምላኽ ምፍራህን ምእዛዝን እዩ።

ካልእ ክፋል ዕላማ ናይ ሂወትና ድማ ኣብ’ዛ ምድሪ ንሂወት ብመንጽርራዊ ኣመለኻኽታ ብምርኣይ እዩ። ዘይከምቶም ኣብ’ዛ ምድሪ ዘተኩሩ ሰባት’ ንጉስ ዳዊት ንደስትኡ ኣብ ናይ ዝመጽእ ግዜ እዩ ጠሚትዎ። ንሱ “ኣነ ግና ንገጽካ ብጽድቂ ኽርእዮ፣ ምስ ነቓሕኩ ብትርኢትካ ኽጸግብ እየ።” (መዝሙር 17፡15)። ንዳዊት፡ ምሉእ ሓጎስ ምስ ተንሰአ (ኣብ’ቲ ካልኣይ ሂወት) ከም ዝመጽእ እዚ ድማ ክልቲኡ ማልት ገጽ ኣምላኽ ክርእን (ሕብረት ምስ’ኡ) ከምኡ ድማ ንዑኡ ክመስልን (1 ዮሃንስ 3፡2) እዩ።

ኣብ መዝሙር 73፡ ኣሳፍ ክሳብ መወዳእቶኦም ዝርኢ ነቶም ጸገም ዘይብሎም መጻኢኦም ድማ ኣብ ዝባን ውጹዓት ዝገበሩ ረሲኣን ብምቕናእ ከም ዝተፈተነ ይዛረብ። ነቲ ንሶም ዝጥምትዎ ብምንጽጻር፡ ኣብ ጥቕሲ 25 ንሱ ንዑኡ ዘገድሶ ይገልጽ፡ “ኣብ ሰማይ ብጀካኻ መን ኣሎኒ?” ኣብ ምድሪ ድማ ብዘይካኻ ዝደልዮ የብለይን።” ንኣሳፍ፡ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ልዕሊ ኩሉ ካልእ ኣብ ሂወት የገድሶ። ብዘይ እዚ ርክብ እዚ ሂወት ርጉጽ ዝኾነ ትርጉም የብላን።

ሃዋርያ ጳውሎስ ቅድሚ በቲ ዝተንሰአ ክርስቶስ ምብዳሁ ብዛዕባ ኩሉ ብሃይማኖት ዝጨበጦ ተዛሪቡ፡ ስለዚ ድማ ምስ ምፍላጥ ክብሪ የሱስ ክርስቶስ ክወዳደር ከሎ እዚ ኩሉ ከም ኩምራ ዱኽዒ ሙዃኑ ደምዲሙ። ኣብ ፊሊጲ 3፡9-10፡ ዋላ’ኳ ስቓይን ሞትን እንተኾነ ብዘይካ ክርስቶስ ካልእ ክፈልጥ ከምዘይደሊ “ብኡኡ ክርከብን” ጽድቁ ክረክብን ብእምነት ብኡኡ ክነብርን ከምዝደሊ ይዛረብን። ናይ ጳውሎስ ዕላማ ከኣ ንዑኡ ብምእማን ዝርከብ ጽድቂን ዋላ’ውን ስቓይ የምጽእ ምስ’ኡ ብሕብረት ምንባርን ንክርስቶስ ምፍላጥ እዩ (2 ጤሜጢዎስ 3፡12)። ኣብ መወዳእታ፡ ንሱ ዝካፈለሉ ግዜ ናይ “ትንሳኤ ሙዉታን” ድማ ኣማዕድዩ ርእዩ።

ናህና ዕላማ ኣብ ሂወት፡ ከምቲ ኣምላኽ ኣብ ፈለማ ንሰብ ዝፈጠሮ 1) ንኣምላኽ ምኽባርን ምስ’ኡ ሕብረት ብምግባር ምሕጓስን፡ 2) ምስ ካልኦት ጽቡቕ ርክብ ምግባር፡ 3)ስራሕ ከምኡ’ውን 4) ንምድሪ ምግዛእን እዩ። ኮይኑ ግን ምስ ናይ ሰብ ኣብ ሓጥያት ምውዳቕ ፡ ሕብረት ምስ ኣምላኽ ተሴሩ፡ ምስ ካልኦት ዘሎ ርክብ ተባላሽዩ፡ ስራሕ ድማ ኩሉ ግዜ ዘየተኣማምን ኮይኑን ሰብ ድማ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ግዛኣቱ ክዕቅብ ይቃለስ ኣሎን። ትርጉም ናይ ሂወት ድማ ምስ ኣምላኽ ዘሎ ሕብረት ብምምላስ፡ ብምእነት ብየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ ዳግም ክርከብ ዝክኣል።

ዕላማ ናይ ሰብ ንኣምላኽ ምኽባርን ብኡኡ ባህ ምባልን እዩ። ንኣምላኽ ነኽብሮ ድማ ንዑኡ ብምፍራህን ብምእዛዝን፡ ኣዒንትና ድማ ኣብ ናይ ትመጽእ ቤትና ኣብ ሰማይ ብምግባርን ንዑኡ ድማ ጠቢቕና ብምፍላጥን እዩ። ንሕና ብኣምላኽ ባህ ዝብለና ድማ ናቱ ዕላማ ኣብ ሂወትና ብምስዓብ እዩ፡ እዚ ድማ ንዓና ሓቀኛን ናይ ሓዋሩ ሓጎስን ክንሙኮር የኽእለና--እዚ እቲ ንሱ ንዓና ዝደልዮ ሙሉእ ሂወት እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምርካብ ትርጉም ሂወት እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries